YouVersion Logo
Search Icon

ነህምያ 2

2
ነህምያ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝተመለሰ
1ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ፥ ብወርሒ ኒሳን፥ ካብቲ ተቐሪቡ ዝነበረ ወይኒ ወሲደ ንንጉስ ሃብክዎ። ቅድም ኣብ ቅድሚኡ ብዘይ ሓዘን እነብር ነበርኩ። 2እቲ ንጉስ ከዓ “ዘይሓመምካ እንተለኻ፥ ገፅካ ዝሓዘነስ እንታይ ኴንካ ኢኻ? እዙይስ ሓዘን ልቢ ደኣ እዩ እምበር ካልእ ኣይኮነን” በለኒ።
ሽዑ የመና ፈራሕኩ፤ 3#2 ነገ. 25፡8-10፥ 2 ዜና. 36፡19፥ ኤር. 52፡12-14። መሊሰ ኸዓ “ንጉስ ንዘለኣለም ንበር፤ መቓብር ኣቦታተይ ዘለዋ ኸተማ፥ ፈሪሳ፥ ኣፍ ደገታታውን ብሓዊ ተቓፂለን ደኣ፥ ገፀይ ከመይ ዘይሓዝን?” በልክዎ።
4እቲ ንጉስ ድማ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” ኢሉ ጠየቐኒ። ሽዑ ኣነ ናብ ኣምላኽ ሰማይ ፀለኹ። 5መሊሰ ድማ “ንጉስ ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካ፥ ኣነ ሓሽከርካ ኸዓ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ደኣ ሞገስ ረኺበ፥ ነታ መቓብር ኣቦታተይ ዘለዋ ኸተማ ኸም ብሓድሽ ክሰርሓ ናብ ይሁዳ ስደደኒ” በልክዎ።
6እታ ንግስቲ ኣብ ጥቓኡ ኾፍ ኢላ እንተላ፥ እቲ ንጉስ ድማ፥ “ናብኡ ኽትከይድ ክንደይ ጊዜ የድልየካ? መኣዝከ ትምለስ?” ኢሉ ጠየቐኒ። ኣነ ኸዓ ነቲ ንጉስ ዘመኑ ቘፂረ ነገርክዎ። እቲ ንጉስውን ተሓጒሱ ኽሰደኒ ደለየ።
7መሊሰ ድማ “ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካስ፥ እቶም ኣብ ምዕራብ ፈለግ ኤፍራጥስ ዘለዉ መሳፍንቲ፥ ክሳዕ ምድሪ ይሁዳ ዝበፅሕ ምእንቲ ኸሕልፉኒ፥ ትእዛዝካ ብፅሑፍ ይወሃበኒ” በልክዎ። 8ከምኡ እውን “ንደገታት ቤተ መቕደስን ንቕፅሪ እታ ኸተማን ነታ ኣነ ዝኣትዋ ቤትን መስርሒ ዝኸውን ዕንፀይቲ ኽህበኒ፥ ንኣሳፍ ሓላዊ ዱር ንጉስ ዝወሃብ መልእኽቲ ፀሓፈለይ” በልክዎ። እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኸይ ምሳይ ስለ ዝነበረት ድማ ዝጠየቕኩዎ ሃበኒ። 9እቲ ንጉስ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ፈረሰኛታትን ምሳይ ሰዲዱ ነበረ። ናብ ምዕራብ ፈለግ ኤፍራጥስ ምስ በፃሕኹ ድማ እቲ ናይ ንጉስ መልእኽትታት ነቶም መሳፍንቲ ሃብክዎም።
10ሰንባላጥ በዓል ሖሮንን ጦብያ በዓል ኣሞንን ንደቂ እስራኤል ፅቡቕ ዝሓስበሎም ሰብ ከም ዝመፀ ምስ ሰምዑ የመና ጐሃዩ።
