YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ሳሙኤል 19

19
ሳኦል ንዳዊት ክቐትሎ ኸም ዝፈተነ
1ሳኦል ንወዱ ዮናታንን ንዅሎም ሓሻኽሩን ንዳዊት ክቐትልዎ ተዛረቦም። ዮናታን ወዲ ሳኦል ግና ንዳዊት ብዙሕ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ 2“ኣቦይ ሳኦል ክቐትለካ ይደሊ ኣሎሞ፤ በይዛኻ ፅባሕ ንግሆ ተጠንቀቕ፤ ናብ ግሉስ ቦታ ኼድካ ተሓባእ። 3ኣነ ኸዓ ኣብታ ንስኻ ዘለኻያ ግራት ኣብ ጥቓ ኣቦይ ደው ኢለ፥ ብዛዕባኻ ኽዛረቦ እየ፤ ዝኾነ ነገር ምስ ፈለጥኩ ኸዓ ኽነግረካ እየ” በሎ።
4-5ዮናታን ድማ ነቦኡ ሳኦል “ዳዊት ኣይበደለካን፤ ግብሩ ኸዓ ንኣኻ ጠቒሙካ እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ሓሽከርካ ዳዊት በደል ኣይትፈፅም። ንሱ ንህይወቱ እንተይሰስዐ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዅሉ እስራኤል ዓብዪ ምድሓን ገበረ። ንስኻውን እዙይ ርኢኻ ተሓጐስካ። ስለ ምንታይከ ብዘይ ምኽንያት ንዳዊት ብምቕታል ኣብ ደም ንፁህ ሰብ ትብድል?” ኢሉ ብዛዕባ ዳዊት ፅቡቕ ተዛረበ።
6ሳኦል፥ ዘረባ ዮናታን ምስ ሰምዐ፥ “ዳዊት ኣይመውትን እዩ” ኢሉ ብህያው እግዚኣብሄር መሓለ።
7ሽዑ ዮናታን ንዳዊት ፀውዖ፤ እዝ ዅሉ እዙይ ከዓ ነገሮ። ዮናታን ድማ ንዳዊት ናብ ሳኦል ኣእተዎ እሞ፥ ዳዊት ከም ቀደሙ የገልግሎ ነበረ።
8መሊሱ ድማ ውግእ ኾነ። ዳዊት ከዓ ወፂኡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ኣበርቲዑ ስለ ዝወቕዖም ከዓ ኻብ ቅድሚኡ ሃደሙ።
9እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መፀ፤ ንሱ ዂናቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ እንተሎ ኸዓ፥ ዳዊት ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ። 10ሳኦል ድማ ንዳዊት ብዂናት ምስቲ መንደቕ ከጣብቖ ወርወረ፤ ንሱ ግና ኻብ ቅድሚ ሳኦል ኣግለሰ፤ እቲ ዂናት ድማ ኣብቲ መንደቕ ተሸኸለ። ዳዊት ከዓ በታ ለይቲ እቲኣ ሃዲሙ ኣምለጠ።
11ሳኦል ድማ፥ ሕልው ሓዲሮም ንግሆ ምእንቲ ኽቐትልዎ፥ ናብ ቤት ዳዊት ልኡኻት ሰደደ። ሜልኮል ሰበይቲ ዳዊት ግና “በዛ ለይቲ እዚኣ ነፍስኻ እንተ ዘየድሓንካ፥ ፅባሕ ክትቅተል ኢኻ” ኢላ ነገረቶ። #መዝ. 59፡1። 12ሜልኮል ከዓ፥ ብመስኮት ኣስሊዃ ኣውረደቶ እሞ ኸደ፤ ሃዲሙውን ኣምለጠ። 13ሜልኮል ድማ ምስሊ ጣዖት ወሲዳ ኣብ ዓራት ኣጋደመቶ፤ ኣብ ትርኣሱውን መኼዳ ፀጕሪ ጤል ገበረትሉ፤ ክዳንውን ከደነቶ።
14ሳኦል ንዳዊት ከምፅእዎ ልኡኻት ምስ ሰደደ፥ ሜልኮል “ዳዊት ሓሚሙ እዩ ዘሎ” በለቶም።
15ሽዑ ሳኦል፥ “ንዳዊት ምእንቲ ኽቐትሎስ፥ ብዓራት ጌርኩም ኣምፅኡለይ” ኢሉ ልኡኻት ናብ ዳዊት ሰደደ። 16እቶም ልኡኻት ምስ ኣተዉ ድማ፥ እንሆ እቲ ምስሊ ጣዖት መኼዳ ፀጕሪ ጤል ተተርኢሱ ኣብቲ ዓራት ነበረ።
17ሽዑ ሳኦል ንሜልኮል “ስለ ምንታይከ ኸምዙይ ጌርኪ ኣታለልክኒ? ነቲ ፀላእየይከ ስለ ምንታይ ከምልጥ ሓደግክዮ?” በላ። ሜልኮል ከዓ ንሳኦል “ንሱ ‘ከምልጥ ሕደግኒ፤ እንተ ዘይኮነ ኽቐትለኪ እየ’ ኢሉኒ” በለቶ።
18ዳዊት ድማ ሃዲሙ ኣምለጠ፤ ናብ ሳሙኤል ናብ ኣርማቴም ከዓ መፀ፤ እቲ ሳኦል ኵሉ ዝገበሮውን ነገሮ። ንሱን ሳሙኤልን ድማ ናብ ኣውቴዝራማ ኸይዶም ተቐመጡ። 19ንሳኦል ድማ “እንሆ፥ ዳዊት ኣብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። 20ሳኦል ድማ ንዳዊት ዝሕዙ ልኡኻት ሰደደ። ንሳቶም ከዓ፥ ሳሙኤል ደው ኢሉ ዝመርሖም ጉባኤ ነቢያት ክንበዩ ምስ ረአዩ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ልኡኻት ሳኦል መፀ፤ ንሳቶምውን ተነበዩ። 21እዙይ ንሳኦል ምስ ነገርዎ ድማ፥ ንሱ ኻልኦት ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ተነበዩ። ሳኦል ከዓ መሊሱ ንሳልሳይ ጊዜ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ተነበዩ። 22ሽዑ ቝጥዓ ሳኦል ነደደ፤ ባዕሉውን ናብ ኣርማቴም ኸደ፤ ናብቲ ኣብ ሴኩ ዘሎ ዓብዪ ዒላ ምስ በፅሐ ድማ፥ “ሳሙኤልን ዳዊትን ኣበይ እዮም ዘለዉ?” ኢሉ ጠየቐ።
“እነሆ፥ ሓደ ሰብ ኣብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ኣለዉ” ኢሉ መለሰሉ።
23ሳኦል ከዓ ናብኡ፥ ናብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ከደ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር መፀ፤ ኣብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ክሳዕ ዝበፅሕ ኸዓ እናተነበየ ኸደ። 24ንሱ ድማ ኽዳውንቱ ደርቢዩ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ተነበየ፤ ጥራሑ ኾይኑ ኸዓ ምሉእ መዓልትን ምሉእ ለይትን ወዲቑ ነበረ። ስለዙይ ከዓ እዮም “ሳኦል እውንዶ ኻብ ወገን ነቢያት እዩ?” ይበሃሃሉ ዝነበሩ። #1 ሳሙ. 10፡11-12።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in