ዘዳግም 19
19
መዕቘቢ ዝኾና ኸተማታት
(ዘሑ. 35፡9-34፥ ኢያሱ 20፡1-9)
1“ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምድሮም ዝህበኩም ኣህዛብ፥ ምስ ኣጥፍኦም እሞ ምስ ወረስኩምዎም፥ ኣብ ከተማታቶምን ኣብ ኣባይቶምን ድማ ምስ ተቐመጥኩም፥ 2ኣብ ማእኸል እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትወርስዎ ዝህበኩም ምድሪ ሰለስተ ኸተማታት ንባዕልኹም ፍለዩ። 3ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ወሰን ምድሪኹም ኣብ ሰለስተ ምቐልዎ፤ ነፍሲ ወከፍ፥ ሰብ ዝቐተለ ናብኣተን ምህዳም ምእንቲ ክኽእል ከዓ ናብተን ከተማታት ዝወስድ መንገዲ ፅረጉ።”
4ብዛዕባ ቐታሊ ነፍሲ ዝግበር እዙይ እዩ፦ “ናብኣተን ዝሃድም ቐታሊ ሰብ ዝድሕን ከዓ፥ ቅድም ኢሉ ፅልኢ ዘይነበሮ እሞ ብዘይ ምፍላጥ ንብፃዩ እንተ ቐተለ እዩ። 5ንኣብነት ዕንፀይቲ ኽቘርፅ ምስ ብፃዩ ናብ ዱር እንተ ወፈረ፥ ኦም ክቘርፅ ኢሉ ማሕፀ ብኢዱ ወስ እንተ ኣበለ፥ እቲ ሓፂን ከዓ ኻብ ሓኽሊ ነፂሉ ነቲ ብፃዩ እንተ ወቕዖሞ፥ እንተ ሞተ፥ ናብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታት እቲኣተን ሃዲሙ ብህይወት ይንበር። 6እታ መዕቘቢት ዝኾነት ከተማ ሓንቲ ጥራሕ እንተ ኾነት ግና ርሕቕቲ ኽትከውን ስለ እትኽእል፥ እቲ ፈዳዪ ሕነ ኣርኪቡ ብንደት ክቐትሎ ይኽእል እዩ። እቲ ቐታሊ ሰብ ቅድም ኢሉ ፅልኢ ስለ ዘይነበሮ ሞት ኣይግብኦን እዩ። 7ስለዙይ ኣነ ‘ሰለስተ ኸተማ ፍለዩ’ ኢለ እእዝዘኩም ኣለኹ።
8“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም፥ ምድሪኹም ምስ ኣግፍሐልኩም፥ እቲ ነቦታትኩም ክህቦም ዘተስፈዎም፥ ኵላ እታ ምድሪ ምስ ሃበኩም፥ 9ኵሉ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዝ ተጠንቂቕኩም እንተ ፈፂምኩምዎ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ኣፍቂርኩምዎ፥ ኵልሻዕ ድማ ብመንገዱ እንተ ኼድኩም፥ ሽዑ ኣብ ልዕሊ እዘን ሰለስተ ኸተማታት እዚኣተን ንኣኻትኩም ካልኦት ሰለስተ ኸተማታት ኽትውስኹ ኢኹም። 10እዙይ ከዓ ኣብ ማእኸል እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትወርስዋ ዝህበኩም ምድሪ ንፁህ ደም ምእንቲ ኸይፈስስ እሞ ብደም ተሓተትቲ ኸይትኾኑ እዩ።
11“ግና ሓደ ሰብ ንብፃዩ እንተ ፀልኦ፥ ኣድብዩ ፀኒሑ ድማ ኽሳዕ ዝመውት እንተወቕዖ፥ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ከዓ እንተ ሃደመ፥ 12ሽዑ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ልኢኾም ካብኣ ይውሰድዎ፤ ናብ ኢድ እቲ ፈዳዪ ደም ድማ ኣሕሊፎም ይሃብዎ እሞ ይቀተል። 13ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ነቲ ንፁህ ደም ዘፍሰሰ ኻብ እስራኤል ኣወግድዎ እምበር ዓይንኹም ኣይተናሕስየሉ። #ኢያሱ 20፡1-9።
14“ኣብቲ እትወርስዎ ርስትኹም፥ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትወርስዋ ዝህበኩም ምድሪ፥ ንኣኻትኩም ኣብ ልዕሊ እቲ ዝመሓላለፈልኩም ርስቲ እቶም ቀዳሞት ዝደረትዎ፥ ደረት ብፃይኩም ኣይትድፍኡ።” #ዘዳ. 27፡17።
መሰኻክር
15“ዝኾነ በደል ወይ ሓጢኣት እንተ ተፈፀመ፥ ብሓደ ምስክር ኣይፅናዕ። ኵሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ ምስክር ይፅናዕ። #ዘሑ. 35፡30፥ ዘዳ. 17፡6፥ ማቴ. 18፡16፥ ዮሓ. 8፡17፥ 2 ቆሮ. 13፡1፥ 1 ጢሞ. 5፡19፥ ዕብ. 10፡28።
16“ሓደ ሰብ ብሓሰት ንኻልእ ሰብ እንተ ኸሰሰ፥ 17ክልቲኦም ተበኣስቲ ኣብ ቅድሚ ኻህናትን ኣብ ቅድሚ ፈራዶን ኣብቲ ስም እግዚኣብሄር ዝፅወዐሉ ቦታ ይቑሙ። 18እቶም ፈራዶ ድማ ኣፀቢቖም ይመርምሩ። እቲ ኸሳሲ፥ ንሓዉ ዝኸሰሰ፥ ብሓሰት እንተ ኾይኑ 19ሽዑ ኸምቲ ንሓዉ ኽገብሮ ዝሓሰበ፥ ግበርዎ። ነቲ ኽፉእ ድማ ኻብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ። 20እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ኸዓ ኽሰምዑን ክፈርሑን እዮም፤ ድሕሪ ደጊም ከምዙይ ዝበለ ኽፉእ ነገርውን ኣብ ማእኸልኩም ኣይገብሩን እዮም። 21ነፍሲ፥ ክንዲ ነፍሲ፥ ዓይኒ፥ ክንዲ ዓይኒ፥ ስኒ፥ ክንዲ ስኒ፥ ኢድ፥ ክንዲ ኢድ፥ እግሪ፥ ክንዲ እግሪ ፍደይዎ እምበር ኣይተናሕስዩ።” #ዘፀ. 21፡23-25፥ ዘሌ. 24፡19-20፥ ማቴ. 5፡38።
Currently Selected:
ዘዳግም 19: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in