ዘሑልቍ 3
3
ሌዋውያን
1በታ እግዚኣብሄር ኣብ ደብረ ሲና ንሙሴ ዝተዛረበላ እዋን፥ ትውልዲ ኣሮንን ሙሴን እዙይ እዩ፦ 2ደቂ ኣሮን፥ እቲ በዅሪ ናዳብ፥ ኣብዩድ፥ ኣልኣዛርን፥ ኢታምርን እዮም። #ዘሑ. 26፡60። 3ስም እቶም ከገልግሉ ዝተቐብኡ ካህናት፥ ንኽህነት ዝቐደሶም ደቂ ኣሮን እዙይ እዩ፦ 4ናዳብን ኣብዩድን ግና እቶም ኣብ ምድረ በዳ ሲና እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ ሓዊ ብምቕራቦም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ። ውሉድውን ኣይነበርዎምን። ኣልኣዛርን ኢታምርን ግና ኣብ ቅድሚ ኣቦኣቶም ብኽህነት የገልግሉ ነበሩ። #ዘሌ. 10፡1-2፥ ዘሑ. 26፡61።
5እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 6“ንነገድ ሌዊ ኣምፅኣዮም፤ ምእንቲ ኸገልግልዎ ድማ ናብ ኣሮን ካህን ኣቕርቦም። 7ንሳቶም ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን እናገልገሉ ሓላፍነት ኣሮንን ሓላፍነት ህዝቢ እስራኤልን ይፈፅሙ። 8ኵሉ ኣቑሑ ናይቲ መራኸቢ ድንኳን ስራሕ ንኽሰርሑ፥ ኣብቲ ናይቲ መራኸቢ ድንኳን ኵሉ ኣቑሑ ይሓልዉ፤ ንደቂ እስራኤል ንምግልጋል ዘድሊ ኹሉ ይሓልዉ። 9ንሌዋውያንውን፥ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም፤ ንሳቶም ካብ ደቂ እስራኤል ተፈልዮም ንኣይ ከገልግሉ ተውሂቦም እዮም እሞ። 10ንኣሮንን ንደቁን ድማ ናይ ክህነቶም ኣገልግሎት ክፍፅሙ ሹሞም፤ ካልእ ሰብ እንተ ቐረበ ኸዓ ይቀተል።”
11እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ 12“እንሆ፥ ኣነ ኽንዲ እቲ ኣብ ደቂ እስራኤል ማህፀን ዝኸፈተ ዅሉ በዅሪ፥ ንሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል መሪፀ ፈልየዮም እየ እሞ፥ ሌዋውያን ንኣይ ይኹኑ። 13#ዘፀ. 13፡2። በዅሪ ዝኾነ ዅሉ ንኣይ ስለ ዝኾነ፥ በታ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብፂ ዝወቓዕኹላ መዓልቲ፥ ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ኵሉ በዅሪ ኣብ እስራኤል፥ ንኣይ ክኸውን መሪፀ ፈልየዮ እየ፤ ንኣይ ይኹኑ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።”
14እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ በረኻ ሲና 15“ንደቂ ሌዊ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ቍፀሮም፤ ዕድሚኡ ኻብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ዘሎ ዅሉ ተባዕታይ ቍፀሮ” በሎ። 16ሙሴ ድማ ኸምቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገይሩ ቘፀሮም።
17ደቂ ሌዊ፥ በብስሞም
ጌድሶን፥ ቃዓት፥ ሜራሪ እዮም።
18ደቂ ጌድሶን በብዓሌቶም፥
ሎቤኒ፥ ስሜኢ እዮም።
19ደቂ ቃዓት በብዓሌቶም፥
እንበረም፥ ይስዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል እዮም።
20ደቂ ሜራሪ በብዓሌቶም፥
ሞሖሊ፥ ሙሲ እዮም።
ዓሌታት ሌዋውያን በብማይ ቤቶም እዚኣቶም እዮም።
21ዓሌታት ሊብናውያንን ዓሌታት ሺምዓውያንን ካብ ጌድሶን ዝውለዱ እዮም። 22ብዝሒ እቶም ዕድመኣቶም ካብ ወርሒ ንላዕሊ ዝኾኑ ዅሎም ተባዕትዮ፥ ሸውዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እዩ። 23ዓሌታት ጌርሾናውያን ብድሕሪ ድንኳን ብወገን ምዕራብ ይስፈሩ። 24ሹም ዓሌታት ጌርሾናውያን ኤልያሳፍ ወዲ ላኤል እዩ። 25ሓላፍነት ደቂ ጌድሶን፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ነቲ ድንኳንን መኽደኒኡን መደረብታኡን መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳንን፥ 26መጋረጃታት ቅፅርን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ድንኳንን መሰውእን ዘሎ ቕፅርን ኣግማድን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምሕላው እዩ።
