1ይ ነገስት 13
13
ኣምልኾ ጣዖት ኣብ ቤቴል ከም ዝተወገዘ
1ኢዮርብዓም ክዓጥን ኣብ መሰውኢ ደው ኢሉ እንተሎ ድማ፥ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ካብ ይሁዳ ናብ ቤቴል መፀ። 2#2 ነገ. 23፡15-16። ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ከዓ “ኣታ መሰውኢ፥ ኣታ መሰውኢ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብለካ ኣሎ፦ ‘ንቤት ዳዊት ኢዮስያስ ዝስሙ ወዲ ኽውለደላ እዩ። ንሱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዀረብታ ንዝተሰርሐ ንናይ ኣህዛብ መሰውኢ ኣገልገልቲ ኾይኖም መስዋእቲ ንዘቕርቡልካ ኻህናት፥ ኣብ ልዕሌኻ ኽስውኦምን ነዕፅምቲ ሰባትውን ከቃፅለልካ እዩ’ ” ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ዓው ኢሉ ኣድመፀ። 3በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ምልክት እዙይ እዩ፦ “እንሆ፥ እቲ መሰውኢ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ኽወድቕ እዩ፤ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ኽፈስስ እዩ” ኢሉ ምልክት ሃበ።
4እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቤቴል ዘሎ መሰውኢ ዝተዛረቦ ነገር ምስ ሰምዐ፥ ንጉስ ኢዮርብዓም ካብቲ መሰውኢ ኢዱ ዘርጊሑ “ሓዝዎ” በለ። እታ ዝዘርግሓ ኢዱ ግና ስለ ዝደረቐት ክመልሳ ኣይከኣለን። 5እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከም ዝሃቦ ምልክት ድማ፥ እቲ መሰውኢ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ወደቐ። እቲ ሓሙዅሽቲውን ፈሰሰ።
6ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ “እዛ ኢደይ ክትሓውስ በይዛኻ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምነለይ፤ ምእንታይ ከዓ ፀሊ” በሎ። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ለመነ፤ እታ ኢድ ንጉስ ድማ ሓወየት፤ ከም ቀደማውን ኮነት።
7እቲ ንጉስ ከዓ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ “ምሳይ ናብ ቤት እቶ እሞ እንጀራ ብላዕ፤ ውህብቶውን ክህበካ እየ” በሎ። 8-9እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ግና ነቲ ንጉስ “እንጀራ ኣይትብላዕ፤ ማይውን ኣይትስተ፤ በታ ዝኸድካያ መንገዲውን ኣይትመለስ ኢሉ እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩ እሞ፥ ፍርቂ ገዛኻ እንተ እትህበኒ እኳ፥ ምሳኻስ ኣይኣቱን፤ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኸዓ እንጀራ ኣይበልዕን ማይውን ኣይሰትን እየ” በሎ። 10ብኻልእ መንገዲ ድማ ኸደ፤ በታ ናብ ቤቴል ዝመፀላ መንገዲውን ኣይተመለሰን።
ኣብ ቤቴል ዝነበረ ኣረጊት ነቢይ
11ኣብ ቤቴል ድማ ሓደ ኣረጊት ነቢይ ነበረ። ደቁ መፂኦም ከዓ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዅሉ ኣብ ቤቴል ዝገበሮ፥ ነቦኦም ነገርዎ፤ እቲ ንንጉስ ዝተዛረቦ ነገርውን ኣዘንተዉሉ። 12ኣቦኣቶም ከዓ “በየነይቲ መንገዲኸ ኸደ?” ኢሉ ጠየቖም። እቶም ደቁ ድማ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመፀ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኸደላ መንገዲ ኣርአይዎ። 13ነቶም ደቁ ኸዓ “ኣድጊ ፀዓኑለይ” በሎም። ንሳቶም ድማ ፀዓኑሉሞ ተቐመጦ። 14ደድሕሪ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኸደ፤ ኣብ ትሕቲ ኦም ተቐሚጡ ኸዓ ረኸቦ፤ “እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመፀ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ንስኻ ዲኻ?” ኢሉ ድማ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “እወ ኣነ እየ” ኢሉ መለሰሉ።
15ንሱ ድማ “ነዓናይ ምሳይ ናብ ቤት እቶ እሞ እንጀራ ብላዕ” በሎ።
