ኣስቴር 7
7
ሞት ሃማ
1ንጉስን ሃማን ከዓ ኽመስሑ ናብ ንግስቲ ኣስቴር መፁ። 2በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ወይኒ ኽሰትዩ እንተለዉ ድማ እቲ ንጉስ መሊሱ ንኣስቴር “ኦ ንግስቲ ኣስቴር፥ ልመናኺ እንታይ እዩ? ኽገብረልኪ ድልየትኪ እንታይ እዩ? ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይውን እንተ ኾነ እኳ፥ ክህበኪ እየ” በላ።
3ሽዑ ንግስቲ ኣስቴር መሊሳ “ኦ ንጉስ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበ፥ ንጉስ ከዓ እንተ ፈቲኻ፥ ኣነን ህዝበይን ብህይወት ክንነብር እየ ዝልምነካ ዘለኹ። 4ኣነን ህዝበይን ንጥፍኣትን ንማሕረድን ንምድምሳስን ተቐሪብና ኢና። ንባርነትን ንግርድነትን ተሼጥና እንተንኸውንስ ስቕ ምበልኩ፤ ንኣኻ ንንጉስውን ኣይመሸገርኩኻን ነይረ። ሕዚ ግና እቲ ፀላኢ ኸጥፍአናን ክድምስሰናን እዩ መዲቡ ዘሎ” በለት።
5ንጉስ ኣርጤክስስ ንንግስቲ ኣስቴር “እቲ ነዙይ ክገብር ዝደፍር መን እዩ? ኣበይከ ኣሎ?” ኢሉ ጠየቓ።
6ኣስቴር ድማ “እቲ ተፃራርን ፀላእንስ እዝ ሕሱም ሃማ እዩ” በለት።
ሽዑ ሃማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ንግስትን ብፍርሓት ኣንቀጥቀጠ። 7ንጉስ ካብቲ ወይኒ ዝሰትየሉ ዝነበረ ብቝጥዓ ተሲኡ፥ ናብ ኣታኽልቲ እቲ ኣዳራሽ ከደ። ሃማ ግና፥ ንጉስ ክቐፅዖ ኸም ዝመደበ ፈሊጡ ስለ ዝነበረ፥ ህይወቱ ኽተምሕሮ ንንግስቲ ኣስቴር ክልምን ኣብኡ ተሪፉ ነበረ። 8እቲ ንጉስ ከዓ ኻብቲ ኣታኽልቲ ኣዳራሽ ናብቲ ወይኒ ዝሰትዩሉ ዝነበሩ ቤት ምስ ተመለሰ፥ ሃማ ናብ ልዕሊ እቲ ኣስቴር ዝነበረቶ ዓራት ወዲቑ ነበረ። ሽዑ እቲ ንጉስ “ሕዝስ ድማ ኣብ ቤተይ ኣብ ቅድመይ ንንግስቲዶ ኽዕምፃ ደልዩ?” በለ። እዝ ቓል እዙይ ካብ ኣፍ ንጉስ ምስ ወፀ፥ ንሃማ ገፁ ሸፈንዎ። 9ሓርቦና፥ ሓደ ካብቶም ስሉባት፥ ንንጉስ “ሃማ ንመርዶክዮስ፥ ነቲ ንንጉስ ካብ ሞት ዘድሓነ ኽሰቕለሉ ኢሉ ዘዳለዎ ዕስራን ክልተን ሜትር ዝምንዋሑ ጕንዲ፥ እንሆ፥ ኣብ ቤት ሃማ ተተኺሉ ኣሎ” በለ። ንጉስ ከዓ “ንሃማ ኣብኡ ስቐልዎ” በሎም። 10ሽዑ ንሃማ ኣብቲ ንመርዶክዮስ ክሰቕለሉ ኢሉ ዘዳለዎ ጕንዲ ሰቐልዎ፤ ቍጥዓ ንጉስውን ዘሓለ።
Currently Selected:
ኣስቴር 7: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in