YouVersion Logo
Search Icon

ዘዳግም 20

20
ብዛዕባ ውግእ
1“ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ምስ ወፃእኹም፥ ኣፍራስን ሰረገላታትን ካባኻትኩም ዝበዝሕ ሰራዊትን እንተ ረአኹም፥ እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም እዩ እሞ፥ ኣይትፍርሕዎም። 2ናብ ውግእ ምስ ቀረብኩም እቲ ኻህን ነቲ ሰራዊት 3-4‘ኦ ህዝቢ እስራኤል! ስምዑ፤ ሎሚ ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ቐሪብኩም ኣለኹም፤ እቲ ምእንቲ ኸድሕነኩም፥ ምስ ፀላእትኹምውን ክዋጋእ ምሳኻትኩም ዝኸይድ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ እሞ፥ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይትፍርሑ፤ ኣይትደንግፁ፤ ኣብ ቅድሚኣቶምውን ኣይትጃጅዉ’ ይበል።
5“እቶም ኣሕሉቕ ድማ ነቶም ህዝቢ ‘ሓድሽ ገዛ ዝሰርሐ ሰብ እሞ ዘየመረቖ መን ኣሎ? ኣብቲ ውግእ ከይመውት እሞ ኻልእ ሰብ ከየመርቖስ ይኺድ፤ ናብ ቤቱ ድማ ይመለስ። 6ወይኒ ዝተኸለ ሰብ እሞ ፍረኡ ዘይበልዐ፥ ኣብ ውግእ ከይመውት፥ ካልእ ሰብ ድማ ኸይሕጐሰሉስ ይኺድ፤ ናብ ቤቱውን ይመለስ። 7ጓል ዝተሓፅየ ሰብ እሞ ዘይተመርዓዋ መን ኣሎ? ኣብ ውግእ ከይመውት እሞ ኻልእ ሰብ ከይምርዐዋስ ይኺድ፤ ናብ ቤቱውን ይመለስ’ ኢሎም ይዛረብዎም። 8እቶም ኣሕሉቕ ከዓ ወሲኾም ነቶም ህዝቢ፦ ‘ፈራሕ ሰብ፥ ልቡ ዝጃጁ መን ኣሎ? ኸምቲ ልቡ፥ ልቢ ኣሕዋቱ ኸዓ ኸየሸብርስ፥ ይኺድ፤ ናብ ቤቱውን ይመለስ’ ይበልዎም። 9እቶም ኣሕሉቕ ነቲ ህዝቢ ተዛሪቦም ምስ ወድኡ፥ ኣብ ርእሲ እቲ ህዝቢ፥ ኣሕሉቕ ይሹሙ።
10“ንሓንቲ ኸተማ ኽትዋግእዋ ኢልኩም ምስ ቀረብኩም፥ ቅድም ንዕርቂ ፀውዕዋ። 11እቶም ህዝቢ ብሰላም ደገ እንተ ኸፈቱልኩም፥ ኵሎም እቶም ኣብኣ ዝተረኽቡ ግዙኣትኩም ይኹኑ እሞ የገልግሉኹም። 12ዕርቂ ኣብዮም ክዋግኡ እንተ ደለዩ ግና ነታ ኸተማ ኽበብዋ። 13እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ምስ ሃበኩም ድማ፥ ንዅሉ ተባዕታይ ብስሕለት ሰይፊ ቕተልዎ። 14ኣንስትን ህፃናትን እንስሳን፥ ኣብታ ኸተማ ዘሎ ዅሉ ምርኮኣን ንኣኻትኩም ውሰድዎ። እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ምርኮ ፀላእትኹም ከዓ ኽትበልዑ ኢኹም። 15ነተን ካባኻትኩም የመና ዝረሓቓ ዅለን ከተማታት፥ ካብ ከተማታት እዞም እትወርስዎም ዘለኹም ኣህዛብ ዘይኮናውን፥ ከምኡ ግበርወን።
16“ካብዘን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ከተማታት እዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ግና፥ እስትንፋስ ዘለዎ ሓደ እኳ ብህይወት ኣይትሕደጉ። 17-18ንኬጢያውያንን ንኣሞራውያንን ንከነዓናውያንን ንፈሪዛውያንን ንሔዋውያንን ንኢያቡሳውያንን ግና፥ ከምቲ ዅሉ ንኣማልኽቶም ዝገብርዎ ርኽሰቶም ንምግባር ምእንቲ ኸይምህሩኹም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትብድሉስ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም፥ ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም።
19“ንሓንቲ ኸተማ፥ ምእንቲ ኽትሕዝዋ ብዙሕ መዓልቲ እንትትከብዋ፥ ኣእዋማ ብማሕፀ ኣይትቝረፁ። ካብኣተን ፍረ ኽትበልዑ ኢኹም እሞ፥ ኣይትቝረፅወን። ዝዋግኡኹም ሰባት እምበር ኣእዋም ኣይኮኑንሞ። 20እተን ከም ዘይብልዓ እትፈልጡወን ኣእዋም ጥራሕ ቍረፁ። እታ እትዋግእዋ ኸተማ ኽሳዕ እትወድቕ፥ ብእኡ ጌርኩም መኽበቢኣ ስርሑ።”

Currently Selected:

ዘዳግም 20: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in