YouVersion Logo
Search Icon

ዘዳግም 21

21
ቀታሊኡ ዘይፍለጥ ሰብ
1“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ዝተቐትለ ሰብ ኣብ በረኻ ወዲቑ እንተ ተረኽበ፥ ቀታሊኡ ድማ እንተ ዘይተፈልጠ፥ 2ሽዑ ዓበይትኹምን ፈራዶኹምን ከይዶም ካብቲ ሬሳ ዘለዎ ኽሳዕ እተን ኣብ ዙርያኡ ዘለዋ ኸተማታት ዘሎ ርሕቐት ይዓቅኑ። 3ብድሕሪዙይ እቶም ሹመኛታት ናይታ ናብቲ ሬሳ ዝቐረበት ከተማ፥ ንማሕረስ ዘይበቕዐት፥ ተቖሪና ዘይትፈልጥ ዓርሒ ይውሰዱ። 4ናብ ዘይሕረስን ዘይዝራእን ወሓዚ ሩባ ዘለዎ ምድሪ ይውሰድዋ። ኣብቲ ሩባ ኸዓ ነታ ዓርሒ ኽሳዳ ጓዕፂፆም ይስበርዋ። 5ካህናት ደቂ ሌዊ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከገልግልዎ ብስሙውን ክባርኹ ሓርይዎም እዩ እሞ፥ ይቕረቡ። ኵሉ ባእስን ኵሉ ጉድኣትን ከዓ ኸም ቃሎም ይፅናዕ። 6ናብቲ ቕቱል ዝቐረቡ ዅሎም ሹመኛታት እታ ኸተማ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ሩባ ኽሳዳ ዝተሰብረት ዓርሒ ኣእዳዎም ይተሓፀቡ። 7ኣስዒቦም ድማ ‘ኢድና ነዝ ደም እዙይ ኣየፍሰሰትን፥ ዓይንናውን ኣይረኣየትን። 8ኦ እግዚኣብሄር! ነዝ ዝተቤዘኻዮ ህዝብኻ እስራኤል ይቕረ በለሉ፤ በዝ ዝፈሰሰ ንፁህ ደም ድማ ኸም በዳሊ ኣይትቝፀሮ’ ኢሎም ይፀልዩ። በደል ናይቲ ዝፈሰሰ ደም ከዓ ይሕደገሎም። 9ከምዙይ ጌርኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ብምግባርኩም በደል ናይቲ ዝፈሰሰ ንፁህ ደም ካብ ማእኸልኩም ተርሕቑ።
ብዛዕባ ምሩኻት ኣንስቲ
10“ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ምስ ወፃእኹም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ምስ ሃበኩም እንተ ማረኽኩምዎም፥ 11ኣብ መንጎ እቶም ምሩኻት መልክዐኛታት ኣንስቲ እንተ ረአኹም እሞ ኣንስትኹም ክትገብርወን እንተ ደለኹም ተመርዓዉወን። 12ናብ ውሽጢ ኣባይትኹም ኣእትዉወን፤ ርእሰን ይላፀያ፤ ፅፍረንውን ይቈረፃ። 13ነቲ ኽማረኻ እንተለዋ ተኸዲነናኦ ዝነበራ ኽዳውንቲ ይደርብያኦ። ኣብ ኣባይትኹም ይንበራ፤ ነቦአንን ንኖአንን ከዓ ወርሒ ምሉእ ይብከያሎም። ድሕሪዙይ ኣእትዉወን እሞ፥ ንስኻትኩም ሰብኡተን ኩኑ፤ ንሳተን ድማ ኣንስትኹም ይኹና። 14ብድሕሪኡ እንተ ዘይደሊኹምወን፥ ናብ ዝደለያኦ ክኸዳ ስደድወን። ንገንዘብ ግና ኸቶ ኣይትሽጥወን፤ ኣሕሲርኩምወን ኢኹም እሞ፥ ከም ባርያ ኣይትቝፀርወን።
መሰል በዅሪ
15“ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ፥ እታ ሓንቲ ፍትውቲ እታ ሓንቲ ድማ ፅልእቲ እንተ ሃልየናኦ እሞ፥ ክልቲኣተን ውሉድ እንተ ወለዳ፥ እቲ በዅሪ ኸዓ ወዲ እታ ፅልእቲ እንተ ኾነ፥ 16በታ ገንዘቡ ንደቁ ዘውርሰላ መዓልቲ፥ ነቲ በዅሪ ዝኾነ ወዲ እታ ፅልእቲ የውርሶ እምበር፥ ብኣድልዎ ንወዲ እታ ፍትውቲ ኣየውርሶ። 17ንወዲ እታ ፅልእቲ ኻብ ኵሉ ዘለዎ ዕፅፊ ብምሃብ በዅሪ ምዃኑ የፍልጦ። ንሱ ናይ ሓይሉ መጀመርታ ፍረ እዩ እሞ፤ በዅርነት ንእኡ እዩ ዝግባእ።
ዘይእዙዝ ውሉድ
18“ንሓደ ሰብ፥ ህልኸኛን ዓመፀኛን፥ ቃል ኣቦኡን ቃል እኖኡን ዘይሰምዕ፥ እንተ ቐፅዕዎውን ዘይእዘዝ፥ ውሉድ እንተ ሃለዎ፥ 19ኣቦኡን እኖኡን ሒዞም ናብ ሹመኛታት እታ ኸተማኡ ናብ ደገ ባይቶ ይውሰድዎ። 20‘እዝ ወድና እዙይ ህልኸኛን ዓመፀኛን፥ ንቓልና ዘይሰምዕ፥ ስሱዕን ሰካርን እዩ’ ይበልዎም። 21ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ። ክፉእ ንዝኾነ ኻብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ፤ ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ነዙይ ሰሚዖም ክፈርሑ እዮም።
ካልእ ሕግታት
22“ዝኾነ ሰብ፥ ናብ ሞት ዘብፅሕ በደል እንተ ገበረ እሞ፥ ክመውት እንተተፈረዶ፥ ኣብ ዕንፀይቲ ድማ እንተ ሰቐልኩምዎ፥ 23ነቲ ሬሳኡ ሽዑ መዓልቲ ደኣ ቕበርዎ እምበር፥ ኣብ ዕንፀይቲ ኣይሕደር። እቲ ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቕለ ብእግዚኣብሄር ዝተረግመ እዩ እሞ፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ፥ እቲ ሬሳ ኣብ ዕንፀይቲ ብምሕዳሩ ኣይተርክስዋ።” #ገላ. 3፡13።

Currently Selected:

ዘዳግም 21: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in