ዘዳግም 17
17
1“ብዕራይ ኮነ በጊዕ፥ ኣበር ዘለዎ ወይ ጐደሎ ዘለዎ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅዩፍ እዩ እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይትሰውእዎ።
2“ካብ ማእኸልኩም ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ሓንቲ ኻብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ከተማታት፥ ኪዳኑ ብምፍራሱ፥ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገብር እንተ ተረኽበ፥ 3ከይዱ ኸዓ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ብምጥሓስ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ንፀሓይ ወይ ንወርሒ ወይ ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ እንተ ኣምለኾምን እንተ ሰገደሎምን፥ #ዘፀ. 22፡20። 4እዙይ ከዓ እንተ ነገሩኹም፥ ኣፀቢቕኩም መርምሩ። ከምዙይ ዝበለ ርኽሰት ኣብ እስራኤል ከም ዝተገብረ፥ ነገሩ ብርግፅ ሓቂ እንተ ኾይኑ፥ 5ሽዑ ነቲ እዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ዝገበረ ሰብኣይ ወይ ነታ ሰበይቲ ኻብ ከተማታትኩም ኣውፂእኹም ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቅተልዎ። 6እቲ ዝቕተል ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ ምስክር ይቀተል፤ ብኣፍ ሓደ ምስክር ጥራሕ ግና ኣይቀተል። #ዘሑ. 35፡30፥ ዘዳ. 19፡15፥ ማቴ. 18፡16፥ 2 ቆሮ. 13፡1፥ 1 ጢሞ. 5፡19፥ ዕብ. 10፡28። 7ንምቕታሉ ቕድም እቶም መሰኻኽር፥ ደሓር ከዓ ዅሉ እቲ ህዝቢ እምኒ ይደርብየሉ። ከምዙይ ጌርኩም ንኽፉእ ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ። #1 ቆሮ. 5፡13።
ኣብያተ ፍርዲ
8“ኣብ መንጎ ደምን፥ ደምን፥ ኣብ መንጎ ፍርድን፥ ፍርድን፥ ኣብ መንጎ ምቝሳልን፥ ምቝሳልን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም ሰባት ስለ ዝከራኸርዎ ኽርክር ንምፍራድ ዝፀገመኩም እንተ ሃልዩ፥ ተሲእኹም ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ ኺዱ። 9ናብቶም ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናትን ናብቲ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ዘሎ ፈራድን ኣቲኹም ጠይቕዎም፤ ንሳቶም ከዓ እቲ ናይ ፍርዲ ነገር ክነግሩኹም እዮም። 10ከምቲ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ ዝነገሩኹም ነገር ግበሩ፤ ከምቲ ዝመሃሩኹም ኵሉ ተጠንቂቕኩም ግበሩ። 11ከምቲ ዝመሃሩኹም ሕግን ከምቲ ዝነገሩኹም ፍርድን ግበሩ። ካብቲ ዝገለፁልኩም ነገር ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይትበሉ። 12ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከገልግል ደው ዝብል ካህን ወይ ነቲ ፈራዲ ተዓብዩ ምስማዕ ዝኣብዮ ሰብ ይቀተል። ከምዙይ ጌርኩም ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቕዎ። 13ኵሉ ህዝቢ ድማ ሰሚዑ ኽፈርሕ እዩ፤ መሊሱውን ኣይዕበን እዩ።
ንጉስ
14“ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ኣቲኹም ምስ ወረስኩምዋን ምስ ተቐመጥኩምዋን፥ ‘ከምቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት፥ ንጉስ ኣብ ልዕሌና ነንግስ’ እንተ በልኩም፥ #1 ሳሙ. 8፡5። 15ሽዑ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓርዮ ኸም ዝነግስ ግበሩ። ካብ ህዝብኹም ደኣ ኣንግሱ እምበር ጓና ኣይተንግሱ። 16እቲ ንጉስ ኣፍራስ ኣየብዝሕ፤ ኣፍራስ ምእንቲ ኸብዝሕ ኢሉ ኸዓ፥ ናብ ግብፂ ሰብ ኣይልኣኽ። እግዚኣብሄር ‘ድሕሪ ደጊም ነዛ መንገዲ እዚኣ ኣይትመለስዋ’ ኢሉኩም እዩ። #1 ነገ. 10፡28፥ 2 ዜና. 1፡16፥ 9፡28። 17ልቡ ምእንቲ ኸይስሕት ኣንስቲ ንባዕሉ ኣየብዝሕ። ወርቅን ብሩርን ከዓ እምብዛ ኣይኣክብ። #1 ነገ. 10፡28፥ 2 ዜና. 1፡16፥ 9፡28።
18“ኣብ ዙፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ፥ ካብቲ ምስቶም ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናት ዘሎ ሕጊ፥ ንእኡ ዝኸውን ቀዲሑ ኣብ መፅሓፍ ይፅሓፍ። 19-20ፍርሓት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኽመሃር፥ ካብ ኣሕዋቱ ዝበለፀ ኾይኑ ኸይስምዖ፥ ካብቲ ትእዛዝ ከዓ ንየማን ኮነ ንፀጋም ከይብል፥ ንሱን ደቁን ኣብ ማእኸል እስራኤል መዓልቲታት መንግስቶም ምእንቲ ኽነውሕ፥ ናይዝ ሕጊ እዙይ ቃልን እዝ ትእዛዛት እዙይን ተጠንቂቑ ምእንቲ ኽፍፅም እቲ መፅሓፍ ምስኡ ይኹን፤ ብዅሉ መዋእል ህይወቱውን የንብቦ።”
Currently Selected:
ዘዳግም 17: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in