YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ነገስት 11

11
ሰሎሞን ካብ እግዚኣብሄር ከም ዝኸድዐ
1ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ጓል ፈርዖን ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲ፥ ሞኣባውያን፥ ኣሞናውያን፥ ኤዶማውያን፥ ሲዶናውያን፥ ኬጢያውያን ፈተወ። #ዘዳ. 17፡17። 2እዚኣተን ካብቶም እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል፥ “ንሳቶም ንልብኹም ብርግፅ ናብ ኣማልኽቶም ከዘንብልዎ እዮም እሞ፥ ንስኻትኩም ናብኣቶም ኣይትኪዱ፥ ንሳቶምውን ናባኻትኩም ኣይምፅኡ” ምስ ዝበሎም ኣህዛብ፥ ሰሎሞን ብፍቕረን ተትሓዘ። #ዘፀ. 34፡16፥ ዘዳ. 7፡3-4። 3ሸውዓተ ሚእቲ ንግስታት ኣንስትን ሰለስተ ሚእቲ ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ። እተን ኣንስቱውን ንልቡ ኣዘንበላኦ። 4ሰሎሞን እናኣረገ ምስ ከደ እተን ኣንስቱ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዘምልኽ ንልቡ ኣዘንበላኦ፤ ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፍፁም ከም ዝነበረ ልቢ ሰሎሞን ከምኡ ኣይነበረን። 5ሰሎሞን ድማ ንኣምላኽ ሲዶናውያን ንኣስታሮትን፥ ንርዅሰት ኣሞናውያን ንሚልኮምን ተኸተለ። 6ስለዙይ ሰሎሞን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ከም ኣቦኡ ዳዊትውን ብምሉእ ልቡ ንእግዚኣብሄር ብምኽታል ፍፁም ኣይኮነን።
7ሽዑ ሰሎሞን ንርዅሰት ሞኣብ ንካሞሽ ንርዅሰት ደቂ ኣሞን ንሞሎኽ መስገዲ ዝኸውን ኣብ መንፅር ኢየሩሳሌም ኣብ ዘሎ ዀረብታ ሰርሐ። 8ንዅለን እተን ጓኖት ኣንስቱ ኸምኡ ሰርሐለን፤ ንሳተን ከዓ ንኣማልኽተን ይዓጥናን ይስውኣን ነበራ።
9ካብቲ ኽልተ ሻዕ ዝተገለፀሉ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ልቡ ስለ ዘርሓቐ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰሎሞን ተቘጥዐ። 10ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኽ ኣዚዝዎ እንተ ነበረ እኳ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኣይሓለዎን። 11ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ንሰሎሞን “እዙይ ስለ ዝገበርካ፥ ነቲ ዝኣዘዝኩኻ ኺዳነይን ሕግጋተይን ድማ ስለ ዘይሓለኻዮ፥ ነዛ መንግስቲ ብርግፅ ካባኻ መቒለ ንሓሽከርካ ኽህቦ እየ በሎ። 12እዙይ ግና ምእንቲ ኣቦኻ ዳዊት ብዘመንካ ኣይገብሮን እየ፤ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ወድኻ እየ ዝወስዳ። 13ግና ነታ መንግስቲ ኹላ ኣይመቕላን እየ፤ ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ዝሓረኽዋ ኢየሩሳሌምን ኢለ ንወድኻ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ” በሎ።
ፀላእቲ ሰሎሞን
14እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ዘርኢ ነገስታት ኤዶምያስ ንዝኾነ ሰብ ንሃዳድ ኣብ ልዕሊ ሰሎሞን ፀላኢ ገይሩ ኣተስኦ። 15ዳዊት ንኤዶምያስ ምስ ሰዓራ፥ ኢዮኣብ ሓለቓ ሰራዊቱ ነቶም ቅቱላት ክቐብር ከይዱ ነበረ። ንዅሉ ኣብ ኤዶምያስ ዝነበረ ተባዕታይ ከዓ ቐተሎ። 16ኢዮኣብን ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ንዅሉ ኣብ ኤዶምያስ ዝነበረ ተባዕታይ ክሳዕ ዘጥፍኡ፥ ኣብኡ ሽዱሽተ ወርሒ ተቐመጡ። 17ሃዳድ ግና ምስ ውሑዳት ኤዶማውያን ኣገልገልቲ ኣቦኡ ኾይኑ ናብ ግብፂ ሃዲሙ ኸደ፤ ሃዳድ ሽዑ ንእሽተይ ቘልዓ ነበረ። 18ንሳቶም ካብ ምድያም ተልዒሎም ከዓ ናብ ፋራን ከዱ፤ ካብ ፋራን ድማ ምስኣቶም ሰባት ወሲዶም ናብ ግብፂ ናብ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኸዱ፤ ንሱ ኸዓ ቤት ሃቦ፤ ቀለብውን ኣዘዘሉ፤ ምድሪ ድማ ሃቦ።
19ሃዳድ ከዓ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ብዙሕ ሞገስ ረኸበ፤ ንሱ ድማ ሓፍቲ ሰበይቱ፥ ሓፍቲ ንግስቲ ቴቄምናስ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ። 20እዛ ሓፍቲ ቴቄምናስ ከዓ ጌንባት ዝበሃል ወዲ ወለደትሉ። ንግስቲ ቴቄምናስ ድማ ኣብ ቤት ፈርዖን ኣዕበየቶ፤ ጌንባት ከዓ ኣብ ቤት ፈርዖን ኣብ ማእኸል ደቂ ፈርዖን ዓበየ።
21ሃዳድ ድማ ኣብ ግብፂ እንተሎ ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ኸም ዝደቀሰ፥ ኢዮኣብ ሓለቓ ሰራዊትውን ከም ዝሞተ፥ ምስ ሰምዐ፥ ንፈርዖን “ናብ ሃገረይ ክኸይድስ ኣሰናብተኒ” በሎ።
22ፈርዖን ግና “ናብ ሃገርካ ኽትከይድ እትደልስ፥ ምሳይ እንተለኻ እንታይዶ ጐዲሉካ እዩ?” በሎ። ሃዳድ ከዓ “ሓደ እኳ ኣይጐደለንን፤ ግና ክኸይድ ኣሰናብተኒ ደኣ” በሎ። ሃዳድ ድማ ናብ ሃገሩ ተመለሰ። ሃዳድ ዝገበሮ ኽፉእ ነገር እዙይ እዩ፤ ንእስራኤል ኣጨነቖም፤ ኣብ ኤዶምያስውን ነገሰ።
23ኣምላኽ ድማ ኻልእ ንሰሎሞን ዝፃረር ንሬዞን ወዲ ኤልያዳዕ ኣተስአሉ። ንሱ እቲ ኻብ ጐይታኡ ኻብ ኣድርኣዛር ንጉስ ሱባ ዝሃደመ ነበረ። 24ሬዞን በታ ዳዊት ንሰብ ሱባ ዝቐተለላ ጊዜ፥ ሰባት ኣኪቡ ሓለቓ ሽፍታ ኾነ። ናብ ደማስቆ ኸይዶም ከዓ ተቐመጡ፤ ኣብኣ ድማ ኣንገስዎ። 25ንሱ ድማ ኸምቲ ናይ ሃዳድ ክፉእ እናገበረ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን ፀረ እስራኤል ኮይኑ ነበረ። ንእስራኤል ድማ ይፅየፎ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ኸዓ ነገሰ።
ኢዮርብዓም ንሰሎሞን ከም ዝኸድዖ
26ከምኡውን ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኤፍራታዊ በዓል ሳሪራ፥ ካብ ንጉስ ሰሎሞን ከድዐ። ንሱ ወዲ ሓንቲ ፅሩዓ እትብሃል መበለት ነበረ። 27እቲ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ዝገበሮ ዓመፅ ምኽንያቱ ኸምዙይ እዩ፦ ሰሎሞን ነቲ ሚሎን ሰርሖ፤ ነቲ ዝፈረሰ መካበብያ ኸተማ ኣቦኡ ዳዊት እውን ፀገኖ። 28ኢዮርብዓም ድማ ፅኑዕ ሓያል ሰብኣይ ነበረ። ሰሎሞን ከዓ እቲ ጐበዝ ትጉህ ሰራሕተኛ ኸም ዝኾነ ሪኡ፥ ኣብ ልዕሊ ስራሕ እቶም ነገድ ዮሴፍ ሸሞ።
