ነህምያ 5
5
ኣብ ልዕሊ ድኻታት ዝወረደ ግፍዒ
1ብዙሓት ካብቶም ህዝቢ፥ ሰብኡትን ኣንስትን፥ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ኣይሁድ ብርቱዕ ጥርዓን ኣስምዑ። 2ገሊኣቶም “ንሕናን ደቅናን ብዙሓት ኢና፤ ስለዙይ ክንበልዕ እሞ ብህይወት ክንነብርስ እኽሊ ኽንሽምት” ዝብሉ ነበሩ። 3ገሊኣቶም ድማ “ስለ ዝጠመና እኽሊ ኽንሽምት ገራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣባይትናን ኣትሒዝና ኣለና” ይብሉ ነበሩ።
4ገሊኣቶም ከዓ “ገራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣትሒዝና፥ ንንጉስ ግብሪ ኽንከፍል ገንዘብ ተለቂሕና ኢና። 5ሕዚ ድማ ስጋና ከም ስጋ ኣሕዋትና፥ ደቅና ኸዓ ኸም ደቆም ሓደ እናሃለዉ፥ ኣወዳትናን ኣጓላትናን ንባርነት ኣሕሊፍና ንህብ ኣለና። ካብተን ኣጓላትና ድማ ድሮ ባሮት ኮይነን ኣለዋ። ገራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣብ ኢድ ኻልኦት ሓሊፉ ስለ ዘሎ፥ ክነድሕኖም ኣይንኽእልን” ይብሉ ነበሩ።
6ኣነ ኸዓ ኣውያቶምን ነዝ ቃል እዙይን ምስ ሰማዕኹ፥ የመና ተቘጣዕኹ። 7#ዘፀ. 22፡25፥ ዘሌ. 25፡35-37፥ ዘዳ. 23፡19-20። ብልበይውን ሓሰብኩ፤ ነቶም ዓበይትን ኣሕሉቕን ከዓ “ካብ ኣሕዋትኩም ሃረፃ ትበልዑ ኣለኹም” ኢለ ዘለፍክዎም፤ ብዛዕባ እዙይውን ዓብዪ ኣኼባ ኣከብኩዎም፤ 8ከምዙይ ድማ በልክዎም፦ “ንሕናስ ነቶም ናብ ኣህዛብ ተሸይጦም ዝነበሩ ኣሕዋትና ኣይሁድ ኸም ዓቕምና ተቤዘውናዮም። ንስኻትኩምከ ነሕዋትኩምዶ ኽትሸጡ ኢኹም? ንሳቶምከ ነኣና ዝተሸጡዶ ክኾኑ እዮም?” በልኩዎም፤ ንሳቶምውን ስቕ በሉ፤ መልሲውን ኣይረኸቡን።
9መሊሰ ድማ “እዝ እትገብርዎ ዘለኹም ነገር ፅቡቕ ኣይኮነን። እቶም ፀላእትና ኣህዛብ ምእንቲ ኸይፀርፉና፥ ንኣምላኽና ብምፍራሕ ክትከዱ ኸመይ ዘይግብአኩም? 10ኣነን ኣሕዋተይን ሓሻኽረይን ድማ ገንዘብን እኽልን ንኣኣቶም ብሃረፃ ኣለቂሕናዮም ኣለና፤ ግና፥ በይዛኻትኩም፥ እዝ ሃረፃ እዙይ ንሕደገሎም። 11ገራሁኦምን ኣታኽልቲ ወይኖምን ኣዋልዶምን ኣባይቶምን ምለሱሎም፤ ናይቲ እቲ ንስኻትኩም ካብኣቶም ብሃረፃ ዝወሰድኩምዎ ገንዘብን እኽልን ወይንን ዘይትን ከዓ፥ ካብ ሚእቲ ኢድ፥ ሓደ ኢድ በይዛኻትኩም ሎሚ ምለሱሎም” በልክዎም።
12ንሳቶም ድማ “ከምቲ ንስኻ ዝበልካና ንገብር፤ እቲ ዝወሰድናዮ ንመልስ፤ ካብኣቶም ድማ ዝኾነ እኳ ኣይንጥይቕን” በሉ። ሽዑ ነቶም ካህናት ፀዊዐ ኸምቲ ዝበልዎ ኽገብሩ ኣምሓልክዎም። 13ኣነ ድማ ኽዳነይ ነገፍኩሞ “ኵሉ ነዝ ማሕላ እዙይ ዘይፍፅም ሰብ፥ ኣምላኽ ካብ ቤቱን ካብ ገንዘቡን ከምዙይ ይንገፎ፤ እወ፥ ንጉፍን ጥራሑን ይኹን” በልኩ። ኵሎም እቶም ኣብኡ ዝተአከቡ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” በሉ፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣመስገኑ፤ እቶም ህዝቢ እውን ከምቲ ዝተብሃለ ገበሩ።
ሓልዮት ነህምያ
14ካብታ ኣብ ሃገር ይሁዳ ሓለቓኣቶም ክኸውን ዝተኣዘዝኩላ መዓልቲ፥ ንንጉስ ኣርጤክስስ ካብ መበል ዕስራ ዓመቱ ኽሳዕ መበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ፥ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት፥ ዝኣክል ኣነን ኣሕዋተይን እቲ ንሓለቓ ዝግባእ ምግቢ ኣይበላዕናን። 15እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ግና ነቲ ህዝቢ የኽብዱሉ ነበሩ። ካብኣቶም እንጀራን ወይንን ኣርብዓ ቕርሺ ብሩርን ይወስዱ ነበሩ። እቶም ሓሻኽሮም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ሰልጢኖም ነበሩ። ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር እፈርሕ ስለ ዝነበርኩ ከምኡ ኣይገበርኩን። 16መሊሰውን ብምሉእ ሓይለይ ነቲ ቕፅሪ አዕሪ ነበርኩ። ግራትውን ኣይዓደግናን፤ ኵሎም እቶም ሓሻኽረይ ድማ ኣብኡ ኣብቲ ስራሕ ተኣኪቦም ነበሩ።
17ብዘይ እቶም ካብቲ ኸባቢና ዝመፁ ኣህዛብ፥ ካብ ኣይሁድን ኣሕሉቕን፥ ሚእትን ሓምሳን ሰብ ኣብ ማእደይ ይምገቡ ነበሩ። 18ንሓንቲ መዓልቲ ዝዳሎ ድማ ሓደ ብዕራይን ሽዱሽተ ስቡሓት ኣባጊዕን ካብ ኣዕዋፍን ይዳለወለይ ነበረ። በብዓሰርተ መዓልቲ ድማ በብዓይነቱ ዝተፈላለየ ወይኒ ይዳለወለይ ነበረ። በዝ ዅሉ ግና፥ ነቲ ህዝቢ ኸቢድዎ ነበረ እሞ እቲ ንሽመተይ ዝግብአኒ ምግቢ እኳ ሃቡኒ ኣይበልኩን።
19ኦ ኣምላኸይ፥ ኵሉ ነዝ ህዝቢ እዙይ ዝገበርክዎ፥ ንፅቡቕ ሕሰበለይ።
Currently Selected:
ነህምያ 5: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in