YouVersion Logo
Search Icon

ኣስቴር 5

5
ኣስቴር ንንጉስ ከም ዝለመነቶ
1ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኣስቴር ልብሰ መንግስቲ ተኸዲና ኣብቲ ኣብ መንፅር ቤተ መንግስቲ ዘሎ ውሽጣዊ መካበብያ ደው በለት። እቲ ንጉስ ከዓ ኣብ መንፅር ኣፍ ደገ፥ ኣብ ዙፋን መንግስቱ ኣብ ቤተ መንግስቱ ተቐሚጡ ነበረ። 2ንንግስቲ ኣስቴር ኣብቲ መካበብያ ደው ኢላ ምስ ረአያ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ረኸበት፤ እቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዘንጊ ወርቂ ድማ ዘርግሐላ፤ ኣስቴርውን ቅርብ ኢላ ጫፍ ዘንጉ ነኽአት።
3ሽዑ ንጉስ “ንንግስቲ ኣስቴር፥ እንታይ ኴንኪ ኢኺ? እንታይከ ትደልዪ ኣለኺ? ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይውን እንተ ኾነ ኽወሃበኪ እዩ” በላ።
4ኣስቴር ድማ “ንጉስ ፍቓድካ እንተ ደኣ ኾይኑስ ናብቲ ኣዳልየዮ ዘለኹ ምሳሕ፥ ምስ ሃማ ዄንካ ሎሚ ምፀኒ” በለቶ።
5እቲ ንጉስ ድማ፦ “ኣስቴር ዝበለቶ ምእንቲ ኽግበር፥ ንሃማ ቐልጢፍኩም ፀውዕዎ” በለ። ንጉስን ሃማን ከዓ ናብቲ ኣስቴር ዘዳለወቶ ምሳሕ መፁ። 6ወይኒ እናሰተዩ እንተለዉ፥ ንጉስ ንኣስቴር “ልመናኺ እንታይ እዩ? ምእንቲ ኽወሃበክስ እንታይ እዩ ድልየትኪ? ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይውን እንተ ኾነ ኽወሃበኪ እዩ” በላ።
7-8ኣስቴር ከዓ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ንጉስ ከዓ ልመናይ ክትህበንን ድልየተይ ክትገብርን ፍቓድካ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ ናብቲ ፅባሕ ዝገብሮ ምሳሕ፥ ምስ ሃማ ዄንካ ምፀኒ፤ ሽዑ ኸምቲ ዝጠየቕካኒ፥ ልመናይን ድልየተይን ክነግረካ እየ” ኢላ መለሰት።
ሃማ ንመርዶክዮስ ክቐትል ከም ዝሓሰበ
9በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሃማ ደስ ኢሉዎ፥ ልቡ ኸዓ ተሓጕሱ ኻብቲ ምሳሕ እንትወፅእ እንተሎ መርዶክዮስ ኣብ ደገ ንጉስ ብድድ እንተይበለ፥ ካብኡውን እንተይተነቓነቐ ኾፍ ኢሉ ኸም ዘሕለፎ ምስ ረአየ፥ ኣብ ልዕሊ መርዶክዮስ ቍጥዓ መልኦ። 10ሃማ ግና ንባዕሉ ኣህዲኡ ሓለፈ። ኣብ ቤቱ ምስ ኣተወ ኸዓ ልኢኹ ንፈተውቱን ንዞሳራ ሰበይቱን ክመፁ ፀውዖም። 11ዕቤት ሃብቱን ብዝሒ ደቁን፥ ንጉስ ብዅሉ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘዕበዮን ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቕን ሓሻኽር ንጉስን ልዕል ከም ዘበሎ ነገሮም። 12ወሲኹ ድማ “ንግስቲ ኣስቴር እኳ ናብቲ ዝገበረቶ ምሳሕ ምስ ንጉስ ብዘይ ንኣይ ካልእ ኣይፀውዐትን። ንፅባሕ ድማ ምስ ንጉስ ተፀዊዐ ኣለኹ። 13እንተ ኾነ፥ መርዶክዮስ እቲ ኣይሁዳዊ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኽሳዕ ዘሎ ግና፥ እዝ ዅሉ ደስ ኣየብለንን እዩ” በለ።
14ሽዑ ዞሳራ ሰበይቱን እቶም ፈተውቱ ዅላቶምን ኮይኖም “ዕስራን ክልተን ሜትር ዝምንዋሑ ጕንዲ ኣዳሉ፤ መርዶክዮስ ኣብኡ ኽስቀልስ ፅባሕ ንግሆ ንንጉስ ንገሮ። ድሕሪቱይ ምስ ንጉስ ናብቲ ምሳሕ ደስ ኢሉካ ትኸይድ” በልዎ። እዝ ነገር እዙይ ንሃማ ደስ ኣበሎ እሞ፥ ጕንዲ ኸም ዘዳልዉ ገበረ።

Currently Selected:

ኣስቴር 5: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in