ኢሳይያስ 44
44
ኣምላኽ በይኑ እግዚኣብሄር እዩ
1“ሕዚ እውን ኣታ ያእቆብ ባርያይ፥
ኣታ ዝሓረኩኻ እስራኤልውን ስማዕ።
2ዝፈጠረካ፥ ካብ ማህፀን ጀሚሩ ዝሰርሐካ፥
ዝረድአካ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦
ኣታ ያእቆብ ባርያይ፥
ዝሓረኩኻውን ይሹሩን ኣይትፍራሕ።”
3“ማይ ኣብቲ ፅሙእ ቦታ፥ ወሓይዝ ከዓ፥
ኣብቲ ንቑፅ መሬት ከፍስስ እየ፤
መንፈሰይ ኣብ ዘርእኻ፥
በረኸተይ ከዓ ኣብ ውሉድካ ኸውርድ እየ።
4ኣብ ጥቓ ወሓዚ ማይ ከም ዝበቝሉ ኣእዋም ኲሓ፥
ኣብ ማእኸል ሳዕሪ ኽበቝሉ እዮም።”
5“እቲ ሓደ ‘ናይ እግዚኣብሄር እየ’ ኽብል እዩ፤
እቲ ሓደ ብስም ያእቆብ ክስመ እዩ፤
እቲ ሓደ ድማ ‘ናይ እግዚኣብሄር እየ’ ኢሉ፥
ኣብ ኢዱ ኽፅሕፍ እዩ፤
ብናይ እስራኤል ስም ቅብጥሮትውን ክፅዋዕ እዩ።”
6 #
ኢሳ. 48፡12፥ ራእይ 1፡17፥ 2፡8፥ 22፡13። ንጉስ እስራኤልን፥
ቤዛኡ ዝኾነ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትን፥
ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“ቀዳማይን ዳሕረዋይን ኣነ እየ፤
ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን።
7ከማይ ዝበለ መን ኣሎ?
እስቲ ይለዓል እሞ ይዛረብ፤
ካብቲ ኣነ ነቲ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ዝፈጠርኩሉ ጀሚሩ፥
ይዛረብ እሞ ይንገረኒ፤
ብዛዕባ እቲ ዝመፅእን፥
ክኸውን ዘለዎ ነገርን ኣቐዲሙ ይንገር።
8ኣይትፍርሑን ኣይትደንግፁን፤
ብቐደሙዶ ኣይነገርኩኹምን እየ?
ወይ ኣየርአኹኹምን ድየ?
ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም።
ብዘይ ዘኣይዶ ኣምላኽ ኣሎ እዩ?
ካልእ ኰዅሒ የለን፤
ኣነ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የለን።”
ኣምልኾ ጣዖት ዘፀይፍ እዩ
9እቶም ጣዖታት ዝሰርሑ ዅሎም ከንቱ እዮም፤
እቲ ዝፈትውዎ ነገርውን ኣይጠቐሞምን፤
ብላሽ እዮም፤ መሰኻኽሮምውን ኣይሪኡን፤
ኣይሰምዑን፤ ክሓፍሩውን እዮም።
10ሓደ እኳ ጥቕሚ ዘይብሉ፥
ኣምላኽ ዝቐርፅ መን እዩ?
11እንሆ ዅሎም ብፆቱ ኽሓፍሩ እዮም፤
እቶም ሰራሕቲውን ካብ ወገን ሰብ እዮም፤
ኵላቶም ተኣኪቦም ይቑሙ፤
ክፈርሑ እዮም፤ ብሓባርውን ክሓፍሩ እዮም።
12ቀጥቃጢ ሓፂን፥ ቍራፅ ሓፂን ይሕዝ እሞ፥
ኣብ ጓህሪ ይገብሮ፤
ብመዶሻ ቐጥቂጡ ድማ ቕርፂ የውፅአሉ፤
ብሓይሊ ቕልፅሙ ይሰርሖ፤
ንሱ ይጠሚ፤ ይደክምውን፤
ማይ ኣይሰትንሞ ዓቕሚ ሰኣነ።
13ፀራቢ ብገመድ ይልክዕ፤ ብርሳስ ይሕንፅፆ፤
ብመንደል ይነድሎ፤ ብመቕረፂ ይቐርፆ፤
ከም መልክዕ ሰብ፥
ከም ምልኩዕ ሰብ ገይሩ ይሰርሖ እሞ፥
ኣብ መምለኺ የንብሮ።
14ዝግባ ይቘርፅ፤ ወይ ኣውሕን ሳግላን የምፅእ፤
ወይ ካብ ኣእዋም ዱር ሓርዩ፥ ፅሕዲ ይተክል፤
ዝናም ድማ የብቍሎ።
15ንምንዳድ ድማ ይጠቅም፤
ኣንዲዱ ይስሕነሉን እንጀራ ይስንክተሉን፤
ገሊኡ ኸዓ ፀሪቡ ኣምላኽ ይሰርሐሉ እሞ የምልኾ፤
ጣዖት ሰሪሑውን ይሰግደሉ።
16ካብቲ ዕንፀይቱ ወሲዱ፥ ሓዊ ይእጕድ፤
ስጋ ጠቢሱ ኸዓ ይበልዕ እሞ ይፀግብ፤
ኣብኡ እናሰሓነ ድማ፥
“ኣሰይ እመውቕ ኣለኹ፤
ሓዊ እርኢ ኣለኹ” ይብል።
17በቲ ዝተረፈ ዕንፀይቲ ድማ፥
ምስሊ ቐሪፁ ኣምላኽ ይገብሮ፤
“ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፥ ኣድሕነኒ” እናበለ ድማ፥
ኣብ ቅድሚኡ ተደፊኡ ይሰግድን ይፅልን።
18እዞም ሰባት እዚኣቶም፥
ከይሪኡ ኣዒንቶም ስለ ዝዓመቱ፥
ከየስተውዕሉ ኸዓ ልቦም ስለ ዝደፈኑ፥
ሓደ እኳ ኣይፈልጡን፤
ሓንቲ እኳ ኣየስተውዕሉን እዮም።
19ካብዚኣቶም “ፍርቁ ኣብ ሓዊ ኣንዲደ፥
ብጓህሩ ድማ እንጀራ ሰንኪተ፥
ስጋ ኸዓ ጠቢሰ በላዕኹ፤ ነቲ ተረፉዶ ዘፀይፍ ነገር ክገብረሉ?
