YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ነገስት 16

16
1ሽዑ ናብ ኢዩ ወዲ ኣናኒ ብዛዕባ ባኦስ ንጉስ እስራኤል፥ ካብ እግዚኣብሄር ከምዙይ ዝብል ቃል መፀ፦ 2“ኣነ ኻብ ሓመድ ኣልዒለ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ሓለቓ ገበርኩኻ፤ ንስኻ ግና ብመንገዲ ኢዮርብዓም ከድካ፤ ንህዝበይ እስራኤል ድማ ብሓጢኣቶም ከቘጥዑኒ ኣስሓትካዮም። 3እንሆ፥ ንባኦስን ንገዛኡን ንንየው ክፀርጎም እየ፤ ንገዛኻ ድማ ኸም ቤት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ክገብራ እየ። 4ካብ ወገን ባኦስ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኸተማ ዝመውት ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም፤ ነቲ ኣብ በረኻ ዝመውትውን፥ ኣዕዋፍ ሰማይ ክበልዓኦ እየን።”
5እቲ ዝተረፈ ናይ ባኦስ ነገርን እቲ ዝገበሮ ጅግንነቱን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 6ባኦስ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ቴርሳውን ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኤላ ነገሰ።
7ብስራሕ ኢዱውን ንኸቘጥዖ ኸም ቤት ኢዮርብዓም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበሮ ዅሉ ኽፍኣትን ንእኡውን ስለ ዝቐተሎን፥ እቲ ብነቢይ ኢዩ ወዲ ኣናኒ ዝተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ባኦስን ኣብ ልዕሊ ቤቱን ተፈፀመ።
ኤላ ንጉስ እስራኤል
8ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዕስራን ሽዱሽተን ዓመቱ ኸዓ ኤላ ወዲ ባኦስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ቴርሳ ነገሰ፤ ከልተ ዓመት ድማ ገዝአ።
9ግና እቲ ኣብ ፈረቓ ሰረገላታቱ ሓለቓ ዝነበረ፥ ሓሽከሩ ዘምሪ ተመሓሓለሉ። ንጉስ ኤላ ኣብ ቤት እቲ ኣብታ ኣብ ቴርሳ ዘላ ቤተ መንግስቱ ኣዛዚ ዝነበረ ኣርሳ ሰትዩ ሰኺሩ ስለ ዝነበረ፥ 10ዘምሪ ኣትዩ ወቒዑ ቐተሎ። ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመት ዘምሪ ንኤላ ቐተሎ፤ ክንድኡ ኸዓ ነገሰ።
11ዘምሪ ነጊሱ ኣብ ዙፋኑ ምስ ተቐመጠ፥ ሽዑ ንሽዑ ንዅሎም ስድራ ባኦስ ቐተሎም፤ ካብ ዘመዱ፥ ካብ ፈተውቱ ኾነ፥ ካብ ወዲ ተባዕታይ ሓደ እኳ እንተየትረፈ ኣጥፍኦም። 12-13ብሰንኪ ዅሉ እቲ ባኦስን ወዱ ኤላን ዝገበርዎ ሓጢኣትን፥ ከንቱ ንዝኾኑ ጣዖታት ብምምላኾምን፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዘቘጥዕዎን፥ ንእስራኤል ከዓ ስለ ዘስሓትዎን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብነቢይ ኢዩ ኣብ ልዕሊ ባኦስ ዝተዛረቦ ቓል፥ ዘምሪ ንብዘላ ቤት ባኦስ ኣጥፍኣ። #2 ዜና. 15፡8-15።
14እቲ ዝተረፈ ናይ ኤላ ነገርን እቲ ዝገበሮ ዅሉን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
ዘምሪ ንጉስ እስራኤል
15ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመቱ ዘምሪ ኣብ ቴርሳ ሸውዓተ መዓልቲ ነገሰ። እቶም ህዝቢ ግና ንናይ ፍልስጥኤማውያን ገባቶን ከቢቦምዋ ነበሩ። 16እቶም ነታ ኸተማ ኸቢቦምዋ ዝነበሩ ህዝቢ ዘምሪ ኸም ዝዓመፀ ንንጉስውን ከም ዝቐተሎ ሰምዑ። ሽዑ ዅሎም እስራኤል ንዘምበሪ ሓለቓ ሰራዊት በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብቲ ውሽጢ ሰፈር ኣብ እስራኤል ኣንገስዎ። 17ዘንበሪን ኵሎም ሰራዊት እስራኤልን ከዓ ኻብ ገባቶን ደዪቦም ንቴርሳ ኸበብዋ። 18ዘምሪ እታ ኸተማ ኸም ዝተትሓዘት ምስ ረአየ፥ ናብ ውሽጢ ህንፃ ቤት ንጉስ ኣትዩ፥ ነታ ቤት ንጉስ ኣብ ልዕሊኡ ብሓዊ ኣባርዓ። 19ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን፥ ንእስራኤል ስለ ዘስሓተሉ ሓጢኣቱን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስለ ዝገበረ፥ ብመንገዲ ኢዮርብዓምውን ስለ ዝከደ ሞተ።