29ኮነ ድማ፥ ኢዮርብዓም ካብ ኢየሩሳሌም ወፀ፤ ነቢይ ኣኪያ በዓል ሴሎ ኸዓ ኣብ መንገዲ ረኸቦ። ኣኪያ ድማ ሓድሽ ክዳን ተኸዲኑ ነበረ። ክልቲኦም ከዓ ንበይናቶም ኣብ ሜዳ ነበሩ። 30ኣኪያ ኸዓ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ሓድሽ ክዳን ሒዙ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ኽፍሊ ቘራረፆ። 31ንኢዮርብዓም ከዓ “ዓሰርተ ቝራፅ ንኣኻ ውሰድ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ፥ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ሰሎሞን ክወስዳ እየ፤ ዓሰርተ ነገድ ድማ ንኣኻ ኽህበካ እየ። 32ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ኻብ ኵለን ከተማታት ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ ኢየሩሳሌምን ግና እቲ ሓደ ነገድ ንእኡ ይኹን። 33እዙይ ከዓ ንኣይ ሓዲጉ ንኣስታሮት፥ ነታ ኣምላኽ ሲዶናውያን፥ ንካሞሽ ኣምላኽ ሞኣብ፥ ንሞሎክ ኣምላኽ ደቂ ኣሞን ስለ ዝሰገደ፥ ከም ዳዊት ኣቦኡ ገይሩ ኸዓ እቲ ኣብ ቅድመይ ቅኑዕ ዝኾነን እቲ ሕግታተይን ትእዛዛተይን ክገብር ብመንገደይ ስለ ዘይከደ እዩ። 34ግና ምእንቲ እቲ ትእዛዛተይን ሕግታተይን ዝሓለወ ባዕለይ ዝሓረኽዎ ባርያይ ዳዊት ኢለ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ደኣ ንጉስ እገብሮ እምበር፥ ነታ መንግስቲ ብዅላ ኻብ ኢዱ ኣይወስዳን እየ። 35ግና ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ወዱ ኽወስዳ እየ፤ ንኣኻ ድማ እቶም ዓሰርተ ነገድ ክህበካ እየ። 36ኣብታ ስመይ ኣብኣ ኽስመ ዝሓረኽዋ ኸተማ ኢየሩሳሌም፥ ንባርያይ ዳዊት ኵሉ ዘመን ኣብ ቅድመይ መብራህቲ ክኾነሉ፥ ንወዱ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ። 37ንኣኻ ድማ ክወስደካ እየ፤ ነፍስኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዝፈተወቶ ኽትነግስ እያ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ንጉስ ክትከውን ኢኻ። 38ኵሉ ዝኣዘዝኩኻ ዘበለ እንተ ሰሚዕኻ ብመንገደይ ከዓ እንተ ኼድካ፥ ኣብ ቅድመይውን ቅኑዕ ዝኾነ እንተ ጌርካ፥ ከምቲ ባርያይ ዳዊት ዝገበሮ ኸዓ ትእዛዛተይን ሕግታተይን እንተ ሓሊኻ፥ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ከምቲ ንባርያይ ዳዊት ዝሰራሕኹሉ፥ ንኣኻውን ፅንዕቲ ቤት ክሰርሐልካ እየ። ንእስራኤልውን ንኣኻ ኽህበካ እየ፤ 39ስለዙይ ንዘርኢ ዳዊት ከጨንቖ እየ፤ ግና ንዅሉ ዘመን ኣይኮነን’ ” በሎ።
40ስለዙይ ሰሎሞን ንኢዮርብዓም ክቐትሎ ደለየ፤ ኢዮርብዓም ግና ተሲኡ ናብ ሺሻቅ ንጉስ ግብፂ ሃደመ። ክሳዕ ሞት ሰሎሞን ከዓ ኣብ ግብፂ ተቐመጠ።
ሞት ሰሎሞን
(2 ዜና. 9፡29-31)
41እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎሞን ነገርን፥ እቲ ዝገበሮ ዅሉ ጥበቡን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ሰሎሞን ተፅሒፉ ኣሎ። 42ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነገሰሉ ዘመን ኣርብዓ ዓመት ነበረ። 43ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊትውን ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሮብዓም ነገሰ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in