1ይ ሳሙኤል 20
20
ዳዊትን ዮናታንን
1ሽዑ ዳዊት ካብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ሃዲሙ ናብ ዮናታን መፀ። “ኣቦኻ ኸምዙይ ገይሩ ኽቐትለኒ ዝደሊ ዘሎስ፥ እንታይ ገይረ እየ? በደለይከ እንታይ እዩ? ሓጢኣተይከ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ።
2ዮናታን ድማ “እዙይስ ካባኻ የርሕቆ፤ ኣይትመውትን ኢኻ። ኣቦይ ዓብዪ ነገር ኮነ ንእሽተይ ነገር ንኣይ እንተይነገረ ዝገብሮ የብሉን። እዙይ ዘይኸውን እዩ። ነዙይ ኣቦይ ካባይ ኣይምሓብኦን” በሎ።
3ዳዊት ግና መሊሱ “ኣቦኻ፥ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፥ ኣፀቢቑ ይፈልጥ እዩ። ስለዙይ ከዓ፥ ‘ዮናታን ምእንቲ ኸይጕሂ እዙይ ኣይፍለጥ’ ኢሉ ሓሲቡ ኣሎ። ግና ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን፥ ስጕምቲ ጥራሕ ተሪፉ ኸምዘሎ፥ ብህያው እግዚኣብሄርን ብህይወትካን እምሕል ኣለኹ” በለ።
4ሽዑ ዮናታን ንዳዊት፥ “ኵሉ ነፍስኻ ዝደለየቶ ኽገብረልካ እየ” በሎ።
5ዳዊት ከዓ ንዮናታን፥ “ፅባሕ ወርሒ እትወፀላ በዓል እያ፤ ኣነ ድማ ምስ ንጉስ ኣብ ማእዲ ኽበልዕ ይግብአኒ ነይሩ። ግና ኽሳዕ ድሕሪ ፅባሕ ምሸት ኣብ በረኻ ኽሕባእ ኣሰናብተኒ። #ዘሑ. 28፡11። 6ኣቦኻ እንተ ሰኣነኒ፥ ‘ንዅሎም ዓሌቱ ኣብኡ ናይ ዓመት መስዋእቲ ኣለዎም እሞ፥ ዳዊት ናብ ከተማኡ ቤተ ልሔም ክኸይድ ኣፅኒዑ ለሚኑኒ በል’ በሎ። 7‘ይኹን’ እንተበለካ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ደሓን ማለት እዩ። የመና እንተ ተቘጥዐ ግና፥ ክፉእ ኸም ዝመደበ ፍለጥ። 8እምበኣርከስ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ካብ ኣተኻለይ፥ ምሕረት ግበረለይ። በደል እንተ ተረኺቡኒ ግና፥ ስለ ምንታይ ናብ ኣቦኻ እተብፅሐኒ? ባዕልኻ ቕተለኒ” በሎ።
9ዮናታን ከዓ “እዙይስ ካባኻ ይርሓቕ። ካብ ኣቦይ ክፉእ ከም ዝተመደበካ እንተ ደኣ ፈሊጠስ፥ ኣነኸ ዘይነግረካዶ ይመስለካ?” በሎ።
10ሽዑ ዳዊት ንዮናታን፥ “ኣቦኻ ብርቱዕ ነገር እንተ መለሰልካ ደኣ መን ክነግረኒ እዩ?” በሎ።
11ዮናታን ድማ ንዳዊት “ንዓናይ እሞ ናብ በረኻ ንውፃእ” በሎ። ክልቲኦም ከዓ ናብ በረኻ ወፁ።
12ዮናታን ድማ ንዳዊት ከምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስክር፤ ፅባሕ ወይ ድሕሪ ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ብዛዕባኻ ነቦይ መርሚረ፥ እንሆ ኸዓ፥ ደሓን እንተ ኾይኑ፥ ሽዑ ልኢኸ ኽነግረካ እየ። 13ኣቦይ ብኣኻ ኽፉእ መኺሩ እናሃለወ እንተ ዘይነገርኩኻ፥ ብደሓን እውን እንተ ዘይሰደድኩኻ፥ እግዚኣብሄር ይቕዘፈኒ። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ምስ ኣቦይ ዝነበሮ፥ ምሳኻ ይኹን። 14ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ ግና፥ ምእንቲ ኸይመውት ምሕረት እግዚኣብሄር ግበረለይ። 15እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ፀላእቲ ዳዊት ካብ ገፅ ምድሪ ምስ ኣጥፍአ፥ ምሕረትካ ንዘለኣለም ካብ ቤተይ ኣይተቋርፅ” በሎ። #2 ሳሙ. 9፡1።
