ኣስቴር 6
6
ሽመት መርዶክዮስ
1እቲ ንጉስ በታ ለይቲ እቲኣ ድቃስ ስኢኑ ሓደረ፤ ነቲ ናይ መንግስቱ መፅሓፍ ዜና መዋእል ከምፅኡሉ ኸዓ ኣዘዘ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስውን ተነበበ። 2#ኣስ. 2፡21-22። ኣብኡ ኸዓ እቶም ክልተ ናይ ንጉስ ስሉባት ኣጋፈርቲ ሕልፍኚ፥ ገበታን ታራን፥ ንንጉስ ኣርጤክስስ ክቐትልዎ ሻራ ገይሮሙሉ ኸም ዝነበሩ፥ መርዶክዮስ ድማ ኸም ዝነገሮ ተፅሒፉ ተረኽበ።
3ሽዑ እቲ ንጉስ “ብዛዕባ እዙይከ ንመርዶክዮስ ከመይ ዝበለ ኽብረትን ዕቤትን ተገብረሉ?” ኢሉ ጠየቐ። እቶም ዘገልግልዎ ዝነበሩ ሓሻኽር ንጉስ ድማ “ዝኾነ ነገር እኳ ኣይተገበረሉን” ኢሎም መለሱ።
4እቲ ንጉስ ከዓ “ኣብ ቤተ መንግስቲ መን ኣሎ?” ኢሉ ጠየቐ። ሃማ ንመርዶክዮስ ኣብቲ ንእኡ ዘዳለወሉ ጕንዲ ኽሰቕሎ፥ ንንጉስ ክነግር ኢሉ፥ ናብቲ ቕፅሪ ቤተ መንግስቲ ኣትዩ ነበረ።
5እቶም ሓሻኽር ንጉስ ድማ “እንሆ፥ ሃማ ኣብ ቅፅሪ ቤተ መንግስቲ ደው ኢሉ ኣሎ” በልዎ። ንጉስ ከዓ “ይእቶ” በሎም።
6ሃማ ድማ ኣተወ፤ ንጉስ ከዓ “ንጉስ ከኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ እንታይ ክግበረሉ ይግባእ?” ኢሉ ጠየቖ። ሃማ ድማ ብልቡ “ንጉስ ንኣይ እንተ ዘይኮይኑስ ንመን ከኽብር ይደሊ?” ኢሉ ሓሰበ። 7ንንጉስ ድማ “ንጉስ ከኽብሮ ንዝፈተዎ ሰብስ፥ 8ንጉስ ዝኽደኖ ልብሲ መንግስቱ፥ ንጉስ ዝቕመጦ ፈረስ የምፅኡሉ፤ ኣብ ርእሱ ድማ ዘውዲ ንጉስ ይድፍኡሉ። 9እቲ ኽዳንን እቲ ፈረስን ከዓ ኣብ ኢድ ሓደ ኻብቶም ክቡራት ሹመኛታት ንጉስ ይወሃብ እሞ፥ ነቲ ንጉስ ከኽብሮ ዝደሊ ሰብ ድማ ይኽደንዎ። ኣብ ፈረስ ኣቐሚጦምውን ብኣደባባይ እታ ኸተማ የዙርዎ፤ ቀቅድሚኡ ኸዓ፥ ‘ነቲ ንጉስ ከኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ ከምዙይ ይግበረሉ’ ኢሎም ኣዋጅ ይኣውጁ” በለ።
10ሽዑ ንጉስ ንሃማ “ቐልጢፍካ ልብስን ፈረስን ውሰድ፤ ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ዘሎ ኣይሁዳዊ መርዶክዮስ ከምቲ ዝበልካዮ ኸምኡ ግበረሉ። ካብዝ ዝበልካዮ ሓደ እኳ ኣይጕደል” በሎ።
11ሃማ ድማ እቲ ኽዳንን እቲ ፈረስን ወሰደ፤ ንመርዶክዮስ ድማ ኸደኖ፤ ኣብ ፈረስውን ኣቐመጦ፤ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ ቐቅድሚኡ “ንጉስ ከኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ ከምዙይ ይግበረሉ” እናበለ ኣዋጅ ነገረ።
12መርዶክዮስ ናብ ደገ ንጉስ ተመለሰ፤ ሃማ ግና ጕህዩ ርእሱ ተጐልቢቡ ቐልጢፉ ናብ ቤቱ ኸደ። 13ሃማ ዅሉ እቲ ዝረኸቦ ንዞሳራ ሰበይቱን ንዅሎም ፈተውቱን ነገሮም። እቶም ጠቢባኑን ዙሳራ ሰበይቱን ድማ “መርዶክዮስ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ጀሚርካ ዘለኻ፥ ካብ ዘርኢ ኣይሁድ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ፈፂምካ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ኢኻ እምበር፥ ክትስዕሮ ኣይትኽእልን ኢኻ” በልዎ። 14ገና ንሳቶም ምስኡ ኽዛረቡ እንተለዉ፥ እቶም ናይ ንጉስ ስሉባት መፁ፤ ንሃማ ናብቲ ኣስቴር ዘዳለወቶ ምሳሕ ከምፅእዎ ኸዓ ኣሻዀልዎ።
Currently Selected:
ኣስቴር 6: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in