1ይ ቆሮንቶስ 6
6
ኣብ መንጎ ኣመንቲ ምክሳስ ከም ዘይግባእ
1ሓደ ኻባኻትኩም ምስ ብፃዩ ኽርክር እንተ ሃልይዎ፥ ጉዳዩ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳን ክንዲ ምቕራብ፥ ከመይ ደፊሩ ኣብ ቅድሚ ዘይኣምኑ፥ ንምፍራድ ይቐርብ? 2#ዳን. 7፡22፥ ማቴ. 19፡28። ወይ ከዓ ቅዱሳን፥ ንዓለም ከም ዝፈርዱዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ንዓለም እትፈርዱ ኻብ ኮንኩም ደኣ፥ ነዝ ኣናእሽተይ ነገራት ንምፍራድ ከመይ ዘይትበቕዑ? 3ንመላእኽቲ ኸም እንፈርድዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ናይዛ ዓለም እዚኣ ነገር ግዳ፥ ከመይ ዘይንፈርድ? 4እሞኸ ደኣ፥ ብነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዝዳነ እንተ ሃልዩኩም፥ ስለ ምንታይ ነቶም ብቤተ ክርስቲያን ዝተንዓቑ ሰባት፥ ፈረድቲ ትገብሩዎም? 5#2 ጴጥ. 2፡4። ከሕፍረኩም ኢለ እየ ነዙይ ዝዛረብ ዘለኹ፤ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ኽዓርቕ ዝኽእል፥ ለባም ሰብዶ የብልኩምን? 6እኳ ደኣ፥ ሓው ንሓዉ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣምኑ ይኸስስ ኣሎ!
7 #
ማቴ. 5፡39፥ ሮሜ 12፡18፥ ያቆ. 4፡1። ኣብ ንሰንሳትኩም ምክሳስ ምህላዉ፥ ብርግፅ ውርደት እዩ፤ እንተ እትብደሉዶ ኣይመሐሸን? እንተ እትግፍዑዶ ኣይምሐሸን? 8#1 ተሰ. 4፡6። መሕልፎ ንስኻትኩም ነሕዋትኩም እንተይተረፈ፥ ትብድሉን ትገፍዑን ኣለኹም። 9#ሮሜ 1፡18፥ ገላ. 5፡21፥ ኤፌ. 5፡5፥ ራእይ 21፡8። ዓመፅቲ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ኣይትጋገዩ፤ ኣመንዝራታት ወይ መምለኽቲ ጣዖት፥ ዘመውቲ ወይ ግብሪ ሰዶም ዝገብሩ፥ 10ሰረቕቲ፥ ወይ ስሱዓት፥ ወይ ሰካራማት፥ ወይ ተፃረፍቲ፥ ወይ ከተርቲ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይወርስዋን እዮም። 11#ኤፌ. 2፡1-2፥ ሮሜ 3፡23፥ ቲቶ 3፡3፥ ዕብ. 10፡10። ገሊኻትኩም ከምኣቶም ኔርኩም ኢኹም። ግና ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብመንፈስ ኣምላኽናን፥ ተሓፂብኩምን ተቐዲስኩምን ፀዲቕኩምን ኢኹም።
ብሰብነትካ ንእግዚኣብሄር ምኽባር
12 #
1 ቆሮ. 10፡23። ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፤ ግና ዅሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፤ ኣነ ግና፥ ናይ ሓደ ነገር እኳ፥ ግዙእ ክኸውን ኣይደልን እየ። 13#ሮሜ 12፡1፥ 1 ተሰ. 4፡7። ብልዒ ንኸብዲ፥ ከብዲ ኸዓ ንብልዒ እዩ፤ እግዚኣብሄር ግና ነዙይን ነቱይን ከጥፍኦም እዩ። ሰብነት ንእግዚኣብሄር፥ እግዚኣብሄርውን ንሰብነት እዩ እምበር፥ ሰብነት ንምንዝርና ኣይኮነን። 14#ሮሜ 8፡11። እግዚኣብሄር ድማ፥ ከምቲ ንጐይታና ኻብ ምዉታን ዘተስኦ፥ ንኣናውን ብሓይሉ ኸተስአና እዩ። 15#ኤፌ. 5፡30። እቲ ሰብነትኩም፥ ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እሞኸ ደኣ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደ፥ ኣካል ኣመንዝራዶ ኽገብሮ #6፡15 ክገብሮ፦ ግእዝ “ክትገብርዎዶ” ይብል። ይግባእ እዩ? ኣይግባእን! 16#ዘፍ. 2፡24። መፅሓፍ “ክልቲኦም ሓደ ኣካል ክኾኑ እዮም” ከም ዝብል፥ ምስ ኣመንዝራ ዝዘመወ፥ ምስኣ ሓደ ኣካል ከም ዝኸውንዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም? 17#ገላ. 2፡20። እቲ ምስ ጐይታ ሓደ ዝኸውን ግና፥ ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ። 18#ሮሜ 1፡24፥ 1 ተሰ. 4፡4። ካብ ዝሙት ረሓቑ፤ ሰብ ዝገብሮ ዅሉ ሓጢኣት፥ ካብ ሰብነቱ ወፃኢ እዩ ዝገብሮ፤ ዝምንዝር ግና፥ ኣብ ናይ ባዕሉ ሰብነት እዩ ዝብድል። 19ሰብነትኩም፥ ቤተ መቕደስ ናይቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልኩምዎ፥ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምበኣር ናይ ባዕልትኹም ኣይኮንኩምን። 20#ሮሜ 14፡7-8፥ 1 ቆሮ. 3፡16፥ 7፡23፥ 1 ጴጥ. 1፡18-19፥ 1 ዮሓ. 4፡13። ብዋጋ ኢኹም ዝተዓደግኩም፤ ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ብሰብነትኩም ኣኽብርዎ።
Currently Selected:
1ይ ቆሮንቶስ 6: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in