ነህምያ 7
7
1ከምዙይ ድማ ኾነ እቲ ቕፅሪ ምስ ተነድቀ፥ መዓፁ ኣቖምኩሉ፤ ሓለውቲ ደገን ዘመርቲ ሌዋውያንን ድማ ኣብ ሰስራሖም ተመደቡ፤ 2ንሃናኒ ሓወይን ንሃናንያ እቲ ሓለቓ ዕርዲ ዝነበረን፥ ኣሕሉቕ ኢየሩሳሌም ገይረ ሸምኩዎም። ሃናንያ ኻብ ካልኦት ሰባት ዝበለፀ እሙንን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሰብ ነበረ። 3ኣነ ድማ ንኣኣቶም፦ “ንግሆ ፀሓይ ክሳዕ ዝመውቕ፥ ደገታት ኢየሩሳሌም ኣይከፈቱ፥ ምሸት ከዓ እቶም ሓለውቲ ቕድሚ ምኻዶም ይተዓፆን ይሸጐርን፤ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ድማ ነፍሲ ወከፍ በብተራኡ፥ ቀቅድሚት ቤቱ ይሓሉ” በልክዎም።
ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ሰባት
(እዝራ 2፡1-70)
4እታ ኸተማ ኸዓ ገፋሕን ዓባይን ነበረት። እቶም ኣብ ውሽጣ ዝነብሩ ህዝቢ ግና ውሑዳት ነበሩ። እቶም ኣባይቲ ድማ ገና ኣይተሰርሑን ነበሩ። 5ነቶም ህዝብን መራሕቶምን ሹመኛታትን ኣብ መፅሓፍ ወለዶ ምእንቲ ኽፀሓፉ፥ ክእክቦም ድማ ኣምላኸይ ንልበይ ኣለዓዓለ። ናይቶም ቅድም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ መፅሓፍ ወለዶኦም ረኸብክዎ። ኣብኡ ኸዓ ኸምዙይ ዝብል ፅሑፍ ረኸብኩ፦
6እቶም ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ማሪኽዎም ካብ ዝነበረ እሞ፥ ካብ ምርኮ ተመሊሶም ናብ ኢየሩሳሌምን ናብ ይሁዳን ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኣቶም ዝመፁ፥ ደቂ ሃገር እዚኣቶም እዮም፦ 7እቶም መራሕቶም ዘሩባቤል፥ ኢያሱ፥ ነህምያ፥ ኣዛርያስ፥ ረዓምያ፥ ነሓማኒ፥ መርዶክዮስ፥ በላሳን፥ ሚስጴሬት፥ በጉዋይ፥ ነሑም፥ በዓና ነበሩ። ብዝሒ ናይቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ህዝቢ እስራኤል እዙይ እዩ፦
8ደቂ ፋሮስ፥ ክልተ ሽሕን ሚእትን ሰብዓን ክልተን፤
9ደቂ ሰፋጥያስ፥ ሰለስተ ሚእትን ሰብዓን ክልተን፤
10ደቂ ኤራ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ክልተን፤
11ደቂ ፈሓት ሞኣብ ካብ ደቂ ኢያሱን ኢዮኣብን ዝኾኑ፥ ክልተ ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን ዓሰርተ ሸሞንተን፤
12ደቂ ዔላም፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን፤
13ደቂ ዛቱዕ፥ ሸሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን፤
14ደቂ ዘካይ፥ ሸውዓተ ሚእትን ስሳን፤
15ደቂ ቢንዊ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ሸሞንተን፤
16ደቂ ቤባይ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን፤
17ደቂ ዓዝጋድ፥ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ክልተን፤
18ደቂ ኣዶኒቃም፥ ሽዱሽተ ሚእትን ስሳን ሸውዓተን፤
19ደቂ በጉዋይ፥ ክልተ ሽሕን ስሳን ሸውዓተን፤
20ደቂ ዓዲን፥ ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ሓሙሽተን፤
21ደቂ ኣጤር፥ ካብ ዓሌት ሕዝቅያስ፥ ተስዓን ሸሞንተን፤
22ደቂ ሓሱም፥ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን፤
23ደቂ ቤሳይ፥ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ኣርባዕተን፤
24ደቂ ሓሪፍ፥ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን፤
25ደቂ ገባዖን፥ ተስዓን ሓሙሽተን፤
26ሰብ ቤተ ልሔምን ነጦፋን፥ ሚእትን ሰማንያን ሸሞንተን፤
27ሰብ ኣናቶት፥ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን፤
28ሰብ ቤትዓዝሞት፥ ኣርብዓን ክልተን፤
29ሰብ ቂርያትይዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን፥ ሸውዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሰለስተን፤
30ሰብ ራማን ጌባን፥ ሽዱሽተ ሚእትን ዕስራን ሓደን፤
31ሰብ ማክማስ፥ ሚእትን ዕስራን ክልተን፤
32ሰብ ቤቴልን ዓይን፥ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን፤
33ሰብ ካልአይ ናባውን፥ ሓምሳን ክልተን፤
34ደቂ ኻልአይ ዔላም፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን፤
35ደቂ ካሪም፥ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን፤
36ደቂ ኢያሪኮ፥ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን፤
37ደቂ ሎድን ሓዲድን ኦኖም፥ ሸውዓተ ሚእትን ዕስራን ሓደን፤
