ኤርሚያስ 23
23
ክመፅእ ዘለዎ ተስፋ
1ነተን መጓሰይ ዝኾና፥ “ኣባጊዕ ንዝብትኑን ንዘጥፍኡን ጓሶት ወይለኦም!” ይብል እግዚኣብሄር። 2እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብዛዕባ እቶም ንህዝቡ ዝሕልዉ ጓሶት ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኻትኩም ንመጓሰይ በተንኩምወን ኣባረርኩምወን፤ ጥንቃቐውን ኣይገበርኩምለንን። እንሆ፥ ንኽፍኣትኩም ግቡእ ቅፅዓት ከምፅአልኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 3ኣነ ነተን ተረፍ ኣባጊዐይ፥ ካብ ኵሉ ዝሰጐጕክወን ሃገር ክእክበን እየ። ናብ መውፈሪአን ከዓ ኽመልሰን እየ። ኣብኡ ኸዓ ኽፈርያን ክበዝሓን እየን። 4ዝጓስይወን ጓሶት ከተስአለን እየ፤ ድሕሪዙይ ኣይፈርሓን ኣይድንግፃን፥ ካብኣተን ሓንቲኳ ኣይትጐድልን እያ” ይብል እግዚኣብሄር።
5“እንሆ ንዳዊት ፃድቕ ጨንፈር ዘተስአለን መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ። ንሱውን ፍትሕን ፅድቅን ዝገብር፥ ብጥበብ ዝገዝእ ንጉስ ይኸውን፤ ይብል እግዚኣብሄር። 6#ኤር. 33፡14-16። ብዘመኑ ይሁዳ ኽድሕን፥ እስራኤል ድማ ብሰላም ክነብር እዩ፤ ዝፅወዐሉ ስምውን ‘እግዚኣብሄር ፅድቅና’ ዝብል እዩ።
7“ስለዙይ እንሆ ‘እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብፂ ዘውፅአ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ዘይበሃለሉ ዘመን ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 8ግና ‘እቲ ንህዝቢ እስራኤል፥ ካብ ሃገር ሰሜንን፥ ካብ ሰጒጕዎም ዝነበረ ዅሉ ሃገራትን፥ ዘውፅኦምን ዝመርሖምን፥ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ኢሎም ዝምሕሉሉ ዘመን ክመፅእ እዩ። ሽዑ ኣብ ሃገሮም ክነብሩ እዮም።”
ኤርሚያስ ብዛዕባ ሓሰውቲ ነቢያት ዝተዛረቦ
9ብዛዕባ ነቢያት ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተሰብረ፤
ኣዕፅምተይውን ተናወፀ።
ብምኽንያት እግዚኣብሄርን፥
ብምኽንያት ቅዱስ ቃሉን ከም ስኹርን፥
ከምቲ ወይኒ ዘሸነፎ ሰካራም ሰብን ኮንኩ።
10እታ ምድሪ ብኣመንዝራታት መሊኣ ኣላ፤
ካብ መርገም ዝተልዓለ እታ ምድሪ ትበኪ ኣላ፤
መጓሰዪታት በረኻ ነቐፁ፤
ኣካይዳኦም ክፉእ እዩ፤
ብርተዐኦምውን ቅኑዕ ኣይኮነን።
11“ነቢይን ካህንን ረኸሱ፤
ኣብ ቤተ መቕደስውን እንተይተረፈ፥
ክፍኣቶም ሪአ ኣለኹ፤
ይብል እግዚኣብሄር።
12ስለዙይ መንገዶም፥ ኣብ ፀልማት ከም ዘሎ መንደልሃፂ ኽትኮኖም እያ፤
ንሳቶምውን ፍግም ኢሎም ክወድቁዋ እዮም፤
ኣነውን ብዝምልከቶም ዓመት፥
ክፉእ ከምፅአሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
13ኣብ ነቢያት ሰማርያ፥ ዘየሐጕስ ረአኹ፤
ብስም በዓል ተነበዩ፤
ንህዝበይ እስራኤልውን ኣስሓቱ።
14 #
ዘፍ. 18፡20፥ ሕዝ. 16፡46። እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ነቢያትውን፥
ዘስካሕክሕ ነገር እንትገብሩ ረአኹ፤
ይምንዝሩ፤ ብሓሰት ይመላለሱ፤
ሓደ እኳ ኻብ ክፍኣቱ ኸይምለስ፥
ንኢድ ክፉኣት የበራትዑ።
ኵላቶም ከዓ ኸም ሰዶም፥
እቶም ኣብኣ ዝነብሩውን ከም ገሞራ ኾኑኒ።
15“ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዞም ነቢያት እዚኣቶም ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ነቢያት ኢየሩሳሌም ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ርኽሰት ተባፂሑ እዩሞ፥ ዕረ ኸብልዖም እየ፤ ዝመረረ ሓሞትውን ከስትዮም እየ።”
16ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እዞም ነቢያት እዚኣቶም ዝንበዩልኩም ኣይትስምዑ፤ ከንቱነት ይምህሩኹም፤ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ዝወፀ ዘይኮነስ፥ ካብ ልቦም ዝኾነ ራእይ እዮም ዝናገሩ። 17ንሳቶም ነቶም ንኣይ ዝንዕቑ፥ እግዚኣብሄር ‘ሰላም ክኾነልኩም እዩ’ ኢሉ፥ ይብልዎም፤ ነቶም ብትረት ልቦም ዝመላለሱ ዅላቶም ድማ ‘ክፉእ ነገር ኣይነኽአኩምን እዩ’ ይብልዎም።”