16-17ንሱ ግና “ ‘ኣብኣ እንጀራ ኣይትብላዕ፤ ማይ ኣይትስተ፤ በታ ናብኣ ዝኸድካላ መንገዲውን ኣይትመለስ’ ኢሉ እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩ እሞ ምሳኻ ተመሊሰ ኣይከይድን እየ፤ ኣብዛ ቦታ እዚኣውን ምሳኻ እንጀራ ኣይበልዕን ማይውን ኣይሰትን እየ” በሎ።
18ንሱ ኸዓ “ኣነውን ከማኻ ነቢይ እየ፤ መልኣኽ ድማ ‘እንጀራ ኽበልዕን ማይውን ክሰትን ናብ ገዛኻ ምለሶ’ ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩ” በሎ። ግና እቲ ኣረጊት ነቢይ ሓስዩ እዩ ኸምኡ ዝበለ። 19ስለዙይ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ምስቲ ኣረጊት ነቢይ ተመለሰ፤ ኣብ ቤቱ ኣተወ፤ እንጀራ በልዐ፤ ማይውን ሰተየ።
20ንሳቶም ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም እንተለዉ ኸዓ፥ ነቲ ዝመለሶ ኣረጊት ነቢይ ቃል እግዚኣብሄር መፆ። 21ነቲ ኻብ ይሁዳ ዝመፀ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ድማ ዓው ኢሉ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ንቓለይ ስለ ዝኸዳዕኻዮ፥ ነቲ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዝኩኻ ትእዛዝውን ስለ ዘይሓለኻዮ፥ 22ኣብታ እንጀራ ኣይትብልዐላ ማይ ከዓ ኣይትስተየላ ዝበለካ ቦታ ተመሊስካ እንጀራ ስለ ዝበላዕኻ፥ ማይውን ስለ ዝሰተኻ፥ ሬሳኻ ኣብ መቓብር ኣቦታትካ ኣይኣቱን እዩ’ ” በሎ።
23እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እንጀራ ምስ በልዐን ማይ ምስ ሰተየን፥ እቲ ዝመለሶ ኣረጊት ነቢይ ኣድጊ ፀዓነሉ። 24ምስ ከደ ኸዓ፥ ኣብ መንገዲ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎ። ሬሳኡ ድማ ኣብ መንገዲ ተደርቢዩ ነበረ፤ እቲ ኣድግን እቲ ኣንበሳን ድማ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሎም ነበሩ። 25እንሆ ኸዓ፥ ዝሓልፉ ሰባት ሬሳኡ ኣብ መንገዲ ተደርቢዩ፥ እቲ ኣንበሳውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ረአዩ። ናብታ እቲ ኣረጊት ነቢይ ተቐሚጡላ ዝነበረ ኸተማ መፂኦም ድማ ኣውረዩ።
26እቲ ኻብ መንገዱ ዝመለሶ ነቢይ ከዓ እዙይ ምስ ሰምዐ “ንሱ እቲ ንቓል እግዚኣብሄር ዝኸድዐ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ዝተዛረቦ ዘረባ ድማ እግዚኣብሄር ንኣንበሳ ኣሕሊፉ ሃቦ፤ ሰቢሩ ኸዓ ቐተሎ” በለ። 27ንደቁ ድማ “ኣድጊ ፀዓኑለይ” ኢሉ ተዛረቦም፤ ንሳቶም ድማ ፀዓኑሉ። 28ምስ ከደ ኸዓ እቲ ሬሳ ኣብ መንገዲ ተደርቢዩ ፀንሖ፤ እቲ ኣድግን እቲ ኣንበሳን ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ ኣንበሳ ነቲ ሬሳ ኣይበልዖን፤ ነቲ ኣድጊውን ኣይሰበሮን። 29ሽዑ እቲ ኣረጊት ነቢይ ንሬሳ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣልዒሉ ኣብ ኣድጊ ፀዓኖ፤ ክበኽየሉን ክቐብሮን ከዓ ናብ ከተማኡ ተመለሰ። 30ነቲ ሬሳኡ ድማ ኣብ መቓብሩ ቐበሮ፤ “ዋይ ሓወይ፥ ዋይ ሓወይ” ኢሎም ከዓ በኸዩሉ።
31-32ምስ ቀበሮ ንደቁ “እቲ ኣብቲ ኣብ ቤቴል ዘሎ መሰውእን ኣብ ኵለን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ንመስገዲ ኢሉ ኣብቲ ዀረብታታት ዝሰርሐን ኣባይትን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣዚዝዎ ዝተዛረቦ ብርግፅ ክኸውን እዩ እሞ፥ ምስ ሞትኩ፥ ንኣይ ኣብዛ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ተቐቢርዋ ዘሎ መቓብር ቅበሩኒ፤ ኣዕፅምተይውን ኣብ ጥቓ ኣዕፅምቱ ኣንብሩ” ኢሉ ተዛረቦም።
33ብድሕሪዙይውን ኢዮርብዓም ካብ ክፉእ መንገዱ ኣይተመለሰን፤ መሊሱ ደኣ ኣብቲ ዝሰግደሉ ዀረብታታት ዘገልግሉ ኻብቶም ተራ ህዝቢ ኻህናት ገበረ። ኣብቲ ዀረብታታት ብኽህነት ከገልግሉ ንዝደለዩ ዅሎም ክህነት ሃቦም። 34እዝ ሓጢኣት እዙይ ከዓ ንመንግስቲ ኢዮርብዓም ኣውደቓ፤ ካብ ገፅ ምድሪ እውን ከም እትጠፍእ ገበራ።
Currently Selected:
1ይ ነገስት 13: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in