16ሽዑ ዮናታን “እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ፀላእቲ ዳዊት ይድለዮ” ኢሉ፥ ምስ ቤት ዳዊት ቃል ኪዳን ኣተወ። 17ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ይፈትዎ ነበረ እሞ፥ ስለ እቲ ዝነበሮ ፍቕሩ መሊሱ መሓለሉ።
18ሽዑ ድማ ዮናታን በሎ፦ “ፅባሕ ወርሒ እትወፀላ በዓል እያ። እታ ወንበርካ ጥራሓ ኽትከውን እያ እሞ ኸም ዘየለኻ ኽትፍለጥ ኢኻ። 19ብሳልሰይቲ መዓልቲ ግና ኣዐሪኻ ኽትፍለጥ ኢኻ እሞ ቐልጢፍካ ውረድ፤ ናብታ እቲ ነገር ኽግበር ብዝተሓሰበላ መዓልቲ ተሓቢእኻላ ዝነበርካ ቦታ ምፃእ፤ ኣብ ጥቓ እምኒ ኤዜል ድማ ተቐመጥ። 20ኣነ ኸዓ ንዒላማ ኸም ዝውርውር ሰለስተ ፍላፃ ናብኣ ኣቢለ ኽውርውር እየ። 21ነቲ ኣገልጋሊየይ ‘ኪድ ነቲ ፍላፃታት ድለዮ’ ኢለ ድማ ኽሰዶ እየ፤ ነቲ ኣገልጋሊየይ ‘እነሆ፥ እቲ ፍላፃ ካባኻ ናብዙይ እዩ ዘሎ፥ ሒዝካዮ ናባይ ነዓ’ እንተ በልክዎ፥ ንኣኻ ደሓን ማለት እዩ፤ ሽዑ ምፃእ ዝኾነ ነገር ከም ዘይህሉ፥ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። 22ነቲ መንእሰይ ‘እንሆ፥ እቲ ፍላፃታት ካባኻ ንንየው እዩ ዘሎ’ እንተ በልክዎ ግና ሽዑ እግዚኣብሄር ኣሰናቢቱካ እዩ እሞ፥ ኪድ። 23ብዛዕባ እቲ ኣነን ንስኻን ዝተዛረብናዮ ነገር ከዓ፥ እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ” በሎ።
24ዳዊት ድማ ኣብ በረኻ ተሓብአ። በታ ወርሒ እትወፀላ በዓል ከዓ ንጉስ ክበልዕ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ። 25ከም ልማዱ ድማ ኣብ መንበሩ፥ ኣብቲ ኣብ መንደቕ ተፀጊዑ ዝነበረ ወንበር ተቐመጠ። ዮናታን ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጠ። ኣበኔር ድማ ኣብ ጥቓ ሳኦል ተቐመጠ። ወንበር ዳዊት ከዓ ጥራሓ ነበረት። 26ሳኦል ግና “ዝኾነ ረኺብዎ እዩ ንፁህ ኣይኮነን፤ ብርግፅ ንፁህ ኣይኮነን እዩ” ኢሉ ስለ ዝሓሰበ በታ መዓልቲ እቲኣ ፈፂሙ ኣይተዛረበን። 27ወርሒ ምስ ወፀት ድማ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ እታ ወንበር ዳዊት ጥራሓ ነበረት። ሳኦል ከዓ ንዮናታን ወዱ፤ “ወዲ እሴይ ትማሊ ኾነ ሎሚ ናብ ማእዲ ዘይመፀ ስለ ምንታይ እዩ?” በሎ።
