ዘዳግም 11
11
ንእግዚኣብሄር ምፍቃርን ምእዛዝን
1“ደጊም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ሕግጋቱን ፍርድታቱን ትእዛዛቱንውን ኵልሻዕ ሓልዉ። 2ነቶም ተግሳፅ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘይፈለጡን ዘይረአዩን ደቅኹም ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ እሞ፥ ነቲ ግርማኡን ሓያል ኢዱን ዝርግሕቲ ቕልፅሙን ሎሚ ዘክሩ። 3ነቲ ኣብ ማእኸል ግብፂ፥ ኣብ ንጉስ ግብፂ ፈርዖንን ኣብ ኵላ ሃገሩን ዝገበሮ ምልክታቱን ግብርታቱን ዘክሩ። #ዘሑ. 7፡8-12፥13። 4ነቲ ኣብ ሰራዊት ግብፅን ኣብ ኣፍራሶምን ሰረገላታቶምን ዝገበሮ፥ ከሳጕጉኹም እንተለዉ፥ ብማይ ባሕሪ ኤርትራ ኸም ዝደፈኖም፥ ፈፂሙ ድማ ኸም ዘጥፍኦም ዘክሩ። #ዘፀ. 14፡28። 5ንስኻትኩም ከዓ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትበፅሑ፥ እቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝገበረልኩም ዘክሩ። 6እቲ ንዳታንን ንኣቤሮንን ደቂ ኤልያብ ወዲ ሮቤል፥ ምስ ስድራኦምን ድንኳናቶምን ምስ ኵሉ ዝስዕቦም ዝነበረ ህይወት ዘለዎ ፍጥረትን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ደቂ እስራኤል እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ኽትውሕጦም ከም ዝገበረ ሎሚ ዘክሩ። #ዘሑ. 16፡31-32። 7እቲ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ዅሉ ዓበይቲ ግብርታት በዒንትኹም ዝረአኹም ንስኻትኩም ኢኹም።
8“እምበኣር ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት ሓልውዎ፤ ሽዑ ኽትሕይሉ፥ ናብታ ንዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትወርስዋ ዘለኩም ምድሪ ኸዓ ኽትኣትዉ ኢኹም። 9ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩምን ንዘርኦምን ክህቦም ዝመሓለሎም፥ ኣብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽነውሕ፥ እዝ ሎሚ ንኣኻትኩም ዝእዝዞ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛት ሓልዉ። 10እታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ምድሪ፥ ከምታ ሓዲግኩምዋ ዝወፃእኹም ምድሪ ግብፂ፥ ነቲ ኣብኣ ዝዘራእኻዩ ዘርኢ ኸም ኣታኽልቲ ሓምሊ ብእግርኻ እተስትዮ ኣይኮነትን። ኣብ ምድሪ ግብፂ ዘርኢ ምስ ዘራእኹም ነታኽልቲ ብመስኖ ኽተስትይዎ ላዕልን ታሕትን ብምምልላስ ትደኽሙ ነበርኩም። 11እታ ንፈለግ ዮርዳኖስ ሰጊርኩም እትወርስዋ ምድሪ ግና፥ ካብ ሰማይ ዝዘነመ ማይ እትሰቲ፥ ምድሪ እምባታትን ለሰን እያ። 12ንሳስ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝምልከታ ሃገር እያ። ካብ መጀመርታ ዓመት ክሳዕ መወዳእታ ዓመት ዓይኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኵልሻዕ ኣብኣ እዩ።
13“ከምዙይ ድማ ክኸውን እዩ፤ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ድማ ኣገልግልዎ። 14ከምዙይ እንተ ደኣ ጌርኩም ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን ምእንቲ ኽትእክቡ፥ ንምድሪኹም ዝናም ፅድያን ክረምትን ክህበኩም እየ። 15ኣብ ገራሁኹም ድማ ንእንስሳኻትኩም ሳዕሪ ኽህብ እየ፤ ክትበልዑን ክትፀግቡንውን ኢኹም።