38ደቂ ሴናዓ፥ ሰለስተ ሽሕን ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን።
39ካህናት ድማ ካብ ወገን ኢያሱ፦
ደቂ ዮዳኤ ትሽዓተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን፤
40ደቂ ኢሜር፥ ሽሕን ሓምሳን ክልተን፤
41ደቂ ፋስኮር፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሸውዓተን፤
42ደቂ ካሪም ሽሕን ዓሰርተ ሸውዓተን።
43ካብ ሌዋውያን፥ ካብ ወገን ሆዳይዋ፥ ደቂ ኢያሱን፥ ደቂ ቀድምኤልን ሰብዓን ኣርባዕተን፤
44መዘምራን ድማ፥ ደቂ ኣሳፍ፥ ሚእትን ኣርብዓን ሸሞንተን፤
45ሓለውቲ ደገ፦ ደቂ ሰሎም፥ ደቂ ኣጤር፥ ደቂ ጤልሞን፥ ደቂ ዓቁብ፥ ደቂ ሓጢጣ፥ ደቂ ሶባይ፥ ሚእትን ሰላሳን ሸሞንተን።
46ናታኒም ደቂ ሲሓ፥ ደቂ ሓሱፋ፥ ደቂ ጣብዖት፥
47ደቂ ኬራስ፥ ደቂ ሲዓ፥ ደቂ ፋዶን፥
48ደቂ ልባና፥ ደቂ ኣጋባ፥ ደቂ ሰምላይ፥
49ደቂ ሓናን፥ ደቂ ጌዴል፥ ደቂ ጋሓር፥
50ደቂ ራያ፥ ደቂ ረኣሶን፥ ደቂ ኔቆዳ፥
51ደቂ ጋሴም፥ ደቂ ዖዛ፥ ደቂ ፋሴሓ፥
52ደቂ ቤሳይ፥ ደቂ ምዑናም፥ ደቂ ንፉሳሲም፥
53ደቂ በቅቡቅ፥ ደቂ ሓቀፉ፥ ደቂ ሓርሑር፥
54ደቂ በስሎት፥ ደቂ ምሒዳ፥ ደቂ ሓርሻ፥
55ደቂ በርቆስ፥ ደቂ ሲሳራ፥ ደቂ ቴማ፥
56ደቂ ንስያ፥ ደቂ ሓጢፋ።
57ደቂ ሓሻኽር ሰሎሞን፥ ደቂ ሶጣይ፥ ደቂ ሶፌሬት፥ ደቂ ፍሩዳ፥
58ደቂ የዕላ፥ ደቂ ደርቆን፥ ደቂ ጌዴል፥
59ደቂ ሰፋጥያስ፥ ደቂ ሓጢል፥ ደቂ ፊከራት ሓፂቦይም፥ ደቂ ኣሞን፥
60ኵሎም ናታኒምን ደቂ ሓሻኽር ሰሎሞንን ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ክልተን ነበሩ።
61-62ደቂ ዳላያ፥ ደቂ ጦብያ፥ ደቂ ኔቆዳ፥ ካብተን ቴልሜላ፥ ቴላሬሳ፥ ክሩብ ኣዶን፥ ካብ ኢሜር ዝወፁ እዚኣቶም እዮም፤ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን ሰባት ነበሩ። ግና ኻብ ህዝቢ እስራኤል ምዃኖም ከረድኡን ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዘርኦምን ክነግሩ ኣይከኣሉን።
63ካብ ካህናት ከዓ ደቂ ኤብያ፥ ደቂ ኣቆስ፥ ደቂ ቤርዜሊ። (እዙይ ንደቂ ቤርዜሊ ዝወለደ፥ ካብ ዓሌት ቤርዜሊ ናይ ገለዓድ ሰበይቲ ኣእትዩ ብሽም ሓሙኡ ዝተፀውዐ እዩ።) 64እዚኣቶም ፅሑፍ ወለዶኦም ደልዮም ስለ ዘይረኸብዎ፥ ብኽህነት ከየገልግሉ ድማ ተኸልከሉ። 65ሓቴርሰታም ድማ፥ ብኡሪምን ብቱሚምን ዘገልግል ካህን ክሳዕ ዝርከብ ካብቲ ዝተቐደሰ ሕብስቲ ቝርባን ከይበልዑ ኸልከሎም። #ዘፀ. 28፡30፥ ዘዳ. 33፡8።
66ኵሉ እቲ ኻብ ምርኮ ዝተመለሰ ህዝቢ ኣርብዓን ክልተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ነበረ። 67ንሳቶም ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ሓሻኽርን ኣግራድን ነበርዎም። ዝዝምሩ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ነበርዎም። 68ንሳቶም ሸውዓተ ሚእትን ሰላሳን ሽዱሽተን ኣፍራስ፥ ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ኣባቕል፥ 69ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን ኣግማል፥ ሽዱሽተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ዕስራን ኣእዱግ ነበርዎም።
70ካብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት፥ ብዙሓት ሰባት ነቲ ስራሕ ዝኸውን ውህብቶ ሃቡ። ሓቴርሰታ ሸሞንተ ኺሎ ግራም ወርቅን ሓምሳ ፅዋዓትን ሓሙሽተ ሚእትን ሰላሳን ቅያር ክዳን ካህናትን ሃበ። 71ሓድሓደ ካብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ድማ ሚእትን ስሳን ሸሞንተን ኪሎ ግራም ወርቅን ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኪሎ ግራም ብሩርን ሃቡ። 72እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ኸዓ ሚእትን ስሳን ሸሞንተን ኪሎ ግራም ወርቅን ሽሕን ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩርን ስሳን ሸውዓተን ቅያር ክዳን ካህናትን ወፈዩ።
73 #
1 ዜና. 9፡2፥ ነህ. 11፡3። ኵላቶም ካህናት እስራኤል፥ ሌዋውያን፥ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ፥ መዘምራን፥ እቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሰርሑን፥ ናቲኒምን ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ። ብሻውዐይቲ ወርሒ ደቂ እስራኤል ኣብ ከከተማኣቶም ተቐመጡ።
Currently Selected:
ነህምያ 7: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in