1
ኤርሚያስ 23:24
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኣነ ኸይሪኦ ኣብ ስውር ስፍራ ኽሕባእ ዝኽእልዶ ኣሎ? ይብል እግዚኣብሄር። ሰማይን ምድርን ዝመላእኹስ ኣነዶ ኣይኮንኩን? ይብል እግዚኣብሄር።
Compare
Explore ኤርሚያስ 23:24
2
ኤርሚያስ 23:5-6
“እንሆ ንዳዊት ፃድቕ ጨንፈር ዘተስአለን መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ። ንሱውን ፍትሕን ፅድቅን ዝገብር፥ ብጥበብ ዝገዝእ ንጉስ ይኸውን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ብዘመኑ ይሁዳ ኽድሕን፥ እስራኤል ድማ ብሰላም ክነብር እዩ፤ ዝፅወዐሉ ስምውን ‘እግዚኣብሄር ፅድቅና’ ዝብል እዩ።
Explore ኤርሚያስ 23:5-6
3
ኤርሚያስ 23:1
ነተን መጓሰይ ዝኾና፥ “ኣባጊዕ ንዝብትኑን ንዘጥፍኡን ጓሶት ወይለኦም!” ይብል እግዚኣብሄር።
Explore ኤርሚያስ 23:1
4
ኤርሚያስ 23:3-4
ኣነ ነተን ተረፍ ኣባጊዐይ፥ ካብ ኵሉ ዝሰጐጕክወን ሃገር ክእክበን እየ። ናብ መውፈሪአን ከዓ ኽመልሰን እየ። ኣብኡ ኸዓ ኽፈርያን ክበዝሓን እየን። ዝጓስይወን ጓሶት ከተስአለን እየ፤ ድሕሪዙይ ኣይፈርሓን ኣይድንግፃን፥ ካብኣተን ሓንቲኳ ኣይትጐድልን እያ” ይብል እግዚኣብሄር።
Explore ኤርሚያስ 23:3-4
5
ኤርሚያስ 23:16
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እዞም ነቢያት እዚኣቶም ዝንበዩልኩም ኣይትስምዑ፤ ከንቱነት ይምህሩኹም፤ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ዝወፀ ዘይኮነስ፥ ካብ ልቦም ዝኾነ ራእይ እዮም ዝናገሩ።
Explore ኤርሚያስ 23:16
Home
Bible
Plans
Videos