YouVersion Logo
Search Icon

ዘዳግም 18

18
ብፅሒት ካህናት
1“ነቶም ካብ ነገድ ሌዊ ዝኾኑ ኻህናት ሌዋውያን ኣብ እስራኤል ግደን ርስትን ኣይሃልዎም፤ ክንድኡ ግና ነቲ ብሓዊ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእትን መባእን ይመገቡ፤ ንሱ ርስቶም እዩ እሞ። 2ምስ ኣሕዋቶም ከዓ ርስቲ ኣይሃልዎም፤ ግና፥ ከምቲ ዘተስፈዎም፥ ርስቶም እግዚኣብሄር እዩ። #ዘሑ. 18፡20።
3“ካብቶም ብዕራይ ኮነ በጊዕ ዝስውኡ ህዝቢ ከዓ፦ ኢድን ምንጋጋን ከስዐን፥ ንኻህናት እዩ ዝግባእ። 4-5እቶም ካህናት ምስ ደቆም ኵልሻዕ ብስም እግዚኣብሄር ንምግልጋል ክቖሙ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ኵሎም ነገዳትኩም ንኣኣቶም ሓርይዎም እዩ እሞ፥ ቀዳማይ ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን፥ ቀዳማይ ፀጕሪ በጊዕኹምንውን ንኣኣቶም ሃብዎም።
6“ሓደ ሌዋዊ ኻብታ ዝነብረላ ኸተማ እስራኤል ናብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ ብድሌቱ እንተ መፀ፥ 7ከምቶም ንእግዚኣብሄር ዘገልግሉ ሌዋውያን ኣሕዋቱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ የገልግል። 8ብዘይ እቲ ኻብ ኣቦታቱ ዝተሸጠ ሃብቱ፥ ምስቶም ካልኦት ካህናት ማዕረ ተኻፊሉ ይውሰድ።
ፅዩፍ ግብርታት ኣህዛብ
9“ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ነቲ እቶም ኣህዛብ ዝገብርዎ ርኹስ ነገራት ከይትመሃሩ ተጠንቀቑ። 10ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዝስውእ፥ ወይ መውደቕ ዛዕጐል፥ ወይ ብደመናን ብተመንን ዝጥንቍል፥ ወይ ኣስማተኛ፥ #ዘሌ. 19፡26፥ ዘፀ. 22፡18። 11ወይ ብድግምቲ ዝጥንቍል፥ መናፍስቲ ዝፅውዕ፥ ወይ ጠንቋሊ፥ ወይ መንፈስ ምዉታን ዝፅውዕ፥ ኣብ ማእኸልኩም ኣይሃሉ። #ዘሌ. 19፡31። 12እዝ ነገር እዙይ ዝገብር ኵሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርኹስ እዩ። ብሰንኪ እዝ ርኽሰት እዙይ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቶም ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ዘሎ። 13ንስኻትኩም ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍፁማት ኩኑ። #ማቴ. 5፡48።
ብዛዕባ እቲ ዝመፅእ ነቢይ
14“እቶም ንስኻትኩም እትወርስዎም ኣህዛብ፥ ስብሒ ንዝገልፁን ንጠንቈልትን እዮም ዝሰምዑ፤ ንኣኻትኩም ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምዙይ ዝበለ ኸይትገብሩ ኸልከለኩም። 15እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ መንጎ ኣሕዋትኩም፥ ካብ ህዝብኹም፥ ከማይ ዝበለ ነቢይ ከተስአልኩም እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ። #ግ.ሓ. 3፡22፥ 7፡37። 16በታ ኣብ ኮሬብ ዝተኣከብኩምላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ‘ምእንቲ ኸይንመውት መሊስና ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይንስማዕ፤ እዝ ዓብዪ ሓዊ እዙይ ድማ ደጊም ኣይንርአ’ ኢልኩም ለመንኩምዎ።
17“እግዚኣብሄር ከዓ ‘እቲ ዝተዛረብዎ ፅቡቕ እዩ በለኒ። 18ከማኻ ዝበለ ነቢይ ኻብ ማእኸል ኣሕዋቶም ከተስአሎም እየ፤ ቃለይ ኣብ ኣፉ ኽገብር እየ፤ ኵሉ ዝኣዘዝክዎ ድማ ኽነግሮም እዩ። 19ብስመይ ክዛረብ እዩ፤ ንእኡ ምስማዕ ዝኣበየ ሰብ ግና ኽቐፅዖ እየ። #ግ.ሓ. 3፡23። 20ግና ኣነ ዘይኣዘዝክዎ ብድፍረቱ ብስመይ ዝዛረብ ነቢይ፥ ወይ ብስም ካልኦት ኣማልኽቲ ዝዛረብ ነቢይ፥ ይቀተል’ በለኒ።
21“ብልብኹም ድማ ‘እቲ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ነገር ከመይ ጌርና ንፈልጦ?’ እንተ በልኩም፥ 22እቲ ነቢይ ብስም እግዚኣብሄር ምስ ተዛረበ፥ እቲ ነገር እንተ ዘይኮነ፥ ወይ እንተ ዘይተፈፀመ፥ እቲ ነገር፥ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ምዃኑ ምልክት ይኹንኩም። እዙይ እቲ ነቢይ ባዕሉ ዝተዛረቦ እዩ፤ ኣይትፍርሕዎ።”

Currently Selected:

ዘዳግም 18: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in