YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ነገስት 15

15
ኣብያ ንጉስ ይሁዳ
(2 ዜና. 13፡1-141)
1ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ ንኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ንጉስ እስራኤል፥ ኣብያም ኣብ ይሁዳ ነገሰ። 2ሰለስተ ዓመት ኣብ ኢየሩሳሌም ነገሰ። እኖኡ ኸዓ ማዓካ እትብሃል ጓል ኣቤሴሎም ነበረት።
3በቲ ቕድሚኡ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓጢኣት ከደ፤ ልቡ ድማ ኸም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፍፁም ኣይነበረን። 4ምእንቲ ዳዊት ኢሉ ግና፥ ብድሕሪኡ ወዱ ኸተስእ፥ ንኢየሩሳሌምውን ከፅንዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣብ ኢየሩሳሌም መብራህቲ ሃቦ። #1 ነገ. 11፡36። 5ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስለ ዝገበረ፥ ብዘይ እቲ ናይ ኦርዮ ኬጢያዊ ነገር፥ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ኻብቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኣየግለሰን ነበረሞ። #2 ሳሙ. 11፡1-27።
6እቲ ኣብ መንጎ ሮብዓምን ኢዮርብዓምን ዝተጀመረ ውግእ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወት ኣብያም ቐፀለ። #2 ዜና. 13፡3-21። 7እቲ ዝተረፈ ናይ ኣብያ ታሪኽን እቲ ዝገበሮ ዅሉን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣብ መንጎ ኣብያምን ኢዮርብዓምን ድማ ውግእ ነበረ። 8ኣብያም ሞተ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ቐበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣሳ ነገሰ።
ኣሳ ንጉስ ይሁዳ
(2 ዜና. 15፡16—16፡6)
9ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ንኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤል ድማ፥ ኣሳ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። 10ኣርብዓን ሓደን ዓመት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ነገሰ። እኖኡ ኸዓ መዓካ እትብሃል ጓል ኣቤሴሎም ነበረት።
11ኣሳ ድማ ኸም ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ነገር ገበረ። 12ንሰዶማውያን ካብ ሃገሩ ኣወገዶም። ነቶም ኣቦታቱ ዝሰርሕዎም ኵሎም ጣዖታት ድማ ኣወገዶም። 13ንኖኡ መዓካውን፥ ነቲ ዘፀይፍ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ስለ ዝገበረት፥ ካብቲ ንግስትነታ ሰዓራ። ነቲ ምስሊ ጣዖትውን ቈሪፁ ኣብ ጥቓ ሩባ ቄድሮን ኣንደዶ። 14ነቲ ንጣዖት ዘምልኹሉ ዀረብታታት እኳ እንተ ዘየወገዶ፥ ልቢ ኣሳ ግና ምሉእ ህይወቱ ምስ እግዚኣብሄር ፍፁም ነበረ። 15ነቲ ኣቦኡ ዝቐደሶን ንሱ ዝቐደሶን ኣቑሑ ብሩርን ወርቅን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎ።
16ኣብ መንጎ ኣሳ ንጉስ ይሁዳን ባኦስ ንጉስ እስራኤልን ድማ ምሉእ ዘመኖም ውግእ ነበረ። 17ባኦስ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንይሁዳ ወረራ። ናብ ይሁዳ ዝኣቱን ዝወፅእን ከይርከብ ኢሉ ድማ ንራማ ዓረዳ።
18ሽዑ ኣሳ ኣብ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዛግብቲ ቤተ መንግስትን ተሪፉ ዝነበረ ዅሉ ወርቅን ብሩርን ወሰደ። ብኢድ ኣገልገልቱ ገይሩ ኸዓ ናብቲ ኣብ ደማስቆ ዘሎ ወልደ ኣዴር ዝበሃል ንጉስ ሶርያ፥ ወዲ ጠብሪሞን ወዲ ኣዚንን፥ ልኢኹ፥ 19“ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣቦኻን ከም ዝነበረ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ድማ ኺዳን ይኹን። እንሆ፥ ገፀ በረከት ብሩርን ወርቅን ሰዲደልካ ኣለኹ እሞ፥ ባኦስ ንጉስ እስራኤል ካብ ምድረይ ምእንቲ ኽለቅቕስ ነቲ ምስኡ ዝኣተኻዮ ኺዳን ኣፍርሶ” በሎ። 20ወልደ ኣዴር ከዓ ንንጉስ ኣሳ እሺ በሎ፤ ንኸተማታት እስራኤል ክወግእወን ድማ ሰራዊቱ ሰደደ፤ ንዒዮንን ንዳንን፥ ኣቤልቤት መዓካን ኪኔሬትን ምስ ኵላ ምድሪ ንፍታሌምን ድማ ሰዓረን። 21ባኦስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንራማ ምዕራድ ሓዲጉ ኣብ ቴርሳ ተመሊሱ ተቐመጠ። 22ሽዑ ንጉስ ኣሳ ሓደ እኳ ናፃ እንተይሓደገ ንብዘላ ይሁዳ ኣኽተታ። ነቲ ባኦስ ንራማ ዓሪዱሉ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕፃውን ወሲዱ፥ ንጌባ ናይ ብንያምን ንምፅጳን ዓረደን።
23ኵሉ እቲ ዝተረፈ ናይ ኣሳ ታሪኽ፥ ኵሉ ጅግንነቱን ኵሉ ዝገበሮን፥ ዝሰርሐን ከተማታትን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ብጊዜ እርጋኑ ግና ኣእጋሩ ሓመመ። 24ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ኸዓ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኢዮሳፍጥ ነገሰ።
ናዳብ ንጉስ እስራኤል
25ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ናዳብ ወዲ ኢዮርብዓም ኣብ እስራኤል ነገሰ። ኣብ እስራኤልውን ክልተ ዓመት ነገሰ። 26ከም ኣቦኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ብመንገዲ ኣቦኡን ንእስራኤልውን ብዘስሓተሉ ሓጢኣት ከደ። 27ባኦስ ወዲ ኣኪያ ኻብ ነገድ ይሳኮር ድማ ተመሓሓለሉ። ናዳብን ብዘለዉ እስራኤልን ንገባቶን ከቢቦምዋ እንተለዉ ኸዓ፥ ባኦስ ኣብ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ኣብ ዘሎ ገባቶን ቀተሎ። 28ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ ባኦስ ንናዳብ ቀተሎ፤ ክንድኡ ድማ ነገሰ። 29-30ምስ ነገሰ ብሰንኪ እቲ ኢዮርብዓም ዝገበሮ ሓጢኣትን ብሰንኪ እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶምን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዘቘጥዖ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብባርያኡ ብኣኪያ በዓል ሴሎ ተዛሪብዎ ዝነበረ ንቤት ኢዮርብዓም ኣጥፍኣ፤ ሓደ እስትንፋስ እንተይሓደገውን ንዅሎም ኣጥፍኦም።
31ኵሉ እቲ ዝተረፈ ናይ ናዳብ ነገርን እቲ ዅሉ ዝገበሮን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 32ኣብ መንጎ ኣሳ ንጉስ ይሁዳን ባኦስ ንጉስ እስራኤልን ኵልሻዕ ውግእ ነበረ።
ባኦስ ንጉስ እስራኤል
33ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ባኦስ ወዲ ኣኪያ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኣብ ቴርሳ ነገሰ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት ከዓ ገዝአ። 34ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ብመንገዲ ኢዮርብዓምን ንእስራኤል ብዘስሓተሉ ሓጢኣትን ከደ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in