YouVersion Logo
Search Icon

ዘዳግም 12

12
ክስገደላ እትግባእ ቦታ
1“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ክትወርስዋ ዝህበኩም ምድሪ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ብህይወት እትነብሩለን ኵለን መዓልቲታት ተጠንቂቕኩም እትፍፅምዎ ትእዛዛትን ፍርድታትን እዙይ እዩ፦ 2እቶም እትወርስዎም ህዝብታት፥ ኣብ ነዋሕቲ እምባታትን ኣብ ኰረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኦምን ንኣማልኽቶም ዘምልኹለን ዝነበሩ ቦታታት ፈፂምኩም ኣጥፍእወን። 3መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፤ ሓወልትታቶም ድማ ሰባብሩ፤ እቲ ንምስሊ ጣዖት ዘምልኹሉ ኣዕምዶም ብሓዊ ኣቃፅሉ፤ ዝተወቕረ ምስሊ ኣማልኽቶምውን ሰባብሩ፤ ስሞም ድማ ኻብቲ ቦታ እቱይ ኣጥፍኡ። #ዘዳ. 7፡5።
4“ንኣምላኽኩም ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ዝበለ ስራሕ ኣይትስርሑ። 5ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ምድሪ ዅሎም ነገዳትኩም ስሙ ኸንብረላ ዝሓረያ ቦታ ኽትመፁ ኢኹም፤ ንስኻትኩም ከዓ ነታ መሕደሪኡ ድለዩ። 6ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ኣስራትኩምን ዝለዓል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን ናይ መብፅዓኹምን ብፍታውኩም እተቕርብዎ መባእኹምን በዅሪ ኸፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ኣጣልኩምን ናብኣ ኣምፅኡ። 7ኣብኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብልዑ፤ በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝባረኸልኩም ተግባር ኣእዳውኩም ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ተሓጐሱ።
8“ከምዝ ሎሚ እንገብሮ ዘለና፥ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ቕኑዕ መሲሉ ዝተርኣዮ ኣይግበር፤ 9ክሳዕ ሕዚ ናብ ዕረፍትን ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ርስትን ኣይኣተኹምንሞ። 10ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ተቐመጥኩም ግና ምእንቲ ብህድኣት ክትነብሩ፥ ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ፀላእትኹም ከዕርፈኩም እዩ። 11ሽዑ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ፥ ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ኣስራትኩምን ዝለዓል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተመባፃዕኹምዎ ሕሩይ መብፅዓኹምን ናብኣ ኣምፅኡ። 12ንስኻትኩምን ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን፥ ተባዕትዮ መገልገልትኹምን ኣንስትዮ መገልገልትኹምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተሓጐሱ። እቲ ምሳኻትኩም ክፍልን ርስትን ዘይብሉ ኣብ ከተማታትኩም ዘሎ ሌዋዊውን ምሳኻትኩም ይተሓጐስ። 13ዝቃፀል መስዋእትኹም ኣብ ዝኾነ ቦታ ኸይተቕርቡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። 14ዝቃፀል መስዋእትኹም ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ሓደ ኻብ ነገዳትኩም ዝሓረያ ቦታ ደኣ ኣቕርቡ። እዝ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ኸዓ ኣብኣ ኣቕርቡ።
