YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 36

36
ኣሶራውያን ንኢየሩሳሌም ከም ዘፈራርሕዋ
(2 ነገ. 18፡13-272 ዜና. 32፡1-19)
1ከምዙይ ከዓ ኾነ፦ ሕዝቅያስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመቱ፥ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ነተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ዅላተን ደዪቡ ሓዘን። 2ኣብ ላኪሶ ኮይኑ ኸዓ፥ ንራፋስቂስ ብዙሕ ሰራዊት ኣትሒዙ፥ ናብ ሕዝቅያስ ናብ ኢየሩሳሌም ለኣኾ። ንሱ ኸዓ ኣብ ጥቓ ላዕለዋይ ሓፅቢ መስኖ፥ ብመንገዲ ግራት ሓፃቢ ገይሩ፥ ናብቲ ላዕለዋይ መፂኡ ደው በለ። 3ሽዑ ኤልያቄም ወዲ ኬልቅያስ ኣዛዚ ቤተ መንግስትን፥ ሳምናስ እቲ ፀሓፍን፥ ኢዮኣስ ወዲ ኣሳፍ ፀሓፊ ታሪኽን ናብኡ ወፁ። 4ራፋስቂስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ንሕዝቅያስ፥ እቲ ዓብዪ ንጉስ ኣሶር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልኩም ንገርዎ፦ እዝ እትተኣማመኖ ዘለኻ መተኣማመኒ እንታይ እዩ?” 5ብኣፍካ “ሜላ ውግእን ዓቕምን ኣለኒ” ምባልካ ኸንቱ እዩ። ኣብ ልዕለይ እትዕምፅ ደኣ፥ ኣብ መን ተኣማሚንካ ኢኻ? 6#ሕዝ. 29፡6-7። እንሆ፥ በቲ ቕጥቁጥ ምርኩስ ሻምብቆ ዝኾነ ግብፂ ትተኣማመን ኣለኻ። ሰብ እንተ ተመርኰሶ፥ ኣብ ኢዱ ይኣቱ እሞ የቝስሎ፤ ንጉስ ግብፂ ኸዓ ነቶም ኣብኡ ዝተኣማመኑ ዅሎም ከምኡ እዩ።
7“ንሕናስ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢና እንውከል እንተ በልካኒ፥ ንስኻ ሕዝቅያስ ባዕልኻዶ ኣይኮንካን ንህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ሓደ መሰውኢ ጥራሕ ስገዱ፤ እናበልካ ንዀረብታታትን መሰውኢታትን ዘፍረስካ? 8እስኪ ሕዚ ምስ ጐይታይ፥ ምስ ንጉስ ኣሶር ተወራረድ፤ ንስኻ ዝቕመጥዎም ፈረሰኛታት ክትረክብ እንተ ኽኢልካስ፥ ኣነ ኽልተ ሽሕ ፈረስ ክህበካ እየ። 9ንስኻ ንሓደ ሓለቓ ናይቶም ኣናእሽቱ ሓሻኽር ጐይታይ፥ ንድሕሪት ክትመልስ ኣይትኽእልን ኢኻ። ግና ኣብ ናይ ግብፂ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ተኣማሚንካ ኣለኻ። 10ሕዚኸ ነዛ ሃገር ብዘይ ፈቓድ እግዚኣብሄር፥ ከጥፍኣ ዝደየብኩ ድዩ መሲሉካ? ናብዛ ሃገር ደይብካ ኣጥፍኣያ ዝበለኒ፥ ባዕሉ እግዚኣብሄር እዩ።”
11ሽዑ ኤልያቄምን ሳምናስን ኢዮኣስን ንራፋስቂስ “ቋንቋ ሶርያ ንፈልጥ ኢና እሞ፥ ንባሮትካ ብእኡ ተዛረበና። ግና ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ቅፅሪ ዘለዉ ህዝቢ፥ ብቛንቋ ኣይሁድ ኣይትዛረበና” በልዎ።
12ራፋስቂስ ግና “ጐይታይ እዘን ቃላት እዚኣተን፥ ምስ ጐይታኻን ምሳኻን ጥራሕ ክዛረብ ድዩ ዝለኣኸኒ? ኣይፋሉን፤ ምሳኻትኩም ኵስሖም ክበልዑን፥ ሽንቶም ክሰትዩን፥ ኣብ ቅፅሪ ተቐሚጦም ናብ ዘለዉ ሰባትውንዶ ኣይኮነን ዝለኣኸኒ?” በለ።
13ድሕሪዙይ ራፋስቂስ ደው በለ እሞ፥ ዓው ኢሉ ብቛንቋ ኣይሁድ፥ “ዘረባ እቲ ዓብዪ ንጉስ ኣሶር ስምዑ። 14እቲ ንጉስ ከምዙይ ይብል፦ ሕዝቅያስ ከድሕነኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ ኣየዕሽኹም። 15ሕዝቅያስ ‘እግዚኣብሄር ብርግፅ ከድሕነና እዩ፤ እዛ ኸተማውን ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትወሃብን እያ’ እናበለ ኣብ እግዚኣብሄር ክትተኣማመኑ ኣይግበርኩም። 16-17ንጉስ ኣሶር ‘ንሕዝቅያስ ኣይትስምዕዎ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝመፅእ እሞ ንምድሪኹም ናብ እትመስል ምድሪ፥ እኽልን ወይንን፥ ምድሪ እንጀራን ኣታኽልቲ ዘቢብን፥ ክሳዕ ዘብፅሐኩም ምሳይ ተዓረቑ፤ ናባይውን ውፁ። ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ተኽሊ ወይኑ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ኦም በለሱ ኽበልዕ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ማይ ዒላኡ ኽሰቲ እዩ’ ይብል ኣሎ። 18ሕዝቅያስ ‘እግዚኣብሄር ከድሕነና እዩ’ እናበለ ኣየታልልኩም፤ ካብ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ንሃገሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘድሓነ መን ኣሎ? 19ኣማልኽቲ ሃማትን ኣርፋድን ኣበይ ኣለዉ? ኣማልኽቲ ሰፈርዋይም ኣበይ ኣለዉ? ንሰማርያስ ካብ ኢደይዶ ኣድሒኖምዋ እዮም? 20ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ እዘን ሃገራት፥ ንሃገሩ ኻብ ኢደይ ዘናገፈ ኣየናይ እዩ? እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ካብ ኢደይ ከመይ ከድሕና ይኽእል?” በለ።
21ንሳቶም ግና ሱቕ በሉ፤ ንጉስ ሕዝቅያስ “ኣይትመልሱሉ” ኢሉ ኣዚዙዎም ስለ ዝነበረ፥ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን። 22ድሕሪዙይ ኤልያቄም፥ ወዲ ኬልቅያ፥ ኣዛዚ ቤተ መንግስትን፥ ሳምናስ ፀሓፍን፥ ኢዮኣስ ወዲ ኣሳፍ፥ ፀሓፊ ታሪኽን፥ ክዳውንቶም ቀዲዶም፥ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ ተመለሱ። ዘረባ ራፋስቂስ ከዓ ነገርዎ።

Currently Selected:

ኢሳይያስ 36: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in