YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 37

37
ሕዝቅያስ ንኢሳይያስ ምኽሪ ኸም ዝጠየቖ
(2 ነገ. 19፡1-7)
1ከምዙይውን ኮነ፦ ንጉስ ሕዝቅያስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ወጮ ተኸዲኑ ኸዓ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ። 2ንኤልያቄም ኣዛዚ ቤተ መንግስትን፥ ንሳምናስ ፀሓፍን፥ ነቶም ሽማግለታት ካህናትን፥ ወጮ ተኸዲኖም ናብ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ክኸዱ ለኣኾም። 3ንሳቶም ድማ ንኢሳይያስ፥ ሕዝቅያስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ መዓልቲ ጭንቀትን ዘለፋን ውርደትን እያ። ቈልዑ ዝውለዱሉ ጊዜ በፂሑ፤ ንምውላድ ግና ሓይሊ የለን። 4ንጉስ ኣሶር ንራፋስቂስ፥ ነቲ ንህያው ኣምላኽ ክፃረፍ ዝለኣኾ፥ ናይ ራፋስቂስ ፀርፊ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰሚዑ፥ ነቲ ዝተፃረፈ ይቐፅዖ ይኸውን። ንስኻ ኸዓ ምእንቲ እቲ ተሪፉ ዘሎ ተረፍ ፀሎት ግበር።”
5እቶም ኣገልገልቲ ንጉስ ሕዝቅያስ ከዓ ናብ ኢሳይያስ ከዱ። 6ኢሳይያስ ድማ “ንጐይታኹም፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘በተን ሓሻኽር ንጉስ ኣሶር ንኣይ ዝፀረፉለን፥ ንስኻውን ዝሰማዕኻየን ቃላት ኣይትፍራሕ። 7እንሆ፥ ወረ ሰሚዑ ናብ ሃገሩ ምእንቲ ኽምለስ፥ መንፈስ ክሰደሉ እየ፤ ኣብኡ ኸዓ ብሰይፊ ኸም ዝመውት ክገብሮ እየ’ በልዎ” በሎም።
ኣሶራውያን ንኢየሩሳሌም ከም ብሓድሽ ከም ዘፈራርሕዋ
(2 ነገ. 19፡8-19)
8ሽዑ ንጉስ ኣሶር ካብ ላኪሶ ከም ዝተልዓለ፥ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ ራፋስቂስ ተመሊሱ ኣብ ልብና እናተዋግአ ረኸቦ። 9ሰናክሬም፥ “ቲርሃቅ ንጉስ ኢትዮጵያ ኽዋግአካ ይመፅእ ኣሎ” ዝብል ወረ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ኢሉ ልኡኻት ለኣኸ፦ 10ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ በልዎ፦ “እቲ እትተኣማመነሉ ዘለኻ ኣምላኽካ ‘ኢየሩሳሌም ናብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትወሃብን እያ’ እናበለ ኣየስሕትካ። 11እንሆ፥ ነገስታት ኣሶር ንዅለን ሃገራት፥ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእወን ሰሚዕኻ ኣለኻ፤ ንስኻ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኽትድሕን እትኽእል? 12ኣቦታተይ፥ ንኸተማታት ጎዛንን ካራንን ራፊስን ነቶም ኣብ ተላሳር ዝነበሩ ደቂ ኤደንን፥ ኣማልኽቶምዶ ኣድሒኖምዎም እዮም? 13ንጉስ ሃማትን ንጉስ ኣርፋድን ንጉስ ከተማ ሴፈርዋይምን ንጉስ ሄናን ኢዋንከ ኣበይ ኣለዉ?”
14ሕዝቅያስ ከዓ ነታ መልእኽቲ፥ ካብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበባ፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ደየበ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ዘርግሓ። 15ሕዝቅያስ ከምዙይ እናበለ ኸዓ፥ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ፦ 16#ዘፀ. 25፡22። “ኦ ኣብ ኪሩቤል ተቐሚጥካ ዘለኻ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣምላኽ ኵለን መንግስታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፤ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። 17ኦ እግዚኣብሄር፥ እዝንኻ ፅሎ እሞ ስማዕ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣዒንትኻ ኽፈት እሞ ረአ፤ ነተን ሰናክሬም ንኣኻ ንህያው ኣምላኽ ክፀርፍ ኢሉ፥ ዝለኣኸን ኵለን ቃላት ስምዓየን። 18ኦ እግዚኣብሄር፥ ነገስታት ኣሶር፥ ንዅለን ሃገራትን ምድሮምውን ከም ዘዕነዉ፥ ሓቂ እዩ። 19ንኣማልኽቶም ድማ ናብ ሓዊ ደርበይዎም፤ ንሳቶም ስራሕ ኢድ ሰብ፥ ዕንፀይትን እምንን እዮም እምበር፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን፤ ስለዙይ ኣጥፍእዎም። 20ሕዚ ግና፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ኵለን መንግስታት ምድሪ፥ ንስኻ በይንኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃንካ ምእንቲ ኽፈልጣስ፥ ካብ ኢዱ ኣድሕነና።”
