YouVersion Logo
Search Icon

ኤርሚያስ 29

29
ነቢይ ኤርሚያስ ኣብ ባቢሎን ንዘለዉ ኣይሁድ ዝፀሓፋ መልእኽቲ
1ነቢይ ኤርሚያስ ነቶም ብህይወት ዝነብሩ ሽማግለታትን፥ ነቶም ካህናትን ነቢያትን፥ ንዅሎም ነቶም ናቡከደነፆር ካብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ዝወሰዶም ህዝቢ፥ ዝለኣኸሎም ቃል መልእኽቲ እዙይ እዩ። 2#2 ነገ. 24፡12-16፥ 2 ዜና. 36፡10። እዙይ ዝኾነ፥ ኢኮንያንን እኖኡ ንግስትን ናይ መንግስቲ ሰብ ስልጣንን ኣሕሉቕ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ሃነፅትን ሰራሕቲ ሓፂንን ካብ ኢየሩሳሌም ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ምስ ከዱ እዩ። 3ነታ መልእኽቲ ብኢድ እቶም ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ባቢሎን ናብ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝለኣኾም ኤልዓሳ ወዲ ሳፋንን ገማርያ ወዲ ኬልቅያስን ለኣኻ፤ እታ መልእኽቲውን ከምዙይ እትብል ነበረት፦
4“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንዅሎም ካብ ኢየሩሳሌም ዘማረኾም ምሩኻት ከምዙይ ይብል፦ 5‘ቤት ሰሪሕኹም ተቐመጡ፤ ኣታኽልቲ ተኺልኩም ፍረኡ ብልዑ። 6ኣንስቲ ኣእቲኹም፥ ኣወዳትን ኣጓላትን ውለዱ፤ ነወዳትኩምን ነጓላትኩምን ከዓ ኣመረዓዕውዎም፤ ንሳቶምውን ኣወዳትን ኣጓላትን ይውለዱ። ቍፅርኹም ኣብቲ ዘለኹምዎ ምድሪ ይብዛሕ እምበር፥ ኣይውሓድ። 7ንኣኣ ሰናይ እንተ ኾነላ፥ ንኣኻትኩምውን ሰናይ ክኾነልኩም እዩሞ፥ ተማሪኽኩም ንዝኸድኩምዋ ኸተማ፥ ሰላምን ሃብትን ተመነዩላ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ፀልዩላ። 8ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብርግፅ ከምዙይ ይብል ኣሎሞ፥ በቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ ነቢያትን ጠንቈልትን ኣይትታለሉ፤ ነቲ እትሓልምዎ ሕልሚ ኣይትእመኑ። 9ንሳቶም ብስመይ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፥ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ”
10 # 2 ዜና. 36፡21፥ ኤር. 25፡11፥ ዳን. 9፡2። “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ድሕሪ ሰብዓ ዓመት ኣብ ባቢሎን ምንባርኩም፥ ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሰኩም እየ’ ኢለ ዝኣተኹልኩም ሰናይ ቃለይ ክፍፅመልኩም እየ። 11ንኣኻትኩም ዘለኒ ሓሳብ ኣነ እፈልጦ እየ፤ ሰናይ ፍፃመን ተስፋን ክህበኩም፥ ናይ ሰላም ሓሳብ እምበር፥ ናይ ክፉእ ሓሳብ ኣይኮነን። 12ክትፅውዑኒ፥ መፂእኹም ድማ ናባይ ክትፅልዩ ኢኹምሞ፥ ኣነውን ክሰምዐኩም እየ። 13#ዘዳ. 4፡29። ክትደልዩኒ ኢኹም፤ ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሊኹምኒ ኸዓ ኽትረኽቡኒ ኢኹም። 14ክርከበልኩም፥ ንምርኮኹም ከዓ ኽምልሶ እየ። ካብ ኵሎም እቶም ናብኣቶም ዝሰጐጕኩኹም ህዝብታትን ስፍራታትን ድማ ኽእክበኩም እየ፤ ናብታ ተማሪኽኩም ክትከዱ እንተለኹም ዝሓደግኩምዋ ምድሪ ኽመልሰኩም እየ።”
15ንስኻትኩም “እግዚኣብሄር፥ ኣብ ባቢሎን ነቢያት ኣተሲኡልና ኣሎ” ትብሉ ኣለኹም። 16እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቲ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝተቐመጠ ንጉስን፥ ብዛዕባ እቶም ምሳኻትኩም ተማሪኾም ዘይከዱ ኣሕዋትኩም፥ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝነብሩ ዘለዉ ዅሉ ህዝብን ከምዙይ ይብል፦ 17“እንሆ፥ ሰይፍን ጥሜትን መቕሰፍትን ክሰደሎም እየ፤ ከምቲ ኻብ ምብልሻዉ ዝተልዓለ ኽብላዕ ዘይከኣል ሕማቕ በለስ ክገብሮም እየ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 18ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክሰጎም፥ ኣብ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ኸዓ ፋሕ ከብሎም እየ። ኣብ ኵሎም እቶም ኣነ ናብኣቶም ዝሰጐጕክዎም ህዝብታት ድማ፥ ንመራገምን ንመገረምን ንመላገፅን ንመፃረፍን ክኾኑ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። 