ዘዳግም 10
10
ሙሴ ኸም ብሓድሽ ክልተ ፅላት እምኒ ኸም ዝተቐበለ
(ዘፀ. 34፡1-10)
1“ሽዑ እግዚኣብሄር ‘ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ ፅረብ እሞ ናባይ ናብዝ እምባዙይ ደይብ፤ ብዕንፀይቲ ጌርካ ድማ ታቦት ስራሕ። 2ነቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ፅላት ዝነበረ ቓል ከዓ ኣብዘን ፅላት እዚኣተን ክፅሕፎ እየ፤ ኣብ ውሽጢ እቲ ታቦት ድማ ኽተንብረን ኢኻ’ በለኒ።
3“ካብ ዕንፀይቲ ሰራው ገይረ ታቦት ሰራሕኹ፤ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ እውን ፀረብኩ፤ ንኽልቲአን ፅላት ኣብ ኢደይ ሒዘ ኸዓ ናብቲ እምባ ደየብኩ። 4እግዚኣብሄር በታ ተኣኪብኩምላ ዝነበርኩም መዓልቲ፥ ኣብቲ እምባ ኻብ ማእኸል ሓዊ ነጊሩኩም ዝነበረ፥ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብተን ፅላት ፀሓፈ፥ ንኣይ ድማ ሃበኒ። 5ተመሊሰ ኸዓ ኻብቲ እምባ ወረድኩ፤ ነተን ፅላት ድማ ኣብቲ ዝሰራሕኽዎ ታቦት ኣንበርክወን። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ኸዓ ኣብኡ ተቐመጣ።”
6ደቂ እስራኤል ድማ፥ ካብ ብኤሮት ብኔያዕቃን ናብ ሞሴራ ተጕዓዙ። ኣሮን ኣብኡ ሞተ፤ ኣብኡውን ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣልኣዛር ካህን ኮነ። #ዘሑ. 20፡28፥ 33፡38። 7ካብኡ ድማ ናብ ጉድጎዳ፥ ካብ ጉድጎዳውን ናብታ ወሓዝቲ ማያት ዘለዋ ናብ ዮጥባታ ተጕዓዙ። 8በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንነገድ ሌዊ፥ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ክፆሩ፥ ንእኡ ንምግልጋል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንኽቖሙ፥ ብስሙ ንኽባርኹ እግዚኣብሄር ክሳዕ ሎሚ ንነገድ ሌዊ ፈለዮም። #ዘሑ. 3፡5-8። 9ስለዙይ ሌዊ ምስ ኣሕዋቱ ግደ ወይ ርስቲ የብሉን። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተዛረቦ ርስቱ እግዚኣብሄር እዩ።
10“ኣነ ድማ ኸምቲ ናይ ቅድም፥ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ልዕሊ እቲ እምባ ተቐመጥኩ። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ሰምዐኒ፤ እግዚኣብሄርውን ከጥፍአኩም ኣይደለየን። #ዘፀ. 34፡28። 11እግዚኣብሄር ከዓ ‘ናብታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኽኣትዉን ክወርስዋንስ ተስእ፤ ኪድ፥ ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ተጕዓዝ’ በለኒ።”
ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ
12-13“ኦ ህዝቢ እስራኤል! ሕዚኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትፈርሕዎ፥ ብዅሉ መንገዱ ኽትመላለሱ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኽተፍቅርዎ፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ክተገልግልዎ፥ ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕግጋትን ክትሕልዉ እንተ ዘይኮይኑስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካባኻትኩም ዝደልዮ እንታይ ኣሎ?
14“እንሆ፥ ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ። 15ምስ እዝ ዅሉ ግና እግዚኣብሄር ስለ ኣቦታትኩም ደስ ኢሉዎ እዩ፤ ንኣኣቶምውን ፈትዩ መረፆም። ብድሕሪኦም ድማ ንኣኻትኩም ንዘርኦም ከምዝ ሎሚ፥ ካብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ሓረየኩም። 16እምበኣር ንስኻትኩም ልብኹም ግረዙ፤ ክሳድኩምውን ደጊም ኣይተትርሩ። 17እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፥ ጐይታ ጐይቶት፥ ዓብዪ፥ ሓያል፥ ዘፍርሕ ኣምላኽ፥ ብፍርዲ ዘየዳሉ፥ ጉቦ ኸዓ ዘይቕበል እዩ። #1 ጢሞ. 6፡15፥ ራእይ 17፡14፥ 19፡16፥ ግ.ሓ. 10፡34፥ ሮሜ 2፡11፥ ገላ. 2፡6፥ ኤፌ. 6፡9። 18ንሱ ንደኽታማትን መበለታትን ፍትሒ የውፅእ፤ ንስደተኛውን ይፈቱ፤ እንጀራን ክዳንን ከዓ ይህቦ። 19ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግብፂ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ስደተኛ ፍተዉ። 20ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍርሕዎ፤ ንእኡ ኣምልኹ፤ ናብኡ ኸዓ ቕረቡ፤ ብስሙ ጥራሕ መሓሉ። 21እቲ ኣዒንትኹም ዝረአይዎ ነዞም ዓበይትን ዝፍርሑን ነገራትውን ዝገበረልኩም ንሱ ኽብርኹም እዩ። ንሱውን ኣምላኽኩም እዩ። 22ኣቦታትኩም ናብ ግብፂ ኽወርዱ እንተለዉ ብድምር ሰብዓ ሰብ ነበሩ። ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዝሐኩም።” #ዘፍ. 15፡5፥ 22፡17፥ 46፡27።
Currently Selected:
ዘዳግም 10: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in