ኢሳይያስ 35
35
መንገዲ ቕድስና
1በረኻን ምድሪ ኣፃምእን ደስ ክብሎም እዩ፤
እቲ ምድረ በዳ ኸዓ ዕልል ክብል፥
ከም ፅጌረዳ ድማ ኽዕምብብ እዩ።
2ኣፀቢቑ ኽዕምብብ፥
ብምስጋናን ብደስታን ዕልል ክብል እዩ።
ክብሪ ሊባኖስን ግርማ ቀርሜሎስን ሳሮንን፥
ክወሃቦ እዩ።
ክብሪ እግዚኣብሄርን፥
ግርማ ኣምላኽናን ክሪኡ እዮም።
3 #
ዕብ. 12፡12። ንዝደኸማ ኣእዳው ኣበርትዑ፤
ንዝላሕልሑ ኣብራኽ ኣፅንዑ።
4ነቶም ፈራሕ ዝልቦም፥
“ኣይዞኹም፥ ኣይትፍርሑ፤
እንሆ፥ ኣምላኽኩም ሕነ ኽፈዲ፥
ክብቀል ክመፅእ እዩ፤
ባዕሉ ኸድሕነኩም ክመፅእ እዩ” በልዎም።
5ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ክበርሃ፥
ኣእዛን ፀማማት ክኽፈታ እየን።
6 #
ማቴ. 11፡5፥ ሉቃ. 7፡22። ሽዑ ሓንካስ ከም መይዳቝ ክዘልል፥
ኣንደበት በሃም ከዓ ኽዝምር እዩ፤
ማያት ኣብ በረኻ፥ ወሓይዝ ድማ፥
ኣብ ምድረ በዳ ኽፍልፍል እዩ።
7ምድሪ ረመፅ፥ ቃላይ፥
ምድሪ ኣፃምእ ከዓ ዓይኒ ማያት ክኸውን እዩ።
እታ ወኻሩ መሳፍሮ ገይረናኣ ዝነበራ ስፍራ፥
መብቈል ሰትን ሰልሰላን ሻምብቆን ክትከውን እያ።
8ኣብኡ ፅርግያን መንገድን ክህሉ እዩ፤
“ቅዱስ ጐደና” ተብሂሉ ኸዓ ኽፅዋዕ እዩ።
ዝረኸሰ ብእኡ ኣይሓልፍን እዩ፤
ንንፁሃን ግና ይኸውን፤
እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥
ዓሻ እኳ እንተ ኾነ ኣይጋገን እዩ።
9ኣንበሳ ኣይህልዎን፤
ዝጓዳእ ኣራዊት ኣይድይቦን፤
ኣብኡውን ኣይርከብን እዩ፤
ብኣኣ ዝኸዱ ዝደሓኑ ጥራሕ እዮም፤
10እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ እዮም፤
እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክኣትዉ እዮም፤
ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤
ሓዘንን ትካዘን ክሃድም እዩ፤
ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም።
Currently Selected:
ኢሳይያስ 35: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in