27ዓሌት ኣሞራውያንን ዓሌት ይፅሃራውያንን ዓሌት ኬብሮናውያንን ዓሌት ዑዚኤላውያንን ካብ ቃዓት ዝውለዱ እዮም። ወገን ቀዓታውያን እዚኣቶም እዮም። 28ቀዓታውያን መቕደስ ዝሕልዉ ነበሩ። ዕድመኣቶም ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ዝኾኑ ዅሎም ተባዕትዮ ምስ ተቘፀሩ ሸሞንተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ኮኑ። 29ዓሌታት ደቂ ቃዓት ብወገን ደቡብ እቲ ድንኳን ይስፈሩ። 30ሹም ማይ ቤት ዓሌታት ቀዓታውያን ኤሊሳፋን ወዲ ዑዝኤል እዩ። 31ሓላፍነቶም ታቦት ኪዳንን ጠረጴዛን ቀዋሚ ቐንዲልን መሰውኢታትን ንመቕደስ ዘገልግሉሉ ዅሉ ኣቑሑን፥ መጋረጃ ቕድስተ ቅዱሳን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምሕላው እዩ። 32ሓለቓ ሹመኛታት ሌዋውያን ከዓ ኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮን እዩ። ንሱ ነቶም መቕደስ ክሕልዉ ዝተመረፁ ሓለቓኣቶም ነበረ። 33ዓሌት ማህላውያንን ዓሌት ሙሳውያንን ካብ ሜራሪ ዝውለዱ እዮም። 34ንሳቶም ዕድመኣቶም ካብ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ምስ ተቘፀሩ ሽዱሽተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ። 35ሹም ዓሌታት ሜራሪ፥ ፁሪኤል ወዲ ዓቢካኢል እዩ። ንሳቶም ነቲ ድንኳን ብወገን ሰሜኑ ይስፈሩ። 36ደቂ ሜራሪ ዝተመረፅዎ፥ ሓለዋ ሉሕ ድንኳንን ወርወሩን ኣዕምዱን ኣእጋሩን ኵሉ ኣቑሑኡን ምስ ኵሉ መሳርሒኡን፥ 37ኣዕምዲ እቲ ቕፅሪ ብዙርያኡን ኣእጋሩን ሽኻላቱን ገመዳቱን እዩ።
38ሙሴን፥ ኣሮን ምስ ደቁን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ብወገን ምብራቑ ይስፈሩ። ንሳቶም ክንዲ ደቂ እስራኤል ንመቕደስ ዝሕልዉ እዮም። ካልእ ሰብ ናብኡ እንተ ቐረበ ግና ይቀተል።
39ኵሎም ሌዋውያን፥ ከምቲ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር በብዓሌቶም ዝቘፀርዎም፥ ዕድመኣቶም ካብ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ዕስራን ክልተን ሽሕ ኾኑ።
40እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኵሎም ተባዕትዮ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ዕድመኣቶም ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ንዘለዉ ቝፀሮም፤ ስማቶም ድማ ፀሓፎ። 41ክንዲ ዅሎም በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ሌዋውያን ንኣይ ይኹኑ። ክንዲ በዅሪ ኸፍቲ ደቂ እስራኤል ድማ ኸፍቲ ሌዋውያን ንኣይ ይኹና። ኣነ እግዚኣብሄር እየ በሎ።”
42ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንዅሎም በዅሪ ደቂ እስራኤል ቈፀሮም። 43ብዝሒ እቶም ዕድመኣቶም ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ዝኾኑ ዅሎም በዅሪ ተባዕትዮ ኸዓ ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን ኮነ።
44እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 45“ክንዲ ዅሉ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ሌዋውያን፥ ክንዲ ኸፍቲ ደቂ እስራኤል ከዓ ኸፍቲ ሌዋውያን ንኣይ ውሰድ። ሌዋውያን ናተይ ይኹኑ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 46ነቶም ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ካብ ቍፅሪ ሌዋውያን ሕልፊ ዝኾኑ፥ 47ሓሙሽተ ቕርሺ ብሩር ንነፍሲ ወከፍ እናኽፈልካ ተቤዘዎም። 48ነቲ ኽትብዘዎም ኢልካ ዘኽፈልካዮ ገንዘብ ድማ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም።”
49ሙሴ ድማ ኻብቶም ካብ ሌዋውያን ሕልፊ ዝኾኑ፥ ገንዘብ ቤዛ ወሰደ። 50ካብ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ብሚዛን ቤተ መቕደስ፥ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ቅርሺ ብሩር ወሰደ። 51ከም ቃል እግዚኣብሄር፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ሙሴ ነቲ ገንዘብ ቤዛ፥ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም።
Currently Selected:
ዘሑልቍ 3: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in