ኤርሚያስ 27
27
ኤርሚያስ ዝፆሮ ኣርዑት
1 #
2 ነገ. 24፡18-20፥ 2 ዜና. 36፡11-13። ኣብ መጀመርታ መንግስቲ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦ 2“ኣርዑትን መእሰርን ግበር እሞ ኣብ ክሳድካ ኣእትዎ። 3በቶም ንንጉስ ሴዴቅያስ ክበፅሑ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ ልኡኻቶም ጌርካ ኸዓ፥ ናብ ንጉስ ኤዶምያስን ናብ ንጉስ ሞኣብን ናብ ንጉስ ደቂ ኣሞንን ናብ ንጉስ ጢሮስን ናብ ንጉስ ሲዶናን መልእኽቲ ለኣኽ። 4ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፥ ኢሎም ንጐይተቶም ክነግርዎም ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፤ ንጐይተትኩም ከምዙይ በልዎም፦ 5ንምድርን ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ሰባትን እንስሳን ብዓብዪ ሓይለይን ብዝተዘርግሐት ቅልፅመይን ዝፈጠርኩ፥ ኣነ እየ። ቅኑዕ ኮይኑ ንዝተርኣየኒ ድማ እህባ። 6ንዅለን እዘን ሃገራት እዚኣተን ንባርያይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ሂበየን ኣለኹ፤ እንስሳ በረኻ እውን ከም ዝግዝእዎ ሂበዮ ኣለኹ። 7ኵሎም ህዝብታት ከዓ ንእኡን ንወዱን ንወዲ ወዱን ክግዝእዎም እዮም። እዙይ ድማ ሃገሩ እትወድቀሉ ጊዜ ኽሳዕ ዝበፅሕ እዩ። ሽዑ ሓያላት ህዝብታትን ዓበይቲ ነገስታትን ንእኡ ኸግዝእዎ እዮም።
8“እቲ ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዘይግዛእ ክሳዱውን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባቢሎን ዘይገብር ህዝብን መንግስትን፥ ብኢዱ ኽሳዕ ዘጥፍኦ ብሰይፍን ብመቕሰፍትን ክቐፅዖ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 9ንስኻትኩም ነቶም ንንጉስ ባቢሎን ኣይትግዝእዎን ኢኹም፤ ዝብሉኹም ነቢያትኩምን ጠንቈልትኹምን፥ ሕልሚ ዝሓልሙልኩምን፥ መናፍስቲ ዝጥይቑልኩምን፥ ሰብ ኣስማትኩምን ኣይትስምዕዎም። 10ንሳቶም ምእንቲ ኣነ ኽሰጐኩምን ከጥፍአኩምን፥ ካብ ሃገርኩም ከርሕቑኹምን ኢሎም እዮም ሓሰት ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ። 11ንስልጣን ንጉስ ባቢሎን ዝእዘዝን፥ ክሳዱ ትሕት ኣቢሉ ዝግዛእን ህዝቢ ግና፥ ኣብ ሃገሩ ኽሓድጎ እየ፤ ንሱ ኽሓርሳን ኣብኣ ኽነብርን እዩ።”
12ኣነ ድማ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ልክዕ ከምዘን ቃላት እዚኣተን ገይረ ነገርክዎ፤ “ክሳውድኹም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ስልጣን ንጉስ ባቢሎን ትሕት ኣብሉ፤ ንእኡን ንህዝቡን ከዓ ተገዝኡ እሞ፥ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም። 13ስለ ምንታይ ኢኹም፤ ንስኻን ህዝብኻን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ንንጉስ ባቢሎን ንዘይግዛእ ህዝቢ ዘጠንቀቖ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን እትሞቱ? 14እቶም ‘ንንጉስ ባቢሎን ኣይትግዝኡን ኢኹም’ ዝብሉኹም ነቢያት፥ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ፥ ኣይትስምዕዎም። 15ኣነ ምእንቲ ኽሰጐኩም፥ ንስኻትኩምን እቶም ዝንበዩልኩም ነቢያትን ድማ ኽትጠፍኡስ፥ ብስመይ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፥ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን” ኢለ ነገርክዎ።
16ኣነ ንኻህናትን ንዅሉ ህዝብን “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ እቲ ኣቑሑ ቤተ መቕደስ፥ ሕዚ ብቕልጡፍ ካብ ባቢሎን ክምለስ እዩ፥ ኢሎም ዝንበዩልኩም ዘለዉ ነቢያትኩም፥ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ ኣይትስምዕዎም። 17ስለዙይ ኣይትስምዕዎም፤ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ንንጉስ ባቢሎን ደኣ ተገዝኡ። ስለ ምንታይከ እዛ ኸተማ እዚኣ እትዓኑ? 18ሓቀኛታት ነቢያት እንተ ደኣ ኾይኖም፥ ቃል እግዚኣብሄርውን ብርግፅ እንተ ሃልዩዎምስ፥ እዝ ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ ቤተ መንግስቲ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቑሑ ናብ ባቢሎን ከይውሰድ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ይለምኑ” ኢለ ነገርክዎም። 19-20ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያን፥ ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳን፥ ንዅሎም ኣሕሉቕ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ባቢሎን ማሪኹ ኽወስዶም እንተሎ፥ ኣዕማድን ብነሃስ ዝተሰርሐ መዕቘሪ ማይን ወናብርን ዝተፈላለየ ኣቑሑ ቤተ መቅደስን ሓዲጉ ነበረ።
21“እምበኣርከስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ መቅደስን፥ ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቑሑ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ 22ናብ ባቢሎን ክውሰድ፥ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮ ኸዓ ኣብኡ ኽፀንሕ እዩ። ብድሕሪኡ ኸውፅኦን ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሶን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
Currently Selected:
ኤርሚያስ 27: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in