1ይ ነገስት 12
12
ዕልዋ ዓሰርተ ነገድ እስራኤል
(2 ዜና. 10፡1-19)
1ሮብዓም ናብ ሴኬም ከደ፤ ኵሎም እስራኤል ከዓ ኸንግስዎ ኣብኡ ተኣኪቦም ነበሩ። 2ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ (ንሱ ኻብ ንጉስ ሰሎሞን ሃዲሙ ኣብ ግብፂ ይቕመጥ ነበረ)። 3ልኢኾም ድማ ፀውዕዎ። ሽዑ ኢዮርብዓምን ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን መፂኦም ንሮብዓም፥ 4“ኣቦኻ ኸቢድ ኣርዑት ኣንበረልና፤ ሕዚ ግና ንስኻ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝኣ ኣቦኻን ነቲ ዝሰቐለልና ኸቢድ ኣርዑትን ኣቕልለልና፤ ንሕናውን ክንግዘአልካ ኢና” ኢሎም ተዛረብዎ።
5ንሱ ድማ “ኪዱ እሞ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናባይ ተመለሱ” በሎም። እቶም ህዝቢ ኸዓ ኸዱ።
6ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ እንተሎ ዘማኽርዎ ዝነበሩ ዓበይቲ “ነዝ ህዝቢ እዙይ እንታይ ክምልሰሉ ትመኽሩኒ?” ኢሉ ተማኸረ።
7ንሳቶም ከዓ “ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሎሚ ሓሽከር እንተ ዄንካዮም፥ እንተ ኣገልጊልካዮም፥ ምላሽ ድማ እንተ ሂብካዮም፥ ፅቡቕ ቃልውን እንተ ተዛሪብካዮም፥ ንሳቶም ንሓዋሩ ኣገልገልቲ ክኾኑኻ እዮም” ኢሎም መለሱሉ።
8ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዘማኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ፥ ምስቶም ምስኡ ዝዓበዩን ኣብ ቅድሚኡ ይቖሙ ዝነበሩ መናእሰይን ተማኸረ። 9“ነዞም ‘እቲ ኣቦኻ ዝሰቐለልና ኣርዑት ኣቕልለልና’ ዝብሉኒ ዘለዉ ህዝቢ እዚኣቶም እንታይ ክምልሰሎም ተማኽሩኒ?” ድማ በሎም።
10እቶም ምስኡ ዝዓበዩ መናእሰይ ከዓ፥ “ነዞም ‘ኣቦኻ ኣርዑት ኣኽቢዱልና እዩ እሞ፥ ንስኻ ኣቕልለልና’ ኢሎም ዝተዛረቡኻ ህዝቢ ‘እዛ ንእሽተይ ኣፃብዕተይ ካብ ሕቘ ኣቦይ ትረጕድ። 11ሕዚ ድማ ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ፀዓነኩም፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ኣርዑት ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገሪፉኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ’ በሎም” ኢሎም ነገርዎ።
12ከምቲ እቲ ንጉስ “በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ” ኢሉ ዝተዛረቦም ድማ፥ ኢዮርብዓምን ኵሉ እቲ ህዝብን ኮይኖም በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ሮብዓም መፁ። 13ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ ነቶም ህዝቢ ብርቱዕ ምላሽ መለሰሎም። 14“ኣቦይ ኣርዑት ኣኽበደልኩም፤ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑት፥ ኣርዑት ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ” ኢሉ ኸምቲ ምኽሪ እቶም መናእሰይ ገይሩ ተዛረቦም። 15ነቲ እግዚኣብሄር ንኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ብኣኪያ በዓል ሴሎ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓሉ ምእንቲ ኸቝሞ፥ ካብ እግዚኣብሄር ተመዲቡ ነበረ እሞ፥ እቲ ንጉስ ነቲ ህዝቢ ኣይሰምዖን።
16 #
2 ሳሙ. 20፡1። ሽዑ ዅሎም እስራኤል፥ ንጉስ ከም ዘይሰምዖም ምስ ፈለጡ፦
እቲ ህዝቢ ነቲ ንጉስ “ምስ ዳዊት እንታይ ኣለና?
ኣብ ወዲ እሴይከ እንታይ ርስቲ ኣለና?
ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥
ነናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ።
ኣታ ዳዊት ሕዝስ ገዛኻ ሓሉ”
ኢሎም እናጨደሩ መለሱሉ። ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ነናብ ድንኳናቶም ተመለሱ። 17ሮብዓም ግና ኣብቶም ኣብ ሃገር ይሁዳ ዝቕመጡ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ነገሰ።
18ንጉስ ሮብዓም ንኣዶኒራም ነቲ ግብሪ ዘኽፍል ሰደዶ። ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ግና ብእምኒ ቐጥቀጥዎ፤ ሞተውን። ንጉስ ሮብዓም ድማ ተቐላጢፉ ናብ ሰረገላ ደየበ፤ ናብ ኢየሩሳሌምውን ሃደመ። 19በዝ ኸምዙይ እስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ክሳዕ ሎሚ ኸዲዖም ይነብሩ።
20ኵሎም እስራኤል ኢዮርብዓም ከም ዝተመለሰ ምስ ሰምዑ፥ ልኢኾም ናብቲ ጉባኤ ፀውዕዎ እሞ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኣንገስዎ። ብዘይ ነገድ ይሁዳ ንቤት ዳዊት ዝሰዓበ ኣይነበረን።
ትንቢት ሳማያ
(2 ዜና. 11፡1-4)
21ሮብዓም ናብ ኢየሩሳሌም መፀ፤ ምስ ቤት እስራኤል ተዋጊኦም ነታ ኣብ ሰሜን እስራኤል ዘላ መንግስቲ ናብ መንግስቲ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ክመልስዋ፥ ካብ ኵላ ቤት ይሁዳን ካብ ነገድ ብንያምን ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ኣኽተተ።
22ግና ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኾነ ሳማያ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ፦ 23“ንሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ወዲ ሰሎሞንን ንዅላ ነገድ ይሁዳን ነገድ ብንያምን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ከምዙይ በሎም፦ 24‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምስ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ክትዋግኡ ኣይትኺዱ፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ። እዝ ነገር እዙይ ብፍቓደይ ዝኾነ እዩ’ ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ንቓል እግዚኣብሄር ሰምዑ፤ ከም ቃል እግዚኣብሄርውን ተመሊሶም ከዱ።
ኢዮርብዓም ካብ እግዚኣብሄር ከም ዝረሓቐ
25ኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤል ንሴኬም ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ሰርሓ፤ ኣብኣውን ተቐመጠ። ንኣኣ ሓዲጉ ኸዓ ንጵንኤል ሰርሓ።
26-27ኢዮርብዓም ድማ ብልቡ “ሕዚ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ክስውኡ ናብ ኢየሩሳሌም እንተ ደየቡ፥ ልቦም ናብ ጐይታኦም ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኽምለስ እዩ፤ ንኣይ ክቐትሉኒ እዮም፥ እዛ መንግስቲ ድማ ናብ ቤት ዳዊት ክትምለስ እያ” ኢሉ ሓሰበ።
28 #
ዘፀ. 32፡4። እቲ ንጉስ ድማ መኺሩ ኽልተ ምራኹት ወርቂ ገበረ፤ ነቶም ህዝቢ ኸዓ “ኦ እስራኤል! ናብ ኢየሩሳሌም ምድያብ ይበዝሐኩም ኣሎ፤ እቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኡኹም ኣማልኽትኹም ረአዩ እኒሀዉልኩም” በሎም።
29ነቲ ሓደ ኣብ ቤቴል ኣንበሮ፤ ነቲ ሓደ ኸዓ ኣብ ዳን ገበሮ። 30እቶም ህዝቢ ኽሰግዱ ኽሳዕ ዳን ይኸዱ ነበሩ እሞ ንጣዖት ብምምላኾም ሓጢኣት ገበሩ።
31ኣብ ኰረብታታትውን ዝሰግዱሉ ኣባይቲ ሰርሐ፤ ካብ ዘርኢ ሌዊ ዘይኮኑ ኸዓ፥ ካብቲ ማንም ህዝቢ ኻህናት ገበረ። 32ኢዮርብዓም ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻምነይቲ ወርሒ፥ ከምቲ ኣብ ይሁዳ ዝግበር በዓል፥ በዓል ገበረ። ነቶም ዝሰርሖም ምራኹት ክስውአሎም ኣብ ቤቴል ናብቲ መሰውኢ ደየበ። ነቶም ዝመረፆም ካህናት ኣብ ቤቴል ኣብቲ ዝስገደሉ ኣንበሮም። 33ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ፥ ናይታ ሻምነይቲ ወርሒ፥ በታ ብልቡ ዝመደባ ወርሒ ኣብ ቤቴል ንደቂ እስራኤል በዓል ገበረሎም። ክዓጥን ድማ ናብቲ ዝሰርሖ መሰውኢ ደየበ። #ዘሌ. 23፡33-34።
Currently Selected:
1ይ ነገስት 12: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in