ኤርሚያስ 28
28
ኤርሚያስን ሓሳዊ ነቢይ ሃናንያን
1በታ ዓመት እቲኣ ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ ናይታ ራብዐይቲ ዓመት፥ ሃናንያ፥ ወዲ ነቢይ ዓዙር በዓል ገባዖን፥ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን ኵሉ ህዝብን ከምዙይ ኢሉ ተዛረበኒ፦ 2“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ነርዑት ንጉስ ባቢሎን ሰቢረዮ እየ። 3ንዅሉ እቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ዝወሰዶ ኣቑሑ፥ ኣብዘን ክልተ ዓመታት ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽመልሶ እየ። 4ነርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየሞ፥ ንኢኮንያን ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳን ንዅላቶም ናብ ባቢሎን ዝተወሰዱ ምሩኻት ይሁዳን ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ”
5ሽዑ ነቢይ ኤርሚያስ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ቆይሙ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን፥ ንነቢይ ሃናንያ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ 6ነቢይ ኤርሚያስ ድማ በለ፦ “ኣሜን፤ እግዚኣብሄር ከምኡ ይግበሮ። እቲ ኣቑሑ ቤተ መቕደስን ኵላቶም ምሩኻትን፥ ካብ ባቢሎን ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽምለሱስ፥ ነቲ ዝተነበኻዮ ቓል፥ እግዚኣብሄር ይፈፅሞ። 7ግና ነቲ ኣብ ቅድሜኻን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እዝ ህዝቢ እዙይን ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል ስማዕ፦ 8እቶም ቅድመይን ቅድሜኻን ካብ ጥንቲ ዝተስኡ ነቢያት፥ ኣብ ብዙሓት ሃገራትን ኣብ ዓበይቲ መንግስታትን ውግእን መዓትን መቕሰፍትን ከም ዝመፅእ ተነበዩ። 9እቲ ሰላም ዝንበ ነቢይ፥ እግዚኣብሄር ከም ዝለኣኾ ዝፍለጥ ግና፥ ቃል ትንቢቱ ምስ ተፈፀመ ጥራሕ እዩ።” 10ሽዑ ነቢይ ሃናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነቢይ ኤርሚያስ ወሲዱ ሰበሮ። 11ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ህዝቢ “እግዚኣብሄር ‘ከምዙይ ገይረ ነርዑት ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ካብ ክሳድ ኵላቶም ህዝብታት ኣብ ውሽጢ እዘን ክልተ ዓመት እዚኣተን ከምዙይ ክሰብሮ እየ’ ይብል ኣሎ” ኢሉ ተዛረበ። ነቢይ ኤርሚያስ ድማ መንገዱ ኸደ።
12ነቢይ ሃናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነቢይ ኤርሚያስ ወሲዱ ምስ ሰባበሮ፥ ድሕሪ ቑሩብ እዋን ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦ 13“ናብ ሃናንያ ኺድ እሞ ‘ንስኻ ኣርዑት ዕንፀይቲ ሰበርካ፤ ክንድኡ ግና ኣርዑት ሓፂን ክሰርሕ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 14ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ምእንቲ ኽግዝኡ፥ ኣብ እንስሳ በረኻ እኳ ስልጣን ሂበዮ ኣለኹ፤ ኣርዑት ሓፂን ኣብ ክሳድ ኵሎም ህዝብታት ኣእትየ ኣለኹ። ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።
15ሽዑ ነቢይ ኤርሚያስ ንነቢይ ሃናንያ “ኦ ሃናንያ፥ ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣይለኣኸካን፤ ንስኻ ግና እዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ ሓሰት ክእመን ጌርካ ኢኻ። 16ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸርሕቐካ እየ፤ ኣብ ልዕለይ ክሕደት ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፥ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኽትመውት ኢኻ’ ይብለካ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ።
17ነቢይ ሃናንያ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ናይታ ዓመት እቲኣ ሞተ።
Currently Selected:
ኤርሚያስ 28: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in