ኢሳይያስ 45
45
እግዚኣብሄር ንቂሮስ ከም ዝሸሞ
1እግዚኣብሄር ንዝቐባእኹዎ፥
ህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኸግዝአሉ፥
ሕቘ ነገስታት ከፍትሕ፥
ደገታቱ ኸይዕፀዉ፥
መዓፁኡ ኣብ ቅድሚኡ ንኽኸፍት፥
የማነይቲ ኢዱ ንዝሓዝኩዎ
ብዛዕባ ቂሮስ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
2“ኣነ ቐቅድሜኻ ክኸይድ፥
ንእምባታት ከተኻኽሎ፥
ንማዓፁ ነሃስ ክሰባብሮ እየ፤
ንመሸጐር ሓፂን ድማ ኽቘራርፆ እየ።
3ኣነ ብስምካ ዝፀዋዕኹኻ፥
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምዃነይ፥
ምእንቲ ኽትፈልጥስ፥
ኣብ ፀልማት ዘሎ መዝገብን፥
ኣብ ስውር ዝተሓብአ ሃብትን ክህበካ እየ።
4ስለ ባርያይ ያእቆብ፥
ስለ እቲ ዝመረፅክዎ እስራኤል ኢለ፥
ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤
ብቕብጥሮት ስምካ ፀዋዕኩኻ፤
ንስኻ ግና ኣይፈለጥካንን።”
5“ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤
ብዘይ ዘኣይ ካልእ የለን።
ንስኻ እንተ ዘይፈለጥካኒ እኳ፥
ሓይሊ ኣዕጠቕኩኻ።
6እዙይ ካብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ ምዕራባ፥
ኣነ ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ፥
ብዘይ ዘኣይ ከዓ ኻልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ፥
ምእንቲ ኽፈልጡ ኢለ እየ።
7ብርሃን ፈጠርኩ፤ ፀልማትውን ፈጠርኩ፤
ምሕረት እገብር፤ መዓት ድማ አምፅእ፤
እዝ ዅሉ ዝገበርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
8ሰማያት ካብ ላዕሊ ኣንጠብጥቡ፤
ደመናታት ከዓ ፅድቂ የዝንሙ።
ምድሪ ትከፈት፥ ድሕነት ተብቍል፤
ፅድቂውን ሓቢሩ ይብቈል፤
እዙይ ዝፈጠርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።”
ጐይታ ፍጥረትን ታሪኽን
9 #
ኢሳ. 29፡16፥ ሮሜ 9፡20። እቲ ምስ ሰራሒኡ ዝከራኸር ስራሕ ወይለኡ፤
ንሱ ኻብቶም ስራሕቲ መሬት ሓደ እዩ፤
ስራሕ መሬትዶ ንሰራሒኡ፥
“እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ይብሎ እዩ?
ስራሕኻኸ “ኢድ የብልካን” ይብለካ ድዩ?
10እቲ ነቦኡ “እንታይ እዩ ዝወለድካዮ?”
ንኖኡ ድማ “እንታይ እዩ ዝፀዓርኪዮ?”
ንዝብሎም ውሉድ ወይለኡ!
11እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዝኾነ፥
ፈጣሪኡ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“ብዛዕባ እቲ ዝመፅእ ጠይቑኒ፤
ብዛዕባ ደቀይን ግብሪ ኢደይን ኣዝዙኒ።
12ንምድሪ ዝፈጠርኩ፥
ኣብኣ ዘሎ ሰብውን ዝፈጠርኩ ኣነ እየ፤
ንሰማያት ዝዘርግሓ ድማ ኣእዳወይ እየን፤
ንዅሎም ሰራዊቶምውን ዝእዝዝ ኣነ እየ።
13ንቂሮስ ብፅድቂ ዘተሳእኽዎ ኣነ ባዕለይ እየ፤
ኵሉ መንገዲ ኸመዓራርየሉ እየ።
ውዕለት እንተይተኸፍለ፥
ጉቦ እንተይተቐበለ፥
ንኸተማይ ከም ብሓድሽ ክሓንፃ እዩ፤
ንምሩኻተይ ድማ ብዘይ ክፍሊት፥
ወይ ብዘይ ዋጋ ኽመልሶም እዩ፤
ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።”
14እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦
“ሃብቲ ግብፅን ኢትዮጵያን ናትካ ክኸውን እዩ፤
እቶም ነዊሕ ዝቑመቶም ሰብ ሳባ ኸዓ፥
ንኣኻ ክኾኑ እዮም።
ንሳቶም ብሰንሰለት ተኣሲሮም፥
ደድሕሬኻ ኽስዕቡ እዮም።
ኣብ ቅድሜኻ ኽሰግዱን፥
‘ብሓቂ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ፤
ብዘይ ንሱ ኻልእ ኣምላኽ ከቶ የለን’
እናበሉ ኽልምኑኻ እዮም።
15ኦ መድሓኒ ዝኾንካ ኣምላኽ እስራኤል፥
ብሓቂ ንርእስኻ እትስውር ኣምላኽ ኢኻ።
16እቶም ጣዖታት ዝሰርሑ ዅሎም፥
ክሓፍሩን ክዋረዱን እዮም።
17ንእስራኤል ግና ብዘለኣለማዊ ምድሓን
እግዚኣብሄር ከድሕኖ እዩ፤
ንስኻትኩምውን ንዘለኣለም ኣይትሓፍሩን፥
ኣይትዋረዱን ኢኹም።”
18ንሰማያት ዝፈጠረ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፤
ንምድሪ እውን ዝፈጠራን ዘመዓራረያን ዘፅንዓን፤
ንሱ መሕደሪ ሰብ ክትከውን እምበር፥
ጥራሓ ክትከውን ዘይፈጠራ፥ ኣምላኽ፥
ከምዙይ ይብል፦
“ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤
ብዘይ ዘኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን።
19ኣብ ፀልማት ምድሪ ብምስጢር ኣይተዛረብኩን፤
ንዘርኢ ያእቆብ ብኸንቱ ድለዩኒ ኣይበልክዎምን፤
ኣነ እግዚኣብሄር ፅድቂ እየ ዝዛረብ፤
ፅድቂ እዛረብ፥ ቅኑዕ ዝኾነውን እናገር።”
ጐይታ ዓለምን ጣዖታት ባቢሎንን
20እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“ኣቱም ካብ ኣህዛብ ዝሃደምኩም ንዑ፤ ቅረቡውን፤
እቶም ብፅሩብ ዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ጣዖታት ዝፆሩን፥
ከድሕን ንዘይኽእል ጣዖት ዝልምኑ፥
ኣእምሮ የብሎምን።
21ይናገሩ፤ ይቕረቡን ብሓባር ይማኸሩን፤
ነዝ ነገር እዙይ ካብ ጥንቲ ዘርአየን ዝተናገረን መን እዩ?
ኣነ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮንኩን?
ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን፤
ፃድቕን ዘድሕንን ኣምላኽ እየ፤
ብዘይ ዝኣይ ከቶ የለን።”
22“ኣምላኽ ኣነ እየ፤ ካልእ የለን እሞ፥
ኣቱም ኣብ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ዘለኹም ህዝቢ፥
ናባይ ተመለሱ እሞ ደሓኑ።
23 #
ሮሜ 14፡11፥ ፊልጵ. 2፡10-11። ቃል ፅድቂ ኻብ ኣፈይ ወፂኡ ኣሎ፤
ኣይምለስንውን እዩ፤
‘ኵሉ ብርኪ ኽምብርከኸለይ፥
ኵሉ ልሳን ከዓ ብኣይ ክምሕል እዩ’ ኢለ፥
ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ።”
24“ብዛዕባይ ከዓ ‘ፅድቅን ሓይልን፥
ኣብ እግዚኣብሄር ጥራሕ እዩ ዘሎ’ ኽብሉ እዮም።
ኣብ ልዕሊኡ ብቝጥዓ ዝተልዓሉ ዅሎም፥
ናብኡ ኽመፁን ክሓፍሩን እዮም።
25ኵሎም ዘርኢ እስራኤል ብእግዚኣብሄር ክፀድቁ፥ ብእኡውን ክምክሑ እዮም።”
Currently Selected:
ኢሳይያስ 45: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in