1
ዘዳግም 18:10-11
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዝስውእ፥ ወይ መውደቕ ዛዕጐል፥ ወይ ብደመናን ብተመንን ዝጥንቍል፥ ወይ ኣስማተኛ፥ ወይ ብድግምቲ ዝጥንቍል፥ መናፍስቲ ዝፅውዕ፥ ወይ ጠንቋሊ፥ ወይ መንፈስ ምዉታን ዝፅውዕ፥ ኣብ ማእኸልኩም ኣይሃሉ።
Compare
Explore ዘዳግም 18:10-11
2
ዘዳግም 18:12
እዝ ነገር እዙይ ዝገብር ኵሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርኹስ እዩ። ብሰንኪ እዝ ርኽሰት እዙይ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቶም ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ዘሎ።
Explore ዘዳግም 18:12
3
ዘዳግም 18:22
እቲ ነቢይ ብስም እግዚኣብሄር ምስ ተዛረበ፥ እቲ ነገር እንተ ዘይኮነ፥ ወይ እንተ ዘይተፈፀመ፥ እቲ ነገር፥ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ምዃኑ ምልክት ይኹንኩም። እዙይ እቲ ነቢይ ባዕሉ ዝተዛረቦ እዩ፤ ኣይትፍርሕዎ።”
Explore ዘዳግም 18:22
4
ዘዳግም 18:13
ንስኻትኩም ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍፁማት ኩኑ።
Explore ዘዳግም 18:13
Home
Bible
Plans
Videos