ነህምያ መእተዊ
መእተዊ
መፅሓፈ ነህምያ ኣብ ኣርባዕተ ይኽፈል፦
1. ነህምያ፥ ብንጉስ ፋርስ ንይሁዳ ኸመሓድር ተመሪፁ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝተመለሰ።
2. ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ከም ብሓድሽ ከም ዝተነድቀ።
3. እዝራ ሕጊ እግዚኣብሄር ከም ዘንበበ፥ እቶም ህዝቢ ኸዓ ኸም ዝተነስሁ።
4. እዝራ ናይ ይሁዳ መመሓደሪ ኾይኑ ዝገበሮ ዝተፈላለየ ስራሕ።
ኣብ መፅሓፈ ነህምያ ተገሊፁ ዝረአ ቐንዲ ነገር ከዓ፥ ነህምያ ኣብ እግዚኣብሄር ዝነበሮ ፅኑዕ እምነትን ዘዘውትሮ ዝነበረ ፀሎታትን እዩ።
ትሕዝቶ
1. ነህምያ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝተመለሰ 1፡1-2፡10
2. ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ከም ብሓድሽ ከም ዝተነድቀ 2፡11-4፡23
3. ነህምያ ብዛዕባ ድኻታት ዝገበሮ 5፡1-19
4. ሻራ ተፃረርቲ እናሃለወ፥ ቅፅሪ ተሃኒፁ ኸም ዝተወድአ 6፡1-7፡3
5. ካብ ምርኮ ተመለስቲ 7፡4-73
6. እዝራ ሕጊ እግዚኣብሄር ንህዝቢ ኸም ዘንበበን ናይ ዳስ በዓል ኣከባብራን 8፡1-18
7. ህዝቢ ኻብ ሓጢኣቱ ኸም ዝተነስሀ 9፡1-38
8. ሕጊ እግዚኣብሄር ንምፍፃም ከም ዝተወሰነ 10፡1-39
9. ኣብ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝሰፈሩ ሰባት 11፡1-36
10. ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ኻህናትን ሌዋውያንን 12፡1-26
11. ነህምያ ንቕፅሪ ኸተማ ኸም ዘመረቖ 12፡27-47
12. ነህምያ ዝገበሮ ተሓድሶ 13፡1-31
Currently Selected:
ነህምያ መእተዊ: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in