ንቝራፅ ዕንፀይቲኸ ኽሰግደሉ ድየ?”
ኢሉ ናብ ልቡ ዝምለስ፥
ፍልጠትን ኣእምሮን ዘለዎ ሓደ እኳ የለን።
20ሓሙዅሽቲ ይበልዕ፤
ዝታለል ልቢ ኣስሒትዎ፥
“እዝ ኣብ የማነይቲ ኢደይ ዘሎ ሓሰትዶ ኣይኮነን” ኣይብልን፤
ንባዕሉ ኸድሕን ኣይኽእልን እዩ።
ፈጣርን መድሓኒን እግዚኣብሄር እዩ
21“ኣታ ያእቆብ፥
ኣታ እስራኤልውን፥
ባርያይ ኢኻ እሞ እዙይ ዘክር፤
ኣነ ፀዊዐካ ኣለኹ፤
ንስኻውን ባርያይ ኢኻ፤
ኦ እስራኤል ከቶ ኣይርስዐካን እየ።
22ንገበንካ ኸም ደመና፥
ንሓጢኣትካውን ከም ግመ ኣወጊደዮ እየ።
ተቤዚወካ እየሞ፥ ናባይ ተመለስ።”
23ነዙይ ዝገበሮ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥
ኣቱም ሰማያት ዕልል በሉ፤
እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተቤዚውዎ፤
ክብሩ ኸዓ ኣብ እስራኤል ገሊፁ እዩ እሞ፥
ኣቱም መዓሙቝ ምድሪ፥ ብታሕጓስ ዘምሩ፤
ኣቱም እምባታት፥
ኣቱም ኣብ ዱር ዘለኹም ኵልኻትኩም ኣእዋም፥
ዓው ኢልኩም ዘምሩ።
24“ኣብ ማህፀን ዝሰርሐካ ዝተቤዘወካ፥
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
እቲ ንዅሉ ዝፈጠርኩ፥
ንሰማያት በይነይ ዝዘርጋሕኹ፥
ንምድሪ ዘፅናዕኹ፥ እግዚኣብሄር ኣነ እየ።
25 #
1 ቆሮ. 1፡20። ንምልክት ሓሰውቲ፥ ከንቱ እገብሮ፤
ንጠንቈልቲ አዕብዶም፤
ንጥበበኛታት ንድሕሪት እመልሶም፤
ንፍልጠቶም ከዓ ናብ ዕሽነት እልውጦ።
26ግና ንቓል ባርያይ ኣፅንዖ፥
ንምኽሪ ልኡኻተይ እፍፅሞ እየ።
ንኢየሩሳሌም ‘መንበሪ ሰብ ክትኮኒ ኢኺ’ ኢለ እነግራ፤
ከተማታት ይሁዳ ‘ክህነፃ እየን’
ንዑናታተንውን ‘ክሕድሶ እየ’ ኢለ ኽነግረን እየ።
27ንመዓሙቝ ባሕሪ ‘ደረቕ ኩን’
ንሩባታትውን ‘ከንቅፆ እየ’ እብል ኣለኹ።
28 #
2 ዜና. 36፡23፥ እዝራ 1፡2። ንቂሮስ ከዓ ‘ንሱ ጓሳይ እዩ’
ኢየሩሳሌም ‘መሊሳ ትተሃነፅ’
እቲ ቤተ መቕደስውን ‘ይመስረት’ ኢሉ፥
ንዅሉ ፍቓደይ ክፍፅም እዩ እብል ኣለኹ።”
Currently Selected:
ኢሳይያስ 44: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in