28ዮናታን ድማ ንሳኦል “ዳዊት ‘ናብ ቤተ ልሔም ክኸይድ ፍቐደለይ’ ኢሉ ኣፅኒዑ ለሚኑኒ፥ 29‘ኣብታ ኸተማ ናይ ዓሌትና ዝውፈ መስዋእቲ ኣሎ እሞ፥ ሓወይ ፀዊዑኒ ኣሎ፤ ሕዚ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ከይደ ኣሕዋተይ ክርኢ በይዛኻ ስደደኒ’ በለኒ። ስለዙይ እዩ ናብ ማእዲ ንጉስ ዘይመፀ” ኢሉ መለሰሉ።
30ሽዑ ዅራ ሳኦል ኣብ ዮናታን ነደደ፤ “ኣታ ወዲ እዛ ቐይናን ዓመፀኛ ሰበይቲ፥ ነቲ ነውርኻን ንነውሪ እታ ዝወለደትካ እኖኻን ዝኸውን፥ ወዲ እሴይ ከም ዝሓረኻ ኣይፈልጥን ድየ? 31ወዲ እሴይ ብህይወቱ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘሎስ ንስኻ ኾነ መንግስትኻ ኣይትፀንዕን እያ። ሕዚ ኸዓ ንሱ ወዲ ሞት እዩእሞ ልኢኽካ ኣምፅአለይ” በሎ።
32ዮናታን ከዓ ነቦኡ ሳኦል “ስለ ምንታይ እዩ ዝመውት? እንታይከ ገይሩ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። 33ሳኦል ድማ ኽወግኦ ዂናት ወርወረሉ። ሽዑ ዮናታን፥ ኣቦኡ ንዳዊት ክቐትሎ ኸም ዝወሰነ ፈለጠ።
34ዮናታን ድማ ብዅራ ነዲዱ ኻብቲ ማእዲ ተስአ፤ ኣቦኡ፥ ንዳዊት ስለ ዘዋረዶ ምእንታኡ ጕህዩ ነበረ እሞ፥ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ናይታ ወርሒ እንጀራ ኣይበልዐን።
35ንፅባሒቱ ድማ ዮናታን ከምቲ ምስ ዳዊት ዝተሰማምዖ ናብ በረኻ ወፀ፤ መንእሰይ ሓሽከርውን ምስኡ ነበረ። 36ነቲ ሓሽከሩ ኸዓ “ጕየ እሞ ነቲ ኣነ ዝውርውሮ ፍላፃታት ድለዮ” በሎ። እቲ ወዲ ኽጐዪ እንተሎ ፍላፃ ወርዊሩ ብልዕሊኡ ኣሕለፈ። 37እቲ ሓሽከር ኣብታ ዮናታን ፍላፃ ዝወርወረላ ቦታ ምስ በፅሐ፤ ዮናታን ነቲ ሓሽከር ፀዊዑ “እቲ ፍላፃ ካባኻ ንንየውዶ ኣይኮነን ዘሎ?” 38“ተሎ በል፤ ቀልጥፍ፥ ደው ኣይትበል” እናበለ ዓው ኢሉ ነቲ ሓሽከር ፀውዖ። እቲ ሓሽከር ዮናታን ድማ ነቲ ፍላፃታት ኣኪቡ ናብ ጐይታኡ ተመለሰ። 39ነቲ ነገር ዮናታንን ዳዊትን ጥራሕ ይፈልጥዎ ነበሩ እምበር እቲ ሓሽከር ኣይፈልጥን ነበረ። 40ዮናታን ከዓ ኣፅዋሩ ነቲ ሓሽከሩ ሂቡ፥ “ኪድ ናብ ከተማ ኣእትዎ” በሎ። 41እቲ ሓሽከር ምስ ከደ ድማ፥ ዳዊት ካብቲ ስፍራ ብወገን ደቡብ ተሲኡ፥ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰለስተ ሻዕ ፍግም በለ። ዮናታንን ዳዊትን ከዓ ተሰዓዓሙ፤ ብሓደ ኾይኖም ድማ በኸዩ፤ ምናዳ እኳ ዳዊት የመና በኸየ።
42ዮናታን ድማ ንዳዊት፥ “ብሰላም ኪድ፤ ንሕና ኽልቴና፥ ‘ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርአይን ዘርእኻን እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ምስክር ይኹን’ ኢልና ብስም እግዚኣብሄር ተመሓሒልና ኢና” በሎ። ዳዊት ከዓ ተሲኡ ኸደ፤ ዮናታንውን ናብ ከተማ ኣተወ።
Currently Selected:
1ይ ሳሙኤል 20: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in