20እቲ ዝተረፈ ናይ ዘምሪ ነገርን እቲ ዝገበሮ ሻራን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
ዘንበሪ ንጉስ እስራኤል
21ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ክልተ ኽፍሊ ተኸፈለ። ፍርቂ እቲ ህዝቢ ንታምኒ ወዲ ጎናት ከንግሶ ሰዓበ። እቲ ፍርቂ ኸዓ ንዘንበሪ ኸንግሶ ሰዓበ። 22ንዘንበሪ ዝሰዓበ ህዝቢ ድማ ነቲ ታምኒ ወዲ ጎናት ዝሰዓበ ህዝቢ ሓየሎ። ስለዙይ ታምኒ ሞተ፤ ዘንበሪ ድማ ነገሰ።
23ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሰላሳን ሓደን ዓመቱ፥ ዘንበሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ። ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ከዓ ገዝአ። እተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ቴርሳ ኾይኑ ነገሰ። 24ንዀረብታ ሰማርያ ድማ ኻብ ሳምር ብሽዱሽተ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ዓደጋ፤ ነታ ዀረብታ ዓሪዱ ኸዓ ኣብኣ ኸተማ ሰርሐ፤ ብስም ሳምር ጐይታ እታ ዀረብታ ድማ ሰማርያ ኢሉ ሰመያ።
25ዘንበሪ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅሎም የመና ኽፉእ ገበረ። 26ብዅሉ መንገዲ ኢዮርብዓም ብዘይረብሕ ነገሮም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምእንቲ ኸቘጥዕዎ፥ ንእስራኤል ብዘስሓተሉ ሓጢኣት ከደ።
27እቲ ዝተረፈ ዘንበሪ ዝገበሮ ነገርን እቲ ዝገበሮ ጅግንነቱን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 28ዘንበሪ ድማ ሞተ፤ ኣብ ሰማርያውን ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣክኣብ ነገሰ።
ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል
29ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሰላሳን ሸሞንተን ዓመቱ ኣክኣብ ወዲ ዘንበሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከዓ ዕስራን ክልተን ዓመት ኣብ ሰማርያ ገዝአ። 30ኣክኣብ ወዲ ዘንበሪ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝኸፍአ ገበረ። 31ብሓጢኣት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ምኽያድ ንእሽተይ ነገር መሰሎ፤ ንኤልዛቤል ጓል ኤትባዓል ንጉስ ሲዶን፥ ሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳ። ከይዱ ድማ ንጣዖት በዓል ኣምለኸ፤ ሰገደሉውን። 32ኣብታ ኣብ ሰማርያ ዝሰርሓ ቤት ጣዖት በዓል ድማ ንጣዖት በዓል መሰውኢ ኣቖመሉ። 33ኣክኣብ ከዓ መምለኺ ዓፀድ ተኸለ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዘቘጥዕ ብምግባሩ፥ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት እስራኤል ገደደ። 34#ኢያሱ 6፡26። ብዘመን ኣክኣብ ከዓ ኣኪኤል በዓል ቤቴል ንኢያሪኮ ሰርሓ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢያሱ ወዲ ነዌ ዝተዛረቦ ቓል ድማ ኽስርታ እንተሎ ብኣቢሮን በዅሪ ወዱ መስረታ፤ በቲ ንእሽተይ ወዱ ብሰጉብ ድማ በሪታታ ኣቖመ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in