YouVersion Logo
Search Icon

ዘሑልቍ 2

2
ደቂ እስራኤል በብነገዶም ተሰሪዖም ከም ዝሰፈሩ
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ ኢሉ ተናገሮም፦ 2“ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፎም ኣብ ጥቓ ሰንደቕ ዕላማኦምን ኣብ ምልክት ነናይ ማይ ቤቶምን ይስፈሩ። ኣብ መንፅር እቲ መራኸቢ ድንኳን ብዙርያኡ ርሕቕ ኢሎም ይስፈሩ።”
3ሰራዊት ይሁዳ ብወገን ምብራቕ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኦም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ይሁዳ ድማ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዩ። 4ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሰብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበረ።
5ካብኡ ቐፂሎም ዝሰፍሩ ኸዓ ነገድ ይሳኮር ይኹኑ። ሹም ደቂ ይሳኮር ድማ ናትናኤል ወዲ ሶገር እዩ። 6ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሓምሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ።
7ቀፂሉ ዝሰፍር ከዓ ነገድ ዛብሎን እዩ፤ ሹም ደቂ ዛብሎን ድማ ኤልያብ ወዲ ኬሎን እዩ። 8ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሓምሳን ሸውዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ።
9ኵላቶም ካብ ሰፈር ይሁዳ ዝተቘፀሩ በብሰራዊቶም ሚእትን ሰማንያን ሽዱሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ቅድሚት ይጐዓዙ።
10ሰራዊት ሮቤል ብወገን ደቡብ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኦም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ሮቤል ከዓ ኤሊሱር ወዲ ሰዲዮር እዩ። 11ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ኣርብዓን ሽዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበረ።
12ምስኡ ለጊቦም ከዓ ነገድ ስምኦን ይስፈሩ። ሹም ደቂ ስምኦን ድማ ሰለሚኤል ወዲ ሱሪሳዳይ እዩ። 13ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ነበረ።
14ቀፂሉ ነገድ ጋድ ይስፈር፤ ሹም ደቂ ጋድ ኤልያሳፍ ወዲ ረዑኤል እዩ። 15ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ነበረ።
16እቶም ኣብ ሰፈር ሮቤል ዝተቘፀሩ ዅሎም በብሰራዊቶም ሚእትን ሓምሳን ሓደን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ። እዚኣቶም ካልኣይ ሰልፊ ኾይኖም ይጐዓዙ።
17ድሕሪኡ ድማ እቲ መራኸቢ ድንኳን ምስ ሰፈር ሌዋውያን ኣብ መንጎ እቲ ሰፈራት ይጐዓዝ። ከምቲ ኣሰፋፍራኣቶም ከምኡ ኸዓ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስፍራኦም መምስ ሰንደቕ ዕላማኣቶኦም ይጐዓዙ።
18ሰራዊት ኤፍሬም ብወገን ምዕራብ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኣቶም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ኤፍሬም ድማ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ እዩ። 19ብዝሒ ሰራዊቱ ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበረ። 20ምስኡ ለጊቡ ኸዓ ነገድ ምናሴ ይስፈር። ሹም ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር እዩ። 21ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበረ።
22ቀፂሉ ድማ ነገድ ብንያም ይስፈር፤ ሹም ደቂ ብንያም ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን እዩ። 23ብዝሒ ሰራዊቱ ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ።
24እቶም ኣብ ሰፈር ኤፍሬም ዝተቘፀሩ ዅሎም በብሰራዊቶም ሚእትን ሸሞንተን ሽሕን ሚእትን እዮም። እዚኣቶም ሳልሳይ ሰልፊ ኾይኖም ይጐዓዙ።
25ሰራዊት ዳን ብወገን ሰሜን ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኦም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ዳን ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ እዩ። 26ብዝሒ ሰራዊቱ ስሳን ክልተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ነበረ።
27ካብኡ ቐፂሎም ዝሰፍሩ ድማ ነገድ ኣሴር ይኹኑ። ሹም ደቂ ኣሴር ፋግኤል ወዲ ኤኽራን እዩ። 28ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበረ።
29ቀፂሉ ነገድ ንፍታሌም ይስፈር። ሹም ደቂ ንፍታሌም ኣኪሬ ወዲ ዔናን እዩ። 30ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ።
31እቶም ኣብ ሰፈር ዳን ዝተቘፀሩ ዅሎም ሚእትን ሓምሳን ሸውዓተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ምስ ሰንደቕ ዕላማኦም ደጀን ኮይኖም ይጐዓዙ።
32እቶም ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤቶም ዝተቘፀሩ እዚኣቶም እዮም። ኵሎም በብሰራዊቶም ከዓ ሽዱሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን እዮም። 33ሌዋውያን ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ምስ ደቂ እስራኤል ኣይተቘፀሩን።
34ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ፤ በብሰንደቕ ዕላማኦም ሰፈሩ፤ በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ከዓ ተጕዓዙ።

Currently Selected:

ዘሑልቍ 2: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in