ዘዳግም 22
22
1“ናይ ሓውኩም ብዕራይ ወይ በጊዕ ጠፊኡ ኾለል ክብል እንተ ረአኹም፥ ናብ እቲ እስራኤላዊ ሓውኩም ምለስዎ እምበር፥ ክጠፍእ ኣይትሕደግዎ። 2እቲ ዋናኡ ኣብ ጥቓኹም እንተ ዘይኮነ፥ ወይ መን ምዃኑ እንተ ዘይፈለጥኩምዎ፥ ነቲ እንስሳ ናብ ቤትኩም ውሰድዎ፤ እቲ ዋናኡ ኽደልዮ ኽሳዕ ዝመፅእ ምሳኻትኩም ይፅናሕ እሞ፥ ምስ መፀ ትህብዎ። 3ከምኡ እውን ናይ ሓደ እስራኤላዊ ሓውኩም ኣድጉ ወይ ክዳኑ ወይ ኣቕሓ ጠፊኡ እንተ ረኸብኩም ከምኡ ግበሩ፤ ክጠፍእውን ኣይትሕደግዎ።
4“ኣድጊ እስራኤላዊ ሓውኩም ወይ ብዕራዩ ኣብ መንገዲ ወዲቑ እንተ ረአኹም፥ ምስኡ ዄንኩም ሓጊዝኩም ኣተስእዎ እምበር ከም ዘይረአኹም ኣይትሕለፉ። #ዘፀ. 23፡4-5።
5“ሰበይቲ፥ ክዳን ሰብኣይ ኣይትከደን፤ ሰብኣይ ከዓ ኽዳን ሰበይቲ ኣይከደን፤ ኵሉ ኸምዙይ ዝገብር ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተፀልአ እዩሞ።
6“ንቕድሜኹም ኣብ መንገዲ፥ ኣብ ዝኾነ ኦም ወይ ኣብ ምድሪ እንዳ ዒፍ ኣብ ልዕሊ ጨቓዊታ ወይ እንቍላሊሓ ሓቚፋ እንተላ፥ ነቶም ጨቓዊት ወይ እንቍላሊሕ ሓቚፋ እንተ ረኸብኩም፥ ነታ እኖ ምስ ጨቓውታ ኣይትውሰዱ። 7ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ መዋእልኩም ከዓ ኽነውሕ፥ ነታ እኖ ኽትከይድ ስደድዋ፤ ነቶም ጨቓዊት ግና ንኣኻትኩም ውሰድዎም።
8“ሓድሽ ገዛ ኽትሰርሑ እንተለኹም፥ ሰብ ካብኡ ኸይፀድፍ እሞ ንቤትኩም ናይ ደም በደል ከይተምፅኡላ ንናሕስኹም መደገፊ ግበሩሉ።
9“ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኹም፥ እቲ ዝዘራእኹምዎ ዘርኢ ምስቲ ፍረ ወይኒ ሓቢሩ ኸይጠፍአኩም #22፡9 ሓቢሩ ኸይጠፍአኩም፦ ወይ “ንመቕደስ ከይወሃብ” ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝርኡ።
10“ብዕራይን ኣድግን ብሓደ ፀሚድኩም ኣይትሕረሱ።
11“ካብ ፀጕሪ በጊዕን ልሕፂ እንጣጢዕን ተሓዊሱ ዝተኣለመ ዓለባ ኣይትከደኑ። #ዘሌ. 19፡19።
12“እቲ እትኽደንዎ ኽዳንኩም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ዘፈር ግበሩሉ። #ዘሑ. 15፡37-41።
መውስቦን ንፅህናን
13“ሓደ ሰብ ጓል ተመርዕዩ፥ ምስ ኣእተዋ እንተ ፀልኣ፥ 14እንተ ኣፀለማ፥ ‘ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ተመርዕየያ፥ ምስ ቀረብክዋ ግና ድንግልና ኣይረኸብኩላን’ ኢሉ ብሓሰት ክፉእ ስም እንተ ኣውፅአላ፥ 15ሽዑ ኣቦ እታ ጓልን እኖኣን፥ እታ ጓል ብድንግልና ኸም ዝፀንሐት መረዳእታ ናብ ሹመኛታት እታ ኸተማ ናብ ባይቶ የቕርቡ። 16ኣቦ እታ ጓል ከዓ ነቶም ሹመኛታት ‘ነዝ ሰብኣይ እዙይ ጓለይ ሰበይቱ ኽትከውን ሃብክዎ፤ ንሱ ግና ፀልኣ። 