YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ነገስት 14

14
ሞት ወዲ ኢዮርብዓም
1በቲ ዘመን እቱይ ኣብያ ወዲ ኢዮርብዓም ሓመመ። 2ኢዮርብዓም ድማ ንሰበይቱ “ንዒ በይዛኺ፥ ሰበይተይ ምዃንኪ ኸይትፍለጢስ፥ ክዳንኪ ለውጢ፤ ናብ ሴሎ ኸዓ ኺዲ። እንሆ፥ እቲ ብዛዕባይ ኣብ ልዕሊ እዝ ህዝቢ እዙይ ከም ዝነግስ ዝተዛረበ ነቢይ ኣኪያ ኣብኣ ኣሎ። 3ዓሰርተ እንጀራን ሕምባሻን ንፅባ መዓርን ሒዝኪ ናብኡ ኺዲ። ንሱ እዝ ቘልዓ እንታይ ከም ዝኸውን ክገልፀልኪ እዩ” በላ። 4ሰበይቲ ኢዮርብዓም ድማ ተሲኣ ናብ ሴሎ ኸደት፤ ናብ ቤት ኣኪያውን ኣተወት።
ኣኪያ ግና ኣዒንቱ ብእርጋን ፈዚዘን ነበራ እሞ ኽርኢ ኣይከኣለን። 5እግዚኣብሄር ድማ ንኣኪያ “እኒሃ ሰበይቲ ኢዮርብዓም ብዛዕባ እቲ ዝሓመመ ወዳ ኽትጥይቐካ ትመፅእ ኣላ። ንሳ ኻልእ ሰበይቲ መሲላ ኽትኣቱ እያ እሞ፥ ከምዙይ ከምዙይ ኢልካ ተዛረባ” በሎ።
6ብደገ ኽትኣቱ እንተላ፥ ኣኪያ ድምፂ እግራ ምስ ሰምዐ፥ “ሰበይቲ ኢዮርብዓም፥ እተዊ ደኣ፤ ስለ ምንታይ ኢኺ ኻልእ ሰበይቲ እትመስሊ? ኣነ ድማ ኸቢድ ወረ ኽነግረኪ ናባኺ ተልኢኸ ኣለኹ። 7ኪዲ እሞ ንኢዮርብዓም ከምዙይ በሊዮ፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ማእኸል ህዝቢ ሓርየ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ገዛኢ ገበርኩኻ፤ 8መንግስቲ ድማ ኻብ ቤት ዳዊት መቒለ ሃብኩኻ። ንስኻ ግና፥ ከምቲ ትእዛዛተይ ዝሓለወ፥ ኣብ ቅድመይ ከዓ ዅሉ ቕኑዕ ዝኾነ ጥራሕ ከም ዝገበረ፥ ብምሉእ ልቡውን ከም ዝተኸተለኒ፥ ከም ባርያይ ዳዊት ኣይኮንካን። 9ካብቶም ቅድሜኻ ዝነገሱ፥ ክፉእ ብምግባር ዝገደድካ ንስኻ ኢኻ፤ ክተቘጥዐኒ ድማ ኻልኦት ኣማልኽትን ዝፈሰሰ ምስልታትን ገበርካ፤ ንኣይ ግና ንድሕሪት ደርበኻኒ።
10 # 1 ነገ. 15፡29። “ስለዙይ እንሆ፥ ንቤት ኢዮርብዓም ክፉእ ከምፅአላ እየ፤ ኣብ እስራኤል ዘሎ እሱር ኮነ ፍቱሕ ኵሉ ተባዕታይ ዝኾነ ኸጥፍእ እየ። ድዅዒ ኽሳዕ ዝጠፍእ ከም ዝዅስተር ገይረ ኸዓ ንገዛኻ፥ ፈፂማ ኽሳዕ እትጠፍእ ክዅስትራ እየ። 11እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ነቲ ኻብ ወገን ኢዮርብዓም ኣብ ከተማ ዝመውት ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም፤ ነቲ ኣብ በረኻ ዝመውት ከዓ ኣዕዋፍ ሰማይ ክበልዓኦ እየን።
12“ንስኺ ኸዓ ሕዚ ናብ ቤትኪ ኺዲ፤ እግርኺ ኣብታ ኸተማ ምስ በፅሐ ድማ እቲ ቘልዓ ኽመውት እዩ። 13ኣብ ቤት ኢዮርብዓም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣብዝ ቘልዓ እዙይ ጥራሕ ፅቡቕ ነገር ስለ ዝረኸበ፥ ንሱ ጥራሕ ከም ስርዓት ክቕበር እዩ፤ ንእኡ ኸዓ ዅሎም እስራኤል እናበኸዩ ኽቐብርዎ እዮም።
14“እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ እስራኤል ንጉስ ዝኾኖ ኸተስእ እዩ፤ እቲ ንጉስ በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት ኢዮርብዓም ከጥፍኣ እዩ። ሕዚ እሞ እንታይ ክግበር እዩ? 15እግዚኣብሄር ንእስራኤል ክወቕዖ እዩ። ከምቲ ሻምብቆ ኣብ ማይ ነነው ዝብል እግዚኣብሄር ድማ ንእስራኤል ከምኡ ኽወቅዕ እዩ። ንእግዚኣብሄር ከቘጥዑ ጣዖታት ኣስታሮት ስለ ዝገበሩ፥ ንእስራኤል ካብዛ ነቦታቶም ዝሃቦም ፍርያም ምድሪ ኽነቕሎም፥ ናብ ሰገር ሩባ ኤፍራጥስውን ክብትኖም እዩ። 16ብሰንኪ እቲ ኢዮርብዓም ዝገበሮ ሓጢኣትን፥ ንእስራኤል ከዓ ዘሕጥኦምን፥ ንእስራኤል ክድርብዮም እዩ” በላ።
17ሰበይቲ ኢዮርብዓም ተሲኣ ናብ ቴርሳ ኸደት፤ ኣብ ድርኵዂት ቤታ ምስ በፅሐት ድማ እቲ ቘልዓ ሞተ። 18ከምቲ እግዚኣብሄር ብባርያኡ፥ ብነቢይ ኣኪያ ዝተዛረቦ ቓል ከዓ ዅሎም እስራኤል ቀበርዎን በኸዩሉን።