16“ሽዑ ልብኹም ከይስሕት፥ ኣግሊስኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸይተምልኹን ከይትሰግዱሎምን ንርእስኹም ተጠንቀቑ። 17እንተ ደኣ ሰጊድኩምሎም ግና ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ክወርድ እዩ፤ ንሰማይ ዝናም ከየዝንምውን ክዓፅዎ እዩ፤ ምድሪ ድማ ፍረኣ ኣይትህብን እያ፤ ንስኻትኩም ድማ ኻብታ እግዚኣብሄር ዝህበኩም ልምዕቲ ምድሪ ቐልጢፍኩም ክትጠፍኡ ኢኹም። #ዘሌ. 26፡3-5፥ ዘዳ. 7፡12-16፥ 28፡1-14። 18ነዝ ትእዛዝ እዙይ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን ኣንብርዎ፤ ንምልክት ከዓ ኣብ ኣእዳውኩም እሰርዎ፤ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ድማ ኽታብ ይኹን። 19ኣብ ቤትኩም ኮፍ ምስ በልኩም፥ ኣብ መንገዲ ኽትከዱ እንተለኹምን ኣብ ምድቃስኩምን ኣብ ምትሳእኹምን ብእኡ እናተዛረብኩም፥ ንደቅኹም መሃርዎም። 20ኣብ ድርኵዂት ገዛኹምን ኣብ ማዕፆኹምን ከዓ ፀሓፍዎ። #ዘዳ. 6፡6-9። 21ሽዑ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ዕድመኹምን ዕድመ ደቅኹምን ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዘሎ ዘመን ሰማይ ምእንቲ ኽነውሕ እዩ።
22“ነዝ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛት ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ብዅሉ መንገድታቱ ተመላለሱ፥ ናብኡ ኸዓ ቕረቡ። 23ሽዑ እግዚኣብሄር ነዞም ኵሎም ኣህዛብ ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም እዩ። ንስኻትኩምውን ካባኻትኩም ንዝዓብዩን ንዝሕይሉን ኣህዛብ ክትወርሱ ኢኹም። 24ኵላ እግርኹም ዝረገፃ ቦታ ናታትኩም ክትከውን እያ፤ ወሰንኩም ድማ ኣብ ምድረ በዳ፥ ክሳዕ ሊባኖስ፥ ኣብቲ ዓብዪ ፈለግ ካብ ኤፍራጥስ፥ ጀሚሩ ኽሳዕ ባሕሪ ምዕራብ ክኸውን እዩ። 25ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝበለኩም፥ ኣብ ኵላ እትኸድዋ ምድሪ ኽፈርሑኹምን ብኣኻትኩም ክድንግፁን እዮም እሞ፥ ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ዝብል የለን። #ኢያሱ 1፡3-5።
26“እንሆ፥ ሎሚ በረከትን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኣንብር ኣለኹ። 27እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰሚዕኹም ክትባረኹ ኢኹም። 28ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ካብዛ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ መንገዲውን እንተ ኣግሊስኩም፥ ደድሕሪ ዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ እንተ ሰዓብኩም፥ ክትርገሙ ኢኹም። 29እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብታ ኽትወርስዋ እትኸዱ ዘለኹም ምድሪ ምስ ኣእተወኩም፥ ነቲ በረኸት ኣብ እምባ ገሪዛን፥ ነቲ መርገም ከዓ ኣብ እምባ ጌባል ኴንኩም ኣውጅዎ። #ዘዳ. 27፡11-14፥ ኢያሱ 8፡33-35። 30እዘን እምባታት እዚኣተን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ፀሓይ ዘላ መንገዲ፥ ኣብ ምድሪ እቶም ኣብ መንፅር ጌልገላ ዘሎ ጐልጐል፥ ኣብ ጥቓ ዓበይቲ ኣእዋም ሞሬ ዝነብሩ ከነዓናውያን ዘለዋ እየን። 31ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ኽትወርሱ፥ ንዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትኣትውዋ ኢኹም እሞ፥ ክትወርስዋን ክትነብሩላንውን ኢኹም። 32ናብኣ ምስ ኣተኹም ነዝ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብሮ ዘለኹ ዅሉ ሕግጋትን ፍርድታትን ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ።”
Currently Selected:
ዘዳግም 11: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in