ኢሳይያስ ናብ ሕዝቅያስ ዝለኣኾ መልእኽቲ
(2 ነገ. 19፡20-37)
21ሽዑ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ናብ ሕዝቅያስ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “እቲ ብዛዕባ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ዝለመንካኒ” እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ 22ብዛዕባኡ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እታ ድንግል ጓል ፅዮን፥ ንዒቓትካን ኣባጪያትልካን ኣላ፤ ጓል ኢየሩሳሌም ድማ፥ ብድሕሬኻ ርእሳ ትንቕንቐልካ ኣላ። 23ንመን ኢኻ ዘባጨኻሉን ዝፀረፍካዮን? ድምፅኻኸ ኣብ ልዕሊ መን ኢኻ ዘልዓልካ? ኣዒንትኻኸ ንመን ኢኻ ዘፍጠጥካሉ? ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።” 24ሓሽከርካ ልኢኽካ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢልካ ፀረፍካዮ፤ “ብብዝሒ ሰረገላታተይ ናብ ርእሲ እምባታት፥ ኣብ ዓቐበት ሊባኖስ ደዪበ ነቲ ፀፅቡቕ ፅሕድታቱን ንነዋሕቲ ኣእዋሙን ክቘርፆ እየ። ናብቲ ላዕለዋይ ጫፉን፥ ናብቲ ዕሙር ዱሩን ክበፅሕ እየ። 25ኵዒተ ማይ ሰተኹ፤ ብኸብዲ እግረይ ንዅሉ ሩባታት ግብፂ ኸንፅፎ እየ” እናበልካ ተዘሃርካ።
26“ነዙይ ካብ ቀደም ከም ዘዳለኽዎ፥ ካብ ጥንቲ ኸዓ ኸም ዝገበርክዎ ኣይሰማዕኻን ዲኻ? ሕዚ ኸዓ፥ እንሆ ኽፍፅሞ እየ፤ ንስኻ ነተን ዕሩዳት ከተማታት ኣፍሪስካ፥ ኵምራ ዑናታት ክትገብረን ገበርኩኻ። 27እቶም ኣብኣተን ዝነብሩ፥ ሰነፉን ደንገፁን ተሃወኹን፤ ከም ሳዕሪ በረኻን፥ ከም ልሙዕ ቘፅልን፥ ከም ሳዕሪ ናሕስን፥ ከምቲ እንተይበቘለ ዝሃጕጕ ዘርእን ኮኑ።
28“ኣነ ግና ምቕማጥካን ምውፃእኻን ምእታውካን ኣብ ልዕለይ ከም ዝተቘጣዕኻን እፈልጥ። 29ቍጥዓኻን ድፍረትካን ኣብ ኣእዛነይ ስለ ዝበፅሐ፥ ኣብ ኣፍንጫኻ ሳንቀይ፥ ኣብ ኣፍካ ድማ ልጓመይ ከእቱ እየ፤ በታ ዝመፃእኻላ መንገዲውን ክመልሰካ እየ።
30“እዙይ ከዓ ምልክት ይኹንካ ‘በዝ ዓመትዙይ ካብቲ ባዕሉ ዝበቘለ ቐሪም፥ ንዓመታ ኸዓ በልጊ ኽትበልዑ ኢኹም፤ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ድማ፥ ክትዘርኡን ክትዓፅዱን ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተኽሉን ኢኹም እሞ፥ ፍረኡ ኽትበልዑ ኢኹም። 31እቲ ዘምለጠ ተረፍ ቤት ይሁዳ፥ ሱሩ ንታሕቲ ኽሰድድ፥ ኣብ ላዕሊውን ክፈሪ እዩ። 32ተረፍ ካብ ኢየሩሳሌም፥ ተረፍ ከዓ ኻብ እምባ ፅዮን ዘምለጡ ኽወፁ እዮም። ነዙይ ቅንኣት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ።’
33“ስለዙይውን ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ‘ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኣቱን፤ ፍላፃ ኸዓ ኣይውርውረላን፤ ዋልታ መኪቱ ኣይመፃን፤ ብቕፅሪውን ኣይኸባን እዩ። 34በታ ዝመፀላ መንገዲ ኽምለስ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣውን ኣይኣቱን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 35ምእንቲ ርእሰይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ንኸድሕና ኽከላኸለላ እየ’ ይብል ኣሎ” በሎ።
36መልኣኽ እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ኣሶራውያን ከይዱ፥ ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ሰብኡት ቀተለ። ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፤ እንሆ ኣብ ኵሉ፥ ሬሳታት ፀንሕዎም። 37ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ድማ፥ ስፍራኡ ሓዲጉ ኸደ፤ ናብ ነነዌ ተመሊሱ ኸዓ ተቐመጠ። 38ኣብ ቤት ናስራኽ ኣምላኹ ኽሰግድ እንተሎ፥ ደቁ ኣድራማሌክን ሳራሳርን ብሰይፊ ቐተልዎ፤ ናብ ምድሪ ኣራራት ከዓ ሃደሙ። ኤሳር ሃዶን ወዱ ድማ ተኪኡ ነገሰ።

Currently Selected:

ኢሳይያስ 37: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in