YouVersion Logo
Search Icon

ነህምያ 1

1
ነህምያ ዘቕረቦ ፀሎት
1ነህምያ ወዲ ሓካልያ ዝተዛረቦ ቓል እዙይ እዩ፦
ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ፥ ኣብ ወርሒ ካሴሉ ኣነ ነህምያ ኣብ ቅፅሪ ሱሳን ነበርኩ። 2ካብ ኣሕዋተይ ሓደ ሓናኒን ካልኦት ሰባትን ካብ ይሁዳ መፁ። ኣነ ድማ ብዛዕባ እቶም ካብ ምርኮ ዘምለጡን፥ ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ኣይሁድን፥ ብዛዕባ ኢየሩሳሌምን ጠየቕክዎም።
3ንሳቶም ድማ “እቶም ካብ ምርኮ ዝደሓኑን እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱን፥ ኣብ ሃገሮም ብብዙሕ መከራን ፀርፍን እዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ከዓ ፈሪሱ እዩ፤ ኣፍ ደገታታውን ብሓዊ ተቓፂሉ እዩ” ኢሎም ነገሩኒ።
4እዝ ዘረባ እዙይ ምስ ሰማዕኹ፥ ብዙሕ መዓልቲ ተቐሚጠ በኸኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እፀውምን እፅልን ነበርኩ። 5ከምዙይ ድማ በልኩ፦
“ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ! ዓቢይን እትፍራሕን ኣምላኽ፥ ነቶም ዝፈትዉኻን ትእዛዛትካ ንዝሕልዉን ቃል ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ 6እዝ ኣነ ባርያኻ ሎሚ ብዛዕባ ባሮትካ ደቂ እስራኤል ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሜኻ ዝፅልዮ ዘለኹ ፀሎት ብእዝንኻ ፅን ኢልካ ስምዐኒ፤ ኣዒንትኻ ይከፈታ፤ እቲ ኣብ ልዕሌኻ ዝገበርናዮ ሓጢኣት ደቂ እስራኤልውን እናዘዘልካ ኣለኹ፤ ኣነን ቤት ኣቦይንውን በዲልና ኢና። 7ንሕና የመና በዲልናካ ኢና፤ ነቲ ብሙሴ ባርያኻ ጌርካ ዝኣዘዝካዮ ትእዛዛትን ሕግጋትን ስርዓታትን ድማ ኣይሓለናዮን።
8 # ዘሌ. 26፡33። “ሕዚ ኸዓ ነቲ ንሙሴ ባርያኻ ዝበልካዮ ዘክር፦ ‘እንተ በደልኩምኒ ኣነ ናብ ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም እየ። 9#ዘዳ. 30፡1-5። ናባይ እንተ ተመሊስኩምን ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹምን እንተ ገበርኩምዎን ግና፥ እቶም ካባኻትኩም ፋሕ ዝበሉ፥ ክሳዕ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ ተበተኑ፥ ካብኡ ኽእክቦም እየ፤ ናብታ ስመይ ኣብኣ ኽነብር ዝሓረኽዋ ስፍራ ድማ ኸምፅኦም እየ።’
10“ንሳቶም ብዓብዪ ሓይልኻን ብብርቱዕ ቅልፅምካን ዝተቤዘኻዮም ባሮትካን ህዝብኻን እዮም። 11ኦ ጐይታ፥ እዝንኻ፥ ፀሎት ባርያኻን ፀሎት እቶም ስምካ ኽፈርሑ ዝፈትዉ ባሮትካን ይስማዕ። በይዛኻ፥ ሕዚ እውን ንኣይ ንባርያኻ ኣቕንዐለይ፤ ኣብ ቅድሚ እዝ ሰብ እዙይ ከዓ ምሕረት ሃበኒ።” ኣነ ድማ ናይ ንጉስ ኣሰላፊ ወይኒ ነበርኩ።

Currently Selected:

ነህምያ 1: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in