17እንሆ ድማ ንጓለይ “ድንግልና ኣይረኸብኩላን” ኢሉ ኣካፍኣ። መረዳእታ ድንግልና ጓለይ ግና እንሆ እዝ መንፀፋ እዩ’ ይበሎም። ነቲ ኽዳና ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ሹመኛታት እታ ኸተማ ይዘርግሕዎ። 18ሽዑ እቶም ሹመኛታት እታ ኸተማ ነቲ ሰብኣይ ወሲዶም ይቕፅዕዎ። 19ንሓንቲ እስራኤላዊት ድንግል ክፉእ ስም ስለ ዘውፅአላ ሚእቲ ቅርሺ ብሩር የዕድይዎ። እቲ ገንዘብ ድማ ነቦ እታ ጓል ይሃብዎ። ንሳ ግና ናብ ሰብኣያ ትመለስ፥ ብዅሉ ዘመን ህይወቱውን ኣይፍትሓያ።
20“እቲ ነገር ሓቂ እንተ ኾይኑ ግና፥ እታ ጓል ድንግልና እንተ ዘይተረኽባ፥ 21ሽዑ ነታ ጓል ናብ ደገ ቤት ኣቦኣ የውፅእዋ፥ ኣብ ቤት ኣቦኣ እንተላ ብምምንዛራ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት፥ እቶም ሰብ እታ ኸተማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዋ፤ ክፉእ ዝኾነ ዅሉ ኻብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።
22“ሰብኣይ፥ ምስ ሰበይቲ ሰብኣይ ደቂሱ እንተ ተረኽበ፥ እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይቀተሉ፤ ነቲ ኽፉእውን ካብ እስራኤል ኣርሕቕዎ።
23“ንሰብኣይ ዝተሓፅየት ድንግል፥ ካልእ ሰብኣይ ከዓ ኣብ ከተማ ረኺብዋ ምስኣ እንተ ደቀሰ፥ 24እታ ጓል፥ ኣብ ከተማ እንተላ ስለ ዘየእወየት፥ እቲ ሰብኣይ ከዓ፥ ሰበይቲ ብፃዩ ስለ ዘነወረ፥ ንኽልቲኦም ናብ ደገ እታ ኸተማ እቲኣ ኣውፂእኹም፥ ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቅተልዎም፤ ነቲ ኽፉእውን ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።
25“ግና እቲ ሰብኣይ ነታ ሕፅይቲ ጓል ኣብ በረኻ እንተ ረኸባ እሞ ብሓይሊ እንተ ዓመፃ፥ ሽዑ እቲ ዝዓመፃ ሰብኣይ በይኑ ይቀተል። 26ኣብ ልዕሊ እታ ጓል ግና ኽፉእ ኣይትግበሩ። እዝ ሰብኣይ ንብፃዩ ተሲኡ ዳርጋ ዝቐተሎ እዩ እሞ፥ እታ ጓል ናብ ሞት ዘብፅሕ በደል የብላን። 27ዝረኸባ ደኣ ኣብ በረኻ ኾይኑ እዩ እምበር፥ ንሳ፥ እታ ሕፅይቲ ጓልስ ኣእውያ ነይራ እያ፤ ዘናግፋ ግና ኣይተረኽበን።
28“ሓደ ሰብ ሓንቲ ዘይተሓፅየት ድንግል ጓል እንተ ረኸበ እሞ እንተ ዓመፃ፥ ሽዑ ኸዓ እንተ ተረኽቡ፥ 29እቲ ዝዓመፃ ሰብኣይ ነቲ ኣቦ ጓል ሓምሳ ቕርሺ ብሩር ይሃቦ። ኣነዊርዋ እዩ እሞ ሰበይቱ ትኹን። ብዅሉ ዘመኑ ድማ ኣይፍትሓያ። #ዘፀ. 22፡16-17።
30“ሓደ ሰብ ሰበይቲ ኣቦኡ ኣየእቱ፥ ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ብምድቃስ ነቦኡ ኣየነውሮ።” #ዘሌ. 18፡8፥ 2፡11፥ ዘዳ. 27፡20።
Currently Selected:
ዘዳግም 22: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in