19እዝ ዝበፅሖም ዘሎ ኸዓ፥ ብኣገልገልተይ ነቢያት ገይረ እንተየቋረፅኩ ዝለኣኽኩሎም ቃለይ፥ ምስማዕ ስለ ዝኣበዩ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩምውን ኣይሰማዕኹምንን፤ ይብል እግዚኣብሄር። 20እምበኣር ኣቱም ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዝሰደድኩኹም ምሩኻት፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
21“ብዛዕባ እዞም ብስመይ ሓሰት ዝንበዩልኩም ዘለዉ ኣክኣብ ወዲ ቆላያን ሴዴቅያስ ወዲ ማዓሴያን፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ ንሱውን ዓይንኹም እናረአየ ኽቐትሎም እዩ። 22እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ዅላቶም ምሩኻት ይሁዳ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር! ከምቶም ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሓዊ ዝጠበሶም ሴዴቅያስን ኣክኣብን ይግበርካ፤ ኢሎም ክራገሙ እዮም። 23እዙይ ዝበፅሖም ኣብ እስራኤል ክፍኣት ስለ ዝገበሩ፥ ኣብ ኣንስቲ ብፆቶም ስለ ዝዘመዉ፥ ኣነ ዘይኣዘዝክዎም ቃል ሓሰትውን፥ ብስመይ ስለ ዝተዛረቡ እዩ። ነዙይ ከዓ ኣነ እየ ዝፈልጦ እሞ ምስክር እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ሸማያ ዝፀሓፎ መልእኽቲ
24ንሸማያ በዓል ኔሔላማዊ ኸምዙይ ኢልካ ኽትነግሮ ኢኻ፤ 25ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ፀብፃብ መልእኽቲ ብስምካ ፅሒፍካ፥ ንዅሉ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ህዝብን ናብ ሶፎንያስ፥ ወዲ መኣስያ እቲ ኻህንን፥ ናብ ኵሎም ካህናትን፥ ከምዙይ ኢልካ ልኢኽካ ኢኻ።
26ንነፍሲ ወከፍ ኣእምሮኡ ንዝሰሓተሞ፥
ንዝንበ ሰብ ኣብ እግሩ ሞቕሕ፥
ኣብ ክሳዱ ሰንሰለት ክተእትወሉ፥
እግዚኣብሄር ክንዲ ካህን ዮዳሄ ገይሩ ሸመካ።
27-28ስለ ምንታይ ደኣ፥
ነቲ ዝንበየልኩም ዘሎ ንኣና ኸዓ፥
“ ‘ነዊሕ ጊዜ ተሪፉ ኣሎ፤
ኣባይቲ ስርሑ እሞ ተቐመጡሉ፥
ኣታኽልቲ ትኸሉ እሞ ፍረኡ ብልዑ’ እናበለ፥
ናብ ባቢሎን ዝለኣኸልና ኤርሚያስ በዓል ኣናቶት፥
ከምኡ ዘይገሰፅካዮ?”
29እቲ ኻህን ሶፎንያስ ከዓ፥ ነዛ ፀብፃብ ኣብ እዝኒ ነቢይ ኤርሚያስ ኣንበባ። 30ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናብ ኤርሚያስ መፀ፤ 31እዝ መልእኽቲ እዙይ ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ምሩኻት ለኣኽ፦ ብዛዕባ ሸማያ በዓል ኔሔላም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሸማያ፥ ኣነ ዘይለኣኽኩዎ ስለ ዝተነበየልኩም፥ ኣብ ሓሰትውን ክትእመኑ ስለ ዝገበረኩም፥ 32ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ክሕደት ተዛሪቡ እዩሞ፥ እንሆ፥ ንሸማያ በዓል ኔሔላምን ንዘርኡን ክቐፅዖም እየ። ኣብ ማእኸል እዝ ህዝቢ እዙይ ዝተርፍ ውሉድ ሓደ እኳ ኣይህልዎን እዩ። እቲ ኣነ ንህዝበይ ዝገብረሉ ሰናይ ድማ ኣይርእን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

Currently Selected:

ኤርሚያስ 29: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ኤርሚያስ 29