15“ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም በረከት ቃሕ ከም ዝበለኩም ኣብ ኵለን ደጌታትኩም ሓሪድኩም ስጋ ብልዑ። ከም ሰስሓን ከም ድኵላን ዝበለ፥ ንፁህ ዝኾነ ሰብን ንፁህ ዘይኮነ ሰብን ይብልዓዮ። 16ነቲ ደም ግና ኸም ማይ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ እምበር ኣይትብልዕዎ። #ዘፍ. 9፡4፥ ዘሌ. 7፡26-27፥ 17፡10-14፥ 19፡26፥ ዘዳ. 15፡23። 17ኣስራት ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን በዅሪ ኸፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ዝተመባፃዕኹምዎ መብፅዓኹምን ብፍቓድ ዘምፃእኹምዎ ውህብቶኹምን ንዝለዓል መስዋእቲ ኢድኩምን ኣብ ዝኾነ ቦታ ኸይትበልዕዎ ተጠንቀቑ። 18ንስኻትኩምን ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ኣገልጋሊኹምን ኣገልጋሊትኩምን ኣብ ከተማታትኩም ዝነብር ሌዋዊን ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኴንኩም ብልዕዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብተግባር ኣእዳውኩም ተሓጐሱ። 19ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትነብሩሉ ዅሉ ዘመንኩም ንሌዋዊ ሸለል ከይትብልዎ ተጠንቀቑ።
20“ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ዝበለኩም ወሰናትኩም ምስ ኣስፍሐ፥ ስጋ ኽትበልዑ ቓሕ ኢሉኩም ‘ስጋ ደኣ ኽንበልዕ’ እንተ በልኩም፥ ደስ ከም ዝበለኩም ጌርኩም ስጋ ብልዑ። 21እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሓድራ ዝሓረያ ቦታ እንተ ረሓቐትኩምኳ፥ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝህበኩም፥ ካብ ከፍትኹምን ካብ ኣባጊዕኹምን ሓሪድኩም፥ ከምቲ ዝኣዘዝኩኹም ኣብ ዝኾነ ቦታ ኸም ቃሕ ዝበለኩም ብልዑ። 22ከምቲ ሰስሓን ድኩላን ዝብልዓ ብልዕዎ፤ ንፁህ ሰብን ዘይነፅሀን ይብልዓዮ። 23ደም ከይትበልዑ ጥራሕ ተጠንቀቑ፤ ህይወት ኣብቲ ደም እዩ እሞ፥ ህይወት ምስ ስጋ ኣይትብልዑ። 24ከም ማይ ደኣ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ እምበር ኣይትብልዕዎ። #ዘሌ. 17፡10-14። 25ደም እንተ ዘይበሊዕኹም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እንተ ጌርኩም፥ ንኣኻትኩም፥ ብድሕሬኹም ከዓ ንደቅኹም ሰናይ ክኾነልኩም እዩ።
26“እቲ ዘለኩም ቅዱስ ነገርን መብፅዓኹምን ሒዝኩም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ ኺዱ። 27ነቲ ዝቃፀል መስዋእትኹም፥ ስጋኡን ደሙን፥ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሰውእዎ፤ እቲ ደም መስዋእቲ ሕሩድኩም ድማ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ይፍሰስ፤ ነቲ ስጋ ኸዓ ብልዕዎ። 28ንኣኻትኩም፥ ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም፥ ንዘለኣለም ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ኵሉ እዝ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ነገር ሓልውዎ። እዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሰናይን ቅኑዕን እዩ እሞ።
29“ነዞም ክትወርስዎም እትኸዱ ዘለኹም ኣህዛብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም እዩ። ንስኻትኩም ከዓ ንኣኣቶም ወሪስኩም ኣብ ምድሮም ክትቅመጡ ኢኹም። 30ካብ ቅድሜኹም ምስ ጠፍኡ፥ ደድሕሪኣቶም ብምስዓብ ከይትዕንቀፉ፥ ብዛዕባ ኣማልኽቶም ድማ ‘እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከመይ ገይሮም ኣማልኽቶም የምልኹ ነበሩ? ንሕናውን ከምኡ ንግበር’ ኢልኩም ከይትጥይቑ ተጠንቀቑ። 31ንኣማልኽቶም ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝፀልኦ ዘፀይፍ ነገር ይገብሩሎም እዮም። ንኣማልኽቶም ኣወዳቶምን ኣጓላቶምንውን ብሓዊ የቃፅሉሎም ነይሮም እዮም እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምኡ ኣይትግበሩ።
32“ነዝ ዅሉ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ነገር ተጠንቂቕኩም ፈፅምዎ። ኣብ ልዕሊኡ ሓደ ኣይትወስኹ፤ ካብኡውን ሓደኳ ኣይተጕድሉ።” #ዘዳ. 4፡2፥ ራእይ 22፡18-19።

Currently Selected:

ዘዳግም 12: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in