ዘሑልቍ 1
1
ደቂ እስራኤል ንመጀመርታ ኸም ዝተቘፀሩ
1ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኻብ ዝወፁ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ሲና፥ ኣብ ውሽጢ እቲ መራኸቢ ድንኳን ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦ 2“ናይ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ቍፅሪ ውሰድ፤ በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን በብቝፅሪ ስሞምን፥ ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ቝፅሩ ውሰድ። 3ንስኻን ኣሮንን፥ ኣብ እስራኤል ንዘለዉ ዅሎም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ክወፁ ዝኽእሉ በብኽፍሊ ሰራዊቶም ቍፀርዎም። 4ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሓደ ሓለቓ ማይ ቤት ምሳኻትኩም ይኹን። 5ስም ናይቶም ምሳኻትኩም ዝቖሙ ሰባት እዙይ እዩ፦
ካብ ሮቤል፥ ኤሊሱር ወዲ ሱሪሳዳይ፥
6ካብ ስምኦን፥ ሰለሚኤል ወዲ ሰዲዮር፥
7ካብ ይሁዳ፥ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ፥
8ካብ ይሳኮር፥ ናትናኤል ወዲ ሶገር፥
9ካብ ዛብሎን፥ ኤልያብ ወዲ ኬሎን፥
10ካብ ኤፍሬም ወዲ ዮሴፍ፥ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ፥
ካብ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፥ ገማልኤል ወዲ ፈዳሱር፥
11ካብ ብንያም፥ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን፥
12ካብ ዳን ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ፥
13ካብ ኣሴር፥ ፋግኤል ወዲ ኤክራን፥
14ካብ ጋድ፥ ኤልያሳፍ ወዲ ራጉኤል፥
15ካብ ንፍታሌም፥ ኣኪሬ ወዲ ዔናን።”
16እቶም ካብቲ ህዝቢ ዝተሸሙ፥ ሹመኛታት ነገዳት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም። ንሳቶም ነናይ ማይ ቤቶም ኣሕሉቕ ነበሩ።
17ሙሴን ኣሮንን ድማ ነዞም በብስሞም ዝተፀውዑ ሰባት ወሲዶም፥ 18በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ንዅሉ ህዝቢ ኣከብዎ። ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘሎ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤቶም፥ በብሓደ በብስሞም ተቘፂሮም ተፅሓፉ። 19ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ሙሴ ኣብ በረኻ ሲና ቘፀሮም፦
20ካብ ሮቤል በዅሪ ያእቆብ ዝተወለዱ፦
በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥
በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥
ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥
ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም ተባዕትዮ፥
21ኣርብዓን ሽዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።
22ካብ ስምኦን ዝተወለዱ፦
በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥
በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥
ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥
ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም ተባዕትዮ፥
23ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ኮኑ።
24ካብ ጋድ ዝተወለዱ፦
በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥
በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥
ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥
ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥
25ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ኮኑ።
26ካብ ይሁዳ ዝተወለዱ፦
በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥
በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥
ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥
ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥
27ሰብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ኮኑ።
28ካብ ይሳኮር ዝተወለዱ፦
በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥
በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥
ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥
ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥
29ሓምሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።
30ካብ ዛብሎን ዝተወለዱ፦
በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥
በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥
ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥
ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥
31ሓምሳን ሸውዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።
32ካብ ኤፍሬም ወዲ ዮሴፍ ዝተወለዱ፦
በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥
በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥
ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥
ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥
33ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።
34ካብ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ዝተወለዱ፦
በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥
በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥
ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥
ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥
35ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ።
36ካብ ብንያም ዝተወለዱ፦
በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥
በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥
ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥
ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥
37ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።
38ካብ ዳን ዝተወለዱ፦
በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥
በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥
ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥
ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥
39ስሳን ክልተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኮኑ፥
40ካብ ኣሴር ዝተወለዱ፦
በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥
በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥
ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥
ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥
41ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።
42ካብ ንፍታሌም ዝተወለዱ፦
በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥
በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥
ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥
ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥
43ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ።
44እዚኣቶም እቶም ሙሴን ኣሮንን ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ መራሕቲ ደቂ እስራኤል ኮይኖም ዝቘፀርዎም እዮም። ነፍሲ ወከፎም ነናይ ሓደ ማይ ቤት ኣቦታት እዮም። 45ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤቶም ዝተቘፀሩ ዅሎም፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥ 46ሽዱሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ። #ዘሑ. 26፡1-51።
47ሌዋውያን ግና በብማይ ቤት ኣቦታቶም ምስኣቶም ኣይተቘፀሩን። 48እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉዎ ነበረ፦ 49“ንነገድ ሌዊ ኣይትቝፀሮም፤ ቍፅሮም ድማ ምስቶም ደቂ እስራኤል ኣይትሕወሶ። 50ክንድኡ ኣብ ልዕሊ እቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዅሉ ኣቑሑኡን፥ ኣብ ልዕሊ ናቱ ዝኾነ ሓለፍቲ ጌርካ መድቦም። ንሳቶም ነቲ ድንኳንን ንዅሉ ኣቑሑኡን ይፁሩ። ንእኡ ኸዓ የገልግሉ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ድማ ይስፈሩ። 51እቲ ናይ ምስክር ድንኳን ካብ ሰፈር እንትለዓል፥ ሌዋውያን ይንቀልዎ፤ ክሰፍሩ እንተለዉ ኸዓ ንሳቶም ይትከልዎ። ካልእ ሰብ ናብኡ እንተ ቐረበ ግና ይቀተል። 52ደቂ እስራኤል ከዓ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰሰፈሩ፥ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኡ ምስ ዓሌቶም በብኽፍሎም ይስፈሩ። 53ግና ኣብ ህዝቢ እስራኤል ቍጥዓ ምእንቲ ኸይወርድ፥ ሌዋውያን ኣብ ዙርያ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይስፈሩ፤ ነቲ ድንኳን ከዓ ይሓልውዎ።”
54እስራኤላውያን ድማ ኸምኡ ገበሩ፤ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።
Currently Selected:
ዘሑልቍ 1: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in