YouVersion Logo
Search Icon

ኤርሚያስ 24

24
በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ
1 # 2 ነገ. 24፡12-16፥ 2 ዜና. 36፡10። ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያን፥ ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ምስ ኣሕሉቕ ይሁዳን ሃነፅትን ሰራሕቲ ሓፃውንን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ምስ ወሰዶም፥ እንሆ፥ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝተቐመጣ፥ በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ ኣርኣየኒ። 2እታ ሓንቲ መሶብ፥ ፈለማ ዝበሰለ የመና ፅቡቕ በለስ ነበራ፤ እታ ኻልአይቲ መሶብ ድማ ኻብ ምብልሻው ዝተልዓለ ኽብላዕ ዘይከኣል የመና ሕማቕ በለስ ነበራ። 3ሽዑ እግዚኣብሄር “ኤርሚያስ፥ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” በለኒ።
ኣነ ድማ “በለስ እርኢ ኣለኹ፤ እቲ ፅቡቕ በለስ የመና ፅቡቕ እዩ፤ እቲ ኬርና ዝተበላሸወ ሕማቕ ግና፥ እምብዛ ሕማቕ ብምዃኑ ኽብላዕ ዘይከኣል እዩ በልኩ።”
4መሊሱ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤ 5ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብዝ ስፍራ እዙይ ናብ ምድሪ ባቢሎናውያን ንዝሰደድክዎ ምርኮ ይሁዳ፥ ከምቲ ፅቡቕ በለስ ብፅቡቕ ክምልከቶም እየ። 6ዓይነይውን ንፅቡቕ ኣብ ልዕሊኣቶም ክገብር እየ፤ ናብዛ ሃገር እዚኣውን ክመልሶም እየ። ክሃንፆም እምበር ኣየፍርሶምን፥ ክተኽሎም እምበር ኣይነቕሎምን እየ። 7ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ፥ ዝፈልጥ ልቢ ኽህቦም እየ፤ ሽዑ ብምሉእ ልቦም ናባይ ክምለሱ እዮም እሞ፥ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
8“ኣነ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንኣሕሉቑን ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ዘለዉ ተረፍ ኢየሩሳሌምን፥ ነቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነብሩን ግና፥ ከምቲ ሕማቕ ክብላዕ ዘይከኣል በለስ ገይረ ኸርእዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 9ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጕክዎም ኵሉ ስፍራታት ከዓ ንፀርፍን ንመመሰልን ንመላገፅን ንመርገምን ክኾኑ፥ ኣብ ቅድሚ ኵሉ መንግስታት ምድሪ እውን፥ ንመከራን ንስቓይን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። 10ካብታ ንኣኣቶምን ነቦታቶምን ዝሃብክዋ ምድሪ ኽሳዕ ዝጠፍኡ፥ ውግእን ጥሜትን መቅሰፍትን ክሰደሎም እየ።”

Currently Selected:

ኤርሚያስ 24: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ኤርሚያስ 24