11ናብ ኢየሩሳሌም ከዓ ኸድኩ፤ ኣብኣ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ምስ ተቐመጥኩ፥ 12ብለይቲ ተሳእኹ፤ ምሳይ ድማ ውሑዳት ሰባት ነበሩ። እቲ ኣነ ንኢየሩሳሌም ክገብረላ፥ ኣምላኸይ ኣብ ልበይ ዝሃበኒ ኸዓ ንሓደ ሰብ እኳ ኣይነገርኩን። እንትርፊ እታ ኣነ ተቐሚጠያ ዝነበርኩ እንስሳ ኻልኦት እንስሳ ምሳይ ኣይነበራን።
13ብለይቲ ድማ በታ ናይ ሽንጥሮ ደገ ወፃእኹ፤ ኣብ መንፅር ዒላ ገበልን ኣብ ደገ መጕሓፍን ኣቢለ ኸዓ፥ እቲ ዝፈረሰ ቕፅሪ ኢየሩሳሌምን እቲ ብሓዊ ዝተቓፀለ ደገታታን ረአኹ። 14ናብታ ደገ ዔላን ናብቲ ሓፅቢ ንጉስን ድማ ሓለፍኩ። እታ ተቐሚጠያ ዝነበርኩ እንስሳ እትሓልፈሉ ቦታ ግና ኣይነበረን። 15ሽዑ በታ ለይቲ እቲኣ በቲ ሩባ ሩባ እናደየብኩ ነቲ ቕፅሪ እሪኦ ነበርኩ። ድሕሪዙይ ዘወር ኢለ በታ ናይ ሽንጥሮ ደገ ኣትየ ተመለስኩ። 16እቶም ናይታ ኸተማ ኣሕሉቕ ግና ኣነ ናበይ ከም ዝኸድኩን እንታይ ከም ዝገበርኩን ኣይፈለጡን ነበሩ። ክሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንኣይሁድ፥ ንኻህናት ወይ ንዓበይቲ ወይ ንሹመኛታት ወይ ነቶም ካልኦት ስራሕ ክሰርሑ ዘለዎም ፈፂመ ኣይነገርኩን።
17ሽዑ ኣነ፥ “ንሕና ኣብ ከመይ ዝበለ መከራ ኸም ዘለና፥ ኢየሩሳሌምውን ባዲማ፥ ደገታታ ኸዓ ብሓዊ ኸም ዝተቓፀለ ንስኻትኩም ትሪኡ ኣለኹም፤ እምበኣርከስ ንዝመፅእ ጊዜ መሳለቒ ኸይንኸውን፥ ንዑናይ፥ ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ንስራሕ” በልክዎም። 18ኢድ ኣምላኸይ ኣብ ልዕለይ ከም ዝኾነን ከም ዝሓገዘንን እቲ ንጉስ ዝነገረኒ ዘረባን ነገርክዎም። ንሳቶም ድማ “ንለዓል እሞ ንስራሕ” በሉ። ነእዳዎምውን ነቲ ፅቡቕ ስራሕ ኣፅንዕወን።
19ሰንባላጥ በዓል ሖሮንን ጦብያ በዓል ኣሞንን ጌሳም እቲ ዓረባውን ምስ ሰምዑ፥ ኣላገፁልናን ብንዕቐት ሰሓቑናን። ብምቅላል ድማ፦ “እዝ ንስኻትኩም እትገብርዎ ዘለኹም ነገር እንታይ እዩ? ኻብ ንጉስዶ ኽትዕምፁ ትደልዩ ኣለኹም?” በሉና።
20ሽዑ ኣነ ኸምዙይ ኢለ መለስኩሎም፦ “ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዐልና እዩ እሞ፥ ንሕና ባሮቱ ተሲእና ኽንሰርሕ ኢና። ንስኻትኩም ግና ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ክፍልን መሰልን መዘከርታን የብልኩምን” በልክዎም።

Currently Selected:

ነህምያ 2: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in