ነህምያ 6
6
ፀላእቲ ነህምያ ዝኣለምዎ ኽፍኣት
1ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሰንባላጥን ጦቢያን ጌሳም እቲ ዓረባውን እቶም ዝተረፉ ፀላእትናን ነቲ ቕፅሪ ኸም ዝነደቕክዎ፥ ካብቲ ፍሩስ ዝነበረ ዘይተነደቐ ሓደኳ ኸም ዘይተረፈ ሰምዑ። ክሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ግና መዓፁ ኣብቲ ደገታት ኣይተኸልኩን ነበርኩ። 2ሰንባላጥን ጌሳምን ከዓ ኣብ ልዕለይ ክፉእ ክገብሩ ሓሲቦም ስለ ዝነበሩ “ነዓ፥ ካብተን ኣብ ጐልጐል ኦኖ ዘለዋ ዓድታት ኣብ ሓንቲ ንራኸብ” ኢሎም ለኣኹለይ። 3ኣነ ድማ “ኣነስ ዓብዪ ስራሕ እሰርሕ ኣለኹ እሞ፥ ክወርድ ኣይክእልን እየ። ነቲ ስራሕ ሓዲገ ናባኻትኩም ብምውራደይ ንምንታይ እቲ ስራሕ ዝተኣጓጐል!” ኢለ ለኣኽኩሎም። 4በዝ ነገር እዙይ ድማ ኣርባዕተ ሻዕ ለኣኹለይ፤ ኣነ ኸዓ ኸምኡ ገይረ መለስኩሎም።
5ሽዑ ሰንባላጥ ሓንቲ ኽፍትቲ መልእኽቲ ኣብ ኢዱ ኣትሒዙ ንሓምሻይ ጊዜ ሓሽከሩ ለኣኸለይ። 6እታ መልእኽቲ ኸምዙይ ትብል ነበረት፦ “ንስኻን ኣይሁድን ክትሽፍቱ ትሓስቡ ኸም ዘለኹም፥ ኣብ ኣህዛብ ተሰሚዑ ኣሎ፤ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይውን ጌሳም ኣረጋጊፁለይ ኣሎ። ምእንቲ እዙይ ድማ ቕፅሪ ትሰርሕ ከም ዘለኻ፥ ንስኻ ንጉሶም ክትከውን ከም ዝደለኻውን ኣብ ኣህዛብ ይስማዕ ኣሎ። 7ከምኡውን ኣብ ኢየሩሳሌም ብዛዕባኻ ‘ኣብ ይሁዳ ንጉስ ኣሎ’ ኢሎም ዝእውጁ ነቢያት ከም ዘቖምካ ተሰሚዑ ኣሎ፤ እምበኣር እዝ ነገር እዙይ ንጉስ እንተይሰምዖ ኣይተርፍን እዩ እሞ፥ ሕዚ ነዓ ብሓደ ኴንና ንመኻኸር ዝብል ቅሉዕ ደብዳቤ ነበረ።”
8ሽዑ ኣነ “እዙይስ ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ ደኣ እዩ እምበር፥ እቲ ዝበልካዮ ነገር ሓቂ ኣይኮነን” ኢለ ለኣኽኩሉ። 9ንሳቶም እቲ ስራሕ ደው ምእንቲ ኽብል፥ ኣእዳዎም ክደኽማ እየን ኢሎም ከፈራርሑና ይፍትኑ ነበሩ። ሕዚ እውን፥ ኦ ኣምላኽ፥ ኣእዳወይ ኣፅንዕ!
10ኣነ ኸዓ ናብ ቤት ሸማያ፥ ወዲ ድላያ ወዲ መሄጣብኤል ኣተኹ። ንሱ ድማ ኣብ ገዛኡ ተዓፅዩ ነበረ እሞ “ክቐትሉኻ ኽመፁ እዮም፤ እወ፥ ብለይቲ ኽቐትሉኻ ኽመፁ እዮም እሞ ነዓ ናብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽና ንእቶ፤ ነቲ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስውን ብውሽጢ ንዕፀዎ” በለኒ።
11ኣነ ኸዓ “ከማይ ዝበለ ሰብዶ ይሃድም? ከማይ ዝበለኸ ምእንቲ ህይወቱ ኸድሕን ኢሉ፥ ናብ ቤተ መቕደስ ክኣቱዶ ይግባእ? ኣነስ ኣይኣቱን” በልኩዎ። 12ጦብያን ሰንባላጥን ንሸማያ ብገንዘብ ሓቢሎምዎ ኸፈራርሐኒ ይንበየለይ ኣሎ እምበር፥ እግዚኣብሄር ከም ዘይለኣኾ ኣስተውዓልኩ። 13ስለዙይ ናብ ሓጢኣት ምእንቲ ኽወድቕ ከፈራርሐኒ፥ በዙይ ከዓ ስመይ ከካፍኡንን ከዋርዱንን ንሸማያ ብገንዘብ ደለልዎ።
14“ኦ ኣምላኸይ፥ ብዛዕባ እዝ ግብሮም ንጦብያን ንሰንባላጥን ንነቢዪት ናኣድያን ነቶም ዘፈራርሑኒ ኻልኦት ነቢያትን ዘክር።”
ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ከም ዝተፈፀመ
15እቲ መካበቢያ ብወርሒ ኤሉል ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ፥ ኣብ ውሽጢ ሓምሳን ክልተን መዓልቲ ተፈፀመ። 16ኵሎም እቶም ፀላእትና ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ኣብ ዙርያና ዝነበሩ ዅሎም ኣህዛብውን ምስ ረአዩ ፈርሑ፤ ብሓሳባቶም ድማ የመና ተዋረዱ፤ እዝ ስራሕ እዙይ ብሓገዝ ኣምላኽና ኸም ዝተፈፀመውን ፈለጡ።
17በተን መዓልቲታት እቲኣተን እቶም ዓበይቲ ይሁዳ ብዙሕ መልእኽትታት ናብ ጦብያ ሰደዱ፤ ጦብያውን ምላሽ ይሰደሎም ነበረ። 18ሴኬንያ ወዲ ኤራ ንጦብያ፥ ሓሙኡ ስለ ዝነበረ፤ ይሆሓናን ወዲ ጦብያ ኸዓ፥ ጓል ሜሱላም ወዲ በራክያ ኣእትዩ ነበረ እሞ፥ ካብ ሰብ ይሁዳ ብዙሓት ምስኡ ተመሓሒሎም ነበሩ። 19“ጦብያ ዝገበሮ ሰናይ ነገራት” እናበሉ ኣብ ቅድመይ ይንእድዎ ነበሩ፤ ዘረባይ ከዓ ይነግርዎ ነበሩ፤ ጦብያ ድማ ኸፈራርሐኒ ኢሉ፤ መልእኽትታት ይሰደለይ ነበረ።
Currently Selected:
ነህምያ 6: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in