ሞት ኢዮርብዓም
19እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮርብዓም ታሪክ፥ ከመይ ኢሉ ኸም ዝተዋግአን ከመይውን ከም ዝነገሰን፥ እንሆ፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 20ኢዮርብዓም ዕስራን ክልተን ዓመት ነገሰ፤ ምስ ኣቦታቱውን ደቀሰ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ናዳብ ነገሰ።
ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ
(2 ዜና. 11፡5-1215)
21ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት እንተሎ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ኣብታ እግዚኣብሄር ስሙ ኣብኣ ኽፅዋዕ ኢሉ ኻብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ዝሓረያ ኢየሩሳሌም ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ነገሰ። እኖኡ ኸዓ ንዓማ በዓልቲ ኣሞን ነበረት።
22ህዝቢ ይሁዳ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፤ ካብቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ዝበዝሕ ሓጢኣት ብምግባሮም ከዓ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዕዎ። 23#2 ነገ. 17፡9-10። ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነዋሕቲ ዀረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኦምን ንጣዖት ዝሰግዱሉ በረኽትን ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን ንጣዖት ዘምልኹሉ ኣዕማድን ሰርሑ። 24ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ድማ ግብረ ሰዶማውያን ነበሩ። ከምቲ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዅሉ ርኽሰት ይገብሩ ነበሩ። #ዘዳ. 23፡17።
25 # 2 ዜና. 12፡2-8። ንጉስ ሮብዓም ሓሙሽተ ዓመት ምስ ነገሰ፥ ሺሻቅ ንጉስ ግብፂ ናብ ኢየሩሳሌም ደዪቡ ወረራ። 26ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ንመዛግብቲ ቤተ መንግስትን ብምሉኡ ወሰደ። ነቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ዅሉ ዋልታ ወርቂውን ወሰዶ። #1 ነገ. 10፡16-17፥ 2 ዜና. 9፡15-16። 27ንጉስ ሮብዓም ድማ ኽንድኡ ዋልታታት ነሃስ ገበረ፤ ኣብ ኢድ ኣሕሉቕ እቶም ንደገ ቤት ንጉስ ዝሕልዉ ተኸተልቲ ኸዓ ኣማዕቘቦም። 28እቲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክኸይድ እንተሎ፥ እቶም ሓለውቲ ይስከሙዎም ነበሩ፤ ብድሕሪኡ ድማ ናብ ውሽጢ ቤት እቶም ሓለውቲ ይመልስዎም ነበሩ።
29እቲ ዝተረፈ ናይ ሮብዓም ታሪኽን፥ ኵሉ ዝገበሮን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 30በቲ ዘመን እቱይ ከዓ ኣብ መንጎ ሮብዓምን ኢዮርብዓምን ኵልሻዕ ውግእ ነበረ። 31ሮብዓም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ። እኖኡ ድማ ናዓማ እትብሃል በዓልቲ ኣሞን ነበረት። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣብያ ነገሰ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in