1
ኣስቴር 6:1-2
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እቲ ንጉስ በታ ለይቲ እቲኣ ድቃስ ስኢኑ ሓደረ፤ ነቲ ናይ መንግስቱ መፅሓፍ ዜና መዋእል ከምፅኡሉ ኸዓ ኣዘዘ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስውን ተነበበ። ኣብኡ ኸዓ እቶም ክልተ ናይ ንጉስ ስሉባት ኣጋፈርቲ ሕልፍኚ፥ ገበታን ታራን፥ ንንጉስ ኣርጤክስስ ክቐትልዎ ሻራ ገይሮሙሉ ኸም ዝነበሩ፥ መርዶክዮስ ድማ ኸም ዝነገሮ ተፅሒፉ ተረኽበ።
Compare
Explore ኣስቴር 6:1-2
2
ኣስቴር 6:6
ሃማ ድማ ኣተወ፤ ንጉስ ከዓ “ንጉስ ከኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ እንታይ ክግበረሉ ይግባእ?” ኢሉ ጠየቖ። ሃማ ድማ ብልቡ “ንጉስ ንኣይ እንተ ዘይኮይኑስ ንመን ከኽብር ይደሊ?” ኢሉ ሓሰበ።
Explore ኣስቴር 6:6
3
ኣስቴር 6:10
ሽዑ ንጉስ ንሃማ “ቐልጢፍካ ልብስን ፈረስን ውሰድ፤ ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ዘሎ ኣይሁዳዊ መርዶክዮስ ከምቲ ዝበልካዮ ኸምኡ ግበረሉ። ካብዝ ዝበልካዮ ሓደ እኳ ኣይጕደል” በሎ።
Explore ኣስቴር 6:10
Home
Bible
Plans
Videos