YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ነገስት 17

17
ብዘመን ኤልያስ ዝኾነ ጥሜት
1ሓደ ኻብቶም ኣብ ገለዓድ ዝነበሩ ድማ ኤልያስ ቴስቢያዊ ንኣክኣብ “በዘን ዓመታት፥ እዚኣተን እንትርፊ ብቓል ኣፈይ፥ ኣውሊ ኾነ ዝናም ከም ዘይኸውን፥ በቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝቖምኩ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እምሕል ኣለኹ” በሎ። #ያቆ. 5፡17።
2-3እግዚኣብሄር ድማ ንኤልያስ “ካብዙይ ናብ ምብራቕ ኣቢልካ ኺድ እሞ ኣብቲ ኣብ መንፅር ዮርዳኖስ ዘሎ ሩባ ኮራት ተሓባእ። 4ካብቲ ሩባ ማይ ክትሰቲ ኢኻ፤ ኣብኡ ኽምግቡኻ ድማ ንዃዃት ኣዚዘ ኣለኹ” በሎ።
5ከይዱ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኣብቲ ኣብ መንፅር ዮርዳኖስ ዘሎ ሩባ ኮራት ተቐመጠ። 6እቶም ኳዃት ድማ ንግሆን ምሸትን እንጀራን ስጋን የምፅኡሉ ነበሩ፤ ካብቲ ሩባ ኸዓ ይሰቲ ነበረ። 7ኣብታ ምድሪ ዝናም ስለ ዘይዘነመ ድማ፥ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ እቲ ሩባ ነፀፈ።
ብተኣምራት ዝበርከተ ሕሩጭን ዘይትን
8-9ሽዑ ኸዓ እግዚኣብሄር ንኤልያስ “ተስእ እሞ ናብ ሰራፕታ ናይ ሲዶና ኺድ፤ ኣብኡውን ተቐመጥ። እንሆ ኣብኡ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኽትምግበካ ኣዚዘ ኣለኹ” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፆ። 10ኤልያስ ከዓ ተሲኡ ናብ ሰራፕታ ኸደ። ኣብ ደገ እታ ኸተማ ምስ በፅሐ ድማ፥ እንሆ ዕንፀይቲ እትኣሪ መበለት ሰበይቲ ኣብኡ ነበረት። ንኣኣ ፀዊዑ ኸዓ “በይዛኺንዶ ቑሩብ ዝስተ ማይ ኣምፅእለይ” በላ። 11ክተምፅእ ኢላ ምስ ተልዓለት ድማ መሊሱ ፀዊዑ “ቍራስ እንጀራውን ብኢድኪ ሒዝኪ ንኽትመፂ እልምነኪ ኣለኹ” በላ።
12ንሳ ኸዓ “ብዘይ ሕፍኒ ሕሩጭ ኣብ ዕትሮ፥ ቁሩብ ዘይቲ ኸዓ ኣብ መቐርሰሚቶ፥ እንጀራ ኸም ዘይብለይ፥ ብህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እምሕል ኣለኹ። እኒሀኹ ኸዓ ቑሩብ ዕንፀይቲ እኣሪ ኣለኹ፤ ኣትየ ድማ ንኣይን ንወደይን ክስንክቶ እየ፤ ንእኡ በሊዕናውን ክንመውት ኢና” በለቶ።
13-14ኤልያስ ከዓ “ኣይትፍርሒ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ክሳዕ እታ እግዚኣብሄር ንምድሪ ዝናም ዘዝንመላ መዓልቲ ሕሩጭኪ ኻብ ዕትሮ ኣይውዳእን፤ እቲ ዘይትውን ካብ መቐርሰሚቶኺ ኣይጐድልን እዩ’ ይብል ኣሎ እሞ፥ ኪዲ፥ ከምቲ ዝበልኪዮ ሰንክቲ፤ ቅድም ግና ኻብቲ ሕሩጭ ንኣይ ንእሽተይ ቅጫ ሰንኪትኪ ኣምፅእለይ፤ ድሕሪኡ ድማ ንኣኽን ንወድኽን ሰንክቲ” በላ።
15ከይዳ ኸዓ ኸምቲ ቓል ኤልያስ ገበረት። ኤልያስን ንሳን ስድራኣን ድማ ብዙሕ መዓልቲ በልዑ። 16ከምቲ እግዚኣብሄር ብኤልያስ ዝተዛረቦ ቓል እቲ ሕሩጭ ካብ ዕትሮ፥ እቲ ዘይትውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐደለን።
17ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ወዲ እታ መበለት ሓመመ። እስትፋሱ ኽሳዕ ዝስእን እቲ ሕማሙ የመና ኸቢድ ነበረ። 18ሽዑ ንሳ ንኤልያስ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ እንታይ ደኣ ገይረካ? ሓጢኣተይ ክተዘክርን ወደይ ክትቀትልን ዲኻ ዝመፃእኻኒ?” በለቶ።
19ንሱ ግና “ወድኺ ሃብኒ” በላ። ካብ ሕቝፋ ወሲዱ ኸዓ ናብታ ዝነብረላ ደብሪ ኣደየቦ እሞ፥ ኣብ ዓራቱ ኣደቀሶ። 20ሽዑ ኤልያስ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ስለ ምንታይ ነዛ ኣነ ምስኣ ብእንግድነት ዝነብር ዘለኹ መበለት ወዳ ብምቕታል ክፉእ ኣውረድካላ?” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። 21#2 ነገ. 4፡34-35። ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ሰለስተ ሻዕ ለጥ ኢሉ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ በይዛኻ፥ ነፍሲ እዝ ቘልዓ እዙይ ናብ ስጋኡ ምለሳ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።
22እግዚኣብሄር ከዓ ፀሎት ኤልያስ ሰምዐ፤ ነፍሲ እቲ ቘልዓ ድማ ናብ ውሽጡ ተመለሰት እሞ ሓወየ። 23ኤልያስ ከዓ ነቲ ቘልዓ፥ ካብ ደብሪ እታ ቤት ኣውሪዱ፥ ንኖኡ ሃባ። “ረአዪ፥ ወድኺ ሓውዩ” በላ።
24እታ ሰበይቲ ኸዓ ንኤልያስ “ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከም ዝኾንካ፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ ብኣፍካ ሓቂ ኸም ዝኾነ ሕዚ ፈለጥኩ” በለቶ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in