18ቃሉ ኽርኢን ክሰምዕን፥ ብምኽሪ እግዚኣብሄር ዝቖመ መን እዩ? ፅን ኢሉ ቓሉ ዝሰምዐኸ መን እዩ? 19ናይ እግዚኣብሄር ኣውሎ ንፋስ ብቝጥዓ ይለዓል፤ ብርቱዕ ማዕበልውን ንርእሲ ኽፉኣት ክወቅዕ እዩ። 20ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ሓሳባት ልቡ እንተይገበረን እንተይፈፀመን ኣይምለስን እዩ። ኣብ ዳሕረዎት መዓልቲታት ብዝበለፀ ኽተስተውዕልዎ ኢኹም።
21“ነዞም ነቢያት እዚኣቶም ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፤ ግና ናይ ባዕሎም መልእኽቲ ሒዞም ጐየዩ። እንተይነገርኩዎምውን ትንቢት ተናገሩ። 22ብምኽረይ ፀኒዖም ነይሮም እንተ ዝኾኑስ፥ ቃለይ ንህዝበይ መስምዕዎም፤ ካብ ክፉእ መንገዶምን ካብ ክፉእ ስራሖምውን ምመለስዎም ነይሮም።
23“ኣነ ናይ ቀረባ ኣምላኽ ጥራሕ ዲየ? ናይ ርሑቕ ኣምላኽዶ ኣይኮንኩን? ይብል እግዚኣብሄር። 24ኣነ ኸይሪኦ ኣብ ስውር ስፍራ ኽሕባእ ዝኽእልዶ ኣሎ? ይብል እግዚኣብሄር። ሰማይን ምድርን ዝመላእኹስ ኣነዶ ኣይኮንኩን? ይብል እግዚኣብሄር። 25ሓለምና፥ ሓለምና እናበሉ፥ ብስመይ ትንቢት ሓሰት ናይ ዝናገሩ ነቢያት ቃል ሰሚዐ ኣለኹ። 26እዝ ነገር እዙይ ብናይ ባዕልቶም ጥበራ ኣብ ዝንበዩ ሓሰውቲ ነቢያት ልቢ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዝፀንሕ? 27ከምቲ ኣቦታቶም ንጣዖት ብምምላኽ ስመይ ዝረስዑ፥ ንሳቶም ብዝነግርዎ ሕልሚ፥ ህዝበይ ስመይ ክርስዕ ዝገብሩ ዘለዉ ይመስሎም ኣሎ። 28እቲ ሕልሚ ዝሓልም ነቢይ፥ ሕልሙ ይዛረብ፤ እቲ ቓለይ ዝተቐበለ ነብይ፥ ብሓቂ ቓለይ ይናገር። ሓሰር ምስ እኽሊ እንታይ ሓደ ይገበሮም? ይብል እግዚኣብሄር። 29ቃለይ ከም ሓዊን፥ ከምቲ ንኸውሒ ዘድቅቕ መዶሻንዶ ኣይኮነን፤ ይብል እግዚኣብሄር። 30ስለዙይ እንሆ ነቶም ካብ ነንሕድሕዶም ቃለይ ንዝሰረቑ ነቢያት እሕነየሎም ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 31ከምኡውን ነቶም መልሓሶም ኣልዒሎም ‘ከምዙይ ይብል’ ኢሎም ዝዛረቡ ነቢያት ክፃረሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 32እንሆ ኣብ ልዕሊ እቶም ሕልሚ ሓሰት ዝሓልሙን ዝናገሩን፥ ብሓሰቶምን ብድፍረቶምን ንህዝበይ ኣብ ልዕሊ ዘስሕቱ ነቢያት እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ዝጠቕምዎ የብሎምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ፆር እግዚኣብሄር
33“እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ወይ ነቢይ፥ ወይ ካህን ‘ፆር እግዚኣብሄር እንታይ እዩ?’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ ‘ፆሩ ንስኻትኩም ኢኹም፤ ግና ኽድርብየኩም እየ’ ይብል እግዚኣብሄር ኢልካ መልሰሎም። 34ሓደ ኻብ ህዝበይ፥ ወይ ነቢይ፥ ወይ ካህን ‘ፆር እግዚኣብሄር’ ክብል እንተ ተረኽበ ነቲ ሰብ እቱይን ንቤቱን ክቐፅዖም እየ። 35‘ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ንዓርኩን እግዚኣብሄር እንታይ ኢሉ መለሰ? እግዚኣብሄር እንታይ ኢሉ ተዛረበ?’ ደኣ ይበል። 36ንቓል ህያው ኣምላኽ፥ ናይቲ ኣምላኽና ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ስለ ዝለወጥኩም፥ ድሕሪዙይ ‘ፆር እግዚኣብሄር’ ኣይትበሉ፤ ነፍሲ ወከፍ ቃሉ፥ ፆር ክኾኖ እዩ። 37ነቲ ነቢይ፥ እግዚኣብሄር እንታይ መለሰልካ? እግዚኣብሄር እንታይ እዩ ዝተዛረበ? ደኣ ይበል። 38‘ሸኽሚ እግዚኣብሄር’ እንተ በልኩም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ሸኽሚ እግዚኣብሄር ኣይትበሉ ኢለ ልኢኸልኩም፥ ንስኻትኩም ነዝ ቓል እዙይ ሸኽሚ እግዚኣብሄር ኢልኩም ኢኹምሞ፤ 39ስለዙይ ንኣኻትኩም ፈፂመ ኽርስዐኩም እየ፤ ከምኡውን ንኣኻትኩምን ነታ ነቦታትኩም ዝሃብክዋ ኸተማን፥ ኣብ ቅድመይ ክድርብየኩም እየ። 40ንዘለኣለም ዘይርሳዕ ሕፍረትን ዘለኣለማዊ ውርደትንውን ከምፅአልኩም እየ።”
Currently Selected:
ኤርሚያስ 23: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in