YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ሳሙኤል 21

21
ዳዊት ካብ ሳኦል ከም ዝሃደመ
1ዳዊት ናብ ካህን ኣቢሜሌክ ናብ ኖብ መፀ። ኣቢሜሌክ ከዓ ብፍርሒ እናንቀጥቀጠ ንዳዊት ክራኸቦ ወፀ፤ “ስለ ምንታይ ኢኻ ሰብ ዘይብልካ፥ በይንኻ መፂእኻ?” ኢሉውን ጠየቖ።
2ዳዊት ድማ ንኻህን ኣቢሜሌክ፥ “ንጉስ፥ ‘እቲ ኣነ ዝለኣኽኩኻ ነገርን እቲ ዝኣዘዝኩኻን ሓደ ሰብ እኳ ኣይፍለጦ’ ኢሉ ስለ ዝኣዘዘኒ፥ እቶም ኣጓብዝ ኣብ ሓደ ቦታ ኽቕበሉኒ ኣመልኪተዮም ኣለኹ። 3ሕዚ ኸዓ ኣብ ኢድካ እንታይ ኣሎ? ሓሙሽተ እንጀራ ወይ ዝተረኽበ ኣብ ኢደይ ሃበኒ” በሎ።
4እቲ ኻህን ድማ ንዳዊት “ኵሉ ዝበልዖ እንጀራ ኣብ ኢደይ የለን፤ እቶም ኣጓብዝ ካብ ኣንስቲ ዝተሓለዉ እንተ ኾይኖም ግና ቅዱስ እንጀራ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።
5ዳዊት ከዓ ነቲ ኻህን “ብሓቂ ኻብ እንወፅእ ጀሚሩ ንሕና ንሰብነትና ኻብ ኣንስቲ ንሰለስተ መዓልቲ ሓሊና ኢና፤ ኣቕሓ እቶም ኣጓብዝውን፥ ዝተቐደሰት እያ። ሎሚ ኣቕሓኦም ዝተቐደሰት ብምዃና፥ እቲ እንጀራ ኸም ዝብላዕ እንጀራ ይኸውን እዩ” በሎ። 6#ማቴ. 12፡3-4፥ ማር. 2፡25-26፥ ሉቃ. 6፡3። እቲ ኻህን ከዓ ብዘይ እቲ ብትኩስ እንጀራ ኽትካእ ኢሎም ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘልዓልዎ ሕብስቲ ቝርባን፥ ኣብኡ ኻልእ እንጀራ ስለ ዘይነበረ፥ ነቲ ቕዱስ እንጀራ ሃቦ። #ዘሌ. 24፡5-9።
7በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኻብ ኣገልገልቲ ሳኦል፥ ዶይቅ ዝስሙ ኤዶማዊ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብኡ ነበረ። ንሱ ናይ ሳኦል ሓለቓ ጓሶት ነበረ።
8ዳዊት ድማ ንኣቢሜሌክ “እቲ ናይ ንጉስ ነገር ዘሀውኽ ስለ ዝኾነ ሰይፈይን ኣፅዋረይን ኣይተማላእኹን እሞ፥ ዂናት ወይ ሰይፊ ኣባኻዶ ኣሎ?” በሎ።
9እቲ ኻህን ድማ “ሰይፊ እቲ ንስኻ ኣብ ለሰ ኤላህ ዝቐተልካዮ ፍልስጥኤማዊ ጐልያድ፥ እንሆ፥ ንሱ በዓለባ ተሸፊኑ ኣብ ድሕሪ ኤፉድ ኣሎ፤ ኣብዙይ ከምኡ ዝበለ ኻልእ የለን እሞ፥ ክትወስዶ እንተ ደሊኻስ፥ ውሰዶ” በሎ። ዳዊት ከዓ “ከምኡ ዝበለ የለን እሞ ንእኡ ሃበኒ” በሎ። #1 ሳሙ. 17፡51። 10ተሲኡ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ቅድሚ ሳኦል ሃደመ፤ ናብ ኣንኩስ ንጉስ ጌት ድማ ኸደ። 11ንኣንኩስ ከዓ እቶም ሓሻኽሩ፥ “እዙይ ዳዊት ንጉስ እታ ሃገርዶ ኣይኮነን?
እቲ ‘ሳኦል ሺሕ፥
ዳዊት ድማ እልፊ ቐተለ’
ኢለን ኣንስቲ እናሳዕስዓ ዝደረፋሉ፥ እዙይዶ ኣይኮነን?” በልዎ። #1 ሳሙ. 18፡7፥ 29፡5።
12ዳዊት ድማ ነዝ ዘረባ እዙይ ኣብ ልቡ ኣንበሮ፤ ንኣንኩስ ንጉስ ጌት ከዓ የመና ፈርሖ። #መዝ. 56፡1። 13ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ ባህርዩ ለወጠ፤ ኣብ ኢዶም ድማ ኸም ዕቡድ ኮነ፤ ኣብቲ መድረኽ መዓፁ እቲ ኣፍ ደገውን ፈርፈር በለ፤ ልዛዩ ኸዓ ብጭሕሙ ዘርበብ ይብል ነበረ። #መዝ. 34፡1።
14ሽዑ ኣንኩስ ንሹመኛታቱ “እንሆ፥ እዝ ሰብኣይ እዙይ ዕቡድ ምዃኑ ትሪእዎ ኣለኹም፤ ስለ ምንታይ ናባይ ኣምፃእኹምዎ? 15ኣብ ቅድመይ ክዓብድ ዘምፃእኹምለይስ፥ ዕቡዳትዶ ስኢነ እየ? እዙይዶ ናብ ገዛይ ክኣቱ ይግባእ?” በሎም።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in