ንሕና የመና በዲልናካ ኢና፤ ነቲ ብሙሴ ባርያኻ ጌርካ ዝኣዘዝካዮ ትእዛዛትን ሕግጋትን ስርዓታትን ድማ ኣይሓለናዮን።
“ሕዚ ኸዓ ነቲ ንሙሴ ባርያኻ ዝበልካዮ ዘክር፦ ‘እንተ በደልኩምኒ ኣነ ናብ ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም እየ። ናባይ እንተ ተመሊስኩምን ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹምን እንተ ገበርኩምዎን ግና፥ እቶም ካባኻትኩም ፋሕ ዝበሉ፥ ክሳዕ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ ተበተኑ፥ ካብኡ ኽእክቦም እየ፤ ናብታ ስመይ ኣብኣ ኽነብር ዝሓረኽዋ ስፍራ ድማ ኸምፅኦም እየ።’