YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ቆሮንቶስ 7

7
ብዛዕባ መውስቦ
1ብዛዕባ እቲ ዝፀሓፍኩምለይ ነገር ድማ፥ ሰብኣይ ናብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ይሐይሽ። 2ግና ኻብ ዝሙት ምእንቲ ኽርሕቕ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ፥ ናይ ባዕሉ ሰበይቲ ትሃልዎ። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ እውን፥ ናይ ባዕላ ሰብኣይ ይሃልዋ። 3ሰብኣይ ንሰበይቱ፥ ዝግብኣ ይግበረላ፤ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ዝግብኦ ትግበረሉ። 4ሰበይቲ ኣብ ሰብነታ ስልጣን የብላን፤ ስልጣን ንሰብኣያ እዩ እምበር፤ ከምኡውን ሰብኣይ ኣብ ሰብነቱ ስልጣን የብሉን፤ ስልጣን ንሰበይቱ እዩ እምበር። 5ንፀሎት ክትተግሁ፥ ብዝተሰማማዕኹምሉ ጊዜ ጥራሕ እንተ ዘይኮይኑ፥ ኣይትፈላለዩ። ንሰብነትኩም ምቍፅፃር ብዘይምኽኣልኩም፥ ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም፥ ብሓደ ኹኑ። 6እዙይ ግና ኸም ምኽሪ እምበር፥ ከም ትእዛዝ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። 7ኵሉ ሰብ ከምዝ ኸማይ ክኸውን ምፈተኹ ነይረ፤ ግና ነፍሲ ወከፍ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተቐበሎ፥ ናይ ፀጋ ውህብቶ ስለ ዘለዎ፥ እቲ ሓደ ኸምዙይ፥ እቲ ሓደውን ከምቱይ፥ ውህብቶ ኣለዎ።
8ንዘይተመርዐዉን ንመበለታትን ግና፥ ከምዝ ኸማይ ኮይኖም እንተ ነበሩ ይሐሾም እብል ኣለኹ። 9#1 ጢሞ. 5፡14። ንሰብነቶም ክቈፃፀሩ እንተ ዘይኽኢሎም ግና ይመርዐዉ፤ ብፍትወት ካብ ምቅፃል፥ ምምርዓው ይሐይሽ እዩ እሞ።
10ነቶም ዝተመርዓዉ ድማ፥ ብናይ ባዕለይ ዘይኮነስ፥ ብናይ ጐይታ ትእዛዝ፥ እእዝዞም ኣለኹ፤ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈላለ። 11#ማቴ. 5፡32። እንተ ተፈላልያ ግና፥ እንተየእተወት ትንበር፤ ወይ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ። ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ። 12ነቶም ዝተረፉ ድማ፥ ብጐይታ ዘይኮነስ፥ ኣነ ባዕለይ ከምዙይ እብሎም ኣለኹ፤ ሓደ ኣማኒ፥ ኣማኒት ዘይኮነት ሰበይቲ እንተ ሃሊያቶ፥ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት፥ ኣይፍትሓያ። 13ሰበይቲ እውን ኣማኒ ዘይኮነ ሰብኣይ እንተ ሃልይዋ፥ ንሱ ኸዓ ምስኣ ኽነብር እንተ ፈተወ፥ ኣይትፍትሓዮ። 14እቲ ኣማኒ ዘይኮነ ሰብኣይ፥ ምእንቲ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፤ እታ ኣማኒት ዘይኮነት ሰበይቲ እውን፥ ምእንቲ ኣማኒ ሰብኣያ ተቐዲሳ እያ እሞ፤ ከምኡ እንተ ዘይኸውን፥ ደቆም ርኹሳት ምኾኑ ነይሮም፤ ሕዚ ግና ተቐዲሶም እዮም። 15እቲ ኣማኒ ዘይኮነ፥ ክፍለ እንተ ደለየ ግና ይፈለ። ኣብ ከምዙይ ዝመሰለ እቲ ሓው ወይ እታ ሓፍቲ ኣይግደዱን። እግዚኣብሄር ብሰላም ክንነብር እዩ ዝፀውዐናሞ። 16#1 ጴጥ. 3፡1-2። ኣቲ ሰበይቲ፥ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሓንክዮ እንታይ ትፈልጢ? ኣታ ሰብኣይውን፥ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሓንካያ እንታይ ትፈልጥ?
ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝፀውዖ ይንበር
17ብዝተረፈ ነፍሲ ወከፍ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዓደሎ፥ ነፍሲ ወከፍውን ከምቲ እግዚኣብሄር ዝፀውዖ ኾይኑ ይንበር። ንዅላተን ኣብያተ ክርስቲያን፥ ከምኡ እየ ዝሰርዕ ዘለኹ። 18#ግ.ሓ. 15፡1፥ ገላ. 5፡2። ሓደ ኣማኒ ኻባኻትኩም፥ ግሩዝ እናሃለወ ዝተፀውዐ እንተ ሃልዩ ድማ፥ ዘይምግራዝ ኣይመነ። ዘይግሩዝ እናሃለወ ዝተፀውዐ እንተ ሃልዩ፥ ክግረዝ ኣይድለ። 19#ሮሜ 2፡28-29፥ ገላ. 5፡6። ትእዛዛት እግዚኣብሄር ምሕላው እዩ ዝጠቅም እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ ዝጠቕሞ የብሉን። 20ነፍሲ ወከፍ፥ ከምታ እግዚኣብሄር ክፅውዖ እንተሎ ዝነበራ ይንበር። 21ባርያ እንተለኻ ዲኻ ዝተፀዋዕኻ? በዙይ ኣይትሕሰብ፤ ሓራ ኽትወፅእ ትኽእል እንተ ዄንካ ግና፥ ሓርነትካ ርኸብ። 22#ዮሓ. 8፡32፥36፥ ሮሜ 6፡18፥ 1 ጴጥ. 2፡16። እቲ ባርያ እንተሎ እግዚኣብሄር ዝፀውዖ፥ ናይ ጐይታ ውፁእ ሓራ እዩ። ከምኡውን እቲ ሓራ እንተሎ ዝተፀውዐ፥ ባርያ ክርስቶስ እዩ። 23#1 ቆሮ. 6፡12፥ ገላ. 1፡10፥ 1 ጴጥ. 1፡18-19። ክርስቶስ ብዋጋ ዓዲጉኩም እዩ እሞ፥ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑ። 24ኣሕዋትና፥ ነፍሲ ወከፍ በቲ ዝተፀውዖ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምኡ ይንበር።
ብዛዕባ ደናግልን መበለታትን
25ብዛዕባ ደናግል ግና፥ እሙን ክኸውን ከም ሓደ ኻብ ጐይታ ምሕረት ዝተቐበለ ሰብ ኮይነ፥ ምኽረይ እነግረኩም ኣለኹ እምበር፥ ካብ ጐይታ ዝተቐበልክዎ ትእዛዝ ኣይኮነን። 26እምበኣር ብምኽንያት እቲ ሎሚ ተረኺቡ ዘሎ ጭንቂ፥ ሰብ ከምታ ዘለዋ ኾይኑ ኽነብር ፅቡቕ መሲሉ ይረአየኒ። 27ተመርዒኻ እንተ ዄንካ፥ ክትፋታሕ ኣይትድለ። ዘይተመርዖኻ እንተ ዄንካ፥ ምምርዓው ኣይትድለ። 28ግና እንተ ተመርዖኻ፥ ሓጢኣት ኣይገበርካን፤ ድንግልውን እንተ ተመርዐወት፥ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና፥ ብናብራ፥ ፀገማት ይረኽቦም እዩ እሞ፥ ካብዙይ ክትድሕኑ ኢለ እየ። 29#ሮሜ 13፡11። ኣሕዋተይ፥ እቲ ዝብለኩም ዘለኹ እዙይ እዩ፤ እቲ ዘመን ሓፂር እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ከም ዘይብሎም ይንበሩ። 30እቶም ዝሓዝኑ ኸም ዘይሓዝኑ፥ እቶም ዝሕጐሱ ኸም ዘይሕጐሱ፥ እቶም ዝዕድጉ ኸም ዘየጥረዩ፥ 31#1 ዮሓ. 2፡15፥17። እቶም ብናብራ እዛ ዓለም እዚኣ ዝጥቀሙ፥ ብእኡ ኸም ዘይጥቀሙ #7፡31 ኣብ ግእዝ “ዝመለኹ ከም ዘይመለኹ፥ ዝበልዑ ኸም ዘይበልዑ፥ ዝሰተዩ ኸም ዘይሰተዩ” ዝብል ይርከብ። ኾይኖም ይንበሩ፤ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ሓላፊት እያ እሞ። 32#ማቴ. 13፡22፥ 1 ጢሞ. 5፡5። ኣነ ግና ብዘይ ሓሳብ ክትነብሩ ድልየተይ እዩ፤ እቲ ዘይተመርዐወ፥ ከመይ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ከም ዘሐጕሶ፥ ብዛዕባ ጐይታ እዩ ዝሓስብ። 33#ሉቃ. 14፡20። እቲ ዝተመርዐወ ግና፥ ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘሐጕሳ፥ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዝሓስብ፤ 34በዝ ዅነታት እዙይ፥ ሓሳቡ ዝተኸፋፈለ ይኸውን። እታ መበለት ሰበይቲ ወይ ዘይተመርዐወት ድንግል ድማ፥ ስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኽቕደስ፥ ብዛዕባ እግዚኣብሄር እያ እትሓስብ። እታ ዝተመርዐወት ግና፥ ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጕሶ፥ ብዛዕባ ናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሓስብ። 35እዙይ ዝብለኩም ዘለኹ፥ ልብኹም እንተይተኸፍለ፥ ንእግዚኣብሄር ብግቡእ ምእንቲ ኽተገልግሉ፥ ንረብሓኹም ኢለ እየ እምበር፥ ከኽብደልኩም ኢለ ኣይኮንኩን።
36ግና ምእታው ኣብ ዝግብኦ ዕድመ ምስ በፅሐ፥ ስለ ድንግልናኡ ዝሓፍር ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ዝደለዮ ይግበር፤ ሓጢኣት የብሉን ይመርዖ። 37እንተይተሃወኸ ብልቡ ዝፀንዐ ግና ኣይግደድን፤ ዝደለዮ ኽገብር ተፈቒድሉ እዩ፤ ድንግልናኡውን ብልቡ ሓልዩ እንተ ፀኒዑ፥ ሰናይ ገበረ። 38ስለዙይ ነታ ድንግል ዝተመርዐወ ሰናይ ገበረ፤ ዘይተመርዐወውን ዝበለፀ ገበረ።
39 # ሮሜ 7፡2። ሰበይቲ፥ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፥ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞይቱ ግና፥ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ፤ ብእግዚኣብሄር ዝኣምን ጥራሕ ደኣ ይኹን እምበር። 40ከም ሓሳበይ ግና፥ ከምቲ ዘላቶ ኾይና እንተ እትነብር፥ ዝበለፀ ምተሓጐሰት፤ ኣነውን መንፈስ እግዚኣብሄር፥ ኣባይ ዘለኒ ይመስለኒ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in