1
ዘዳግም 11:19
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኣብ ቤትኩም ኮፍ ምስ በልኩም፥ ኣብ መንገዲ ኽትከዱ እንተለኹምን ኣብ ምድቃስኩምን ኣብ ምትሳእኹምን ብእኡ እናተዛረብኩም፥ ንደቅኹም መሃርዎም።
Compare
Explore ዘዳግም 11:19
2
ዘዳግም 11:18
ነዝ ትእዛዝ እዙይ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን ኣንብርዎ፤ ንምልክት ከዓ ኣብ ኣእዳውኩም እሰርዎ፤ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ድማ ኽታብ ይኹን።
Explore ዘዳግም 11:18
3
ዘዳግም 11:13-14
“ከምዙይ ድማ ክኸውን እዩ፤ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ድማ ኣገልግልዎ። ከምዙይ እንተ ደኣ ጌርኩም ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን ምእንቲ ኽትእክቡ፥ ንምድሪኹም ዝናም ፅድያን ክረምትን ክህበኩም እየ።
Explore ዘዳግም 11:13-14
4
ዘዳግም 11:1
“ደጊም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ሕግጋቱን ፍርድታቱን ትእዛዛቱንውን ኵልሻዕ ሓልዉ።
Explore ዘዳግም 11:1
5
ዘዳግም 11:26-28
“እንሆ፥ ሎሚ በረከትን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኣንብር ኣለኹ። እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰሚዕኹም ክትባረኹ ኢኹም። ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ካብዛ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ መንገዲውን እንተ ኣግሊስኩም፥ ደድሕሪ ዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ እንተ ሰዓብኩም፥ ክትርገሙ ኢኹም።
Explore ዘዳግም 11:26-28
6
ዘዳግም 11:20-21
ኣብ ድርኵዂት ገዛኹምን ኣብ ማዕፆኹምን ከዓ ፀሓፍዎ። ሽዑ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ዕድመኹምን ዕድመ ደቅኹምን ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዘሎ ዘመን ሰማይ ምእንቲ ኽነውሕ እዩ።
Explore ዘዳግም 11:20-21
7
ዘዳግም 11:16
“ሽዑ ልብኹም ከይስሕት፥ ኣግሊስኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸይተምልኹን ከይትሰግዱሎምን ንርእስኹም ተጠንቀቑ።
Explore ዘዳግም 11:16
Home
Bible
Plans
Videos