1ይ ቆሮንቶስ 8
8
ንጣዖት ዝተሰውአ ምብላዕ ከም ዘይግባእ
1 #
ግ.ሓ. 15፡29፥ ሮሜ 14፡3፥14፥ 1 ቆሮ. 13፡4፥ ገላ. 5፡13። ብዛዕባ ንጣዖት ዝተሰውአ ግና፥ “ኵላትና ፍልጠት ከም ዘለና” ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ትዕቢት የሕድር፤ ፍቕሪ ግና ይሃንፅ። 2#ገላ. 6፡3፥ 1 ጢሞ. 6፡4። ዝኾነ ሰብ ዝፈልጥ እንተ መሰሎ፥ ነቲ ዝፈልጦ፥ ከምቲ ዝግብኦ ገይሩ ገና ኣይፈለጦን። 3ንእግዚኣብሄር ዘፍቅር ግና፥ ንሱ ብእግዚኣብሄር ፍሉጥ እዩ።
4 #
ኤር. 10፡14፥ ዘዳ. 4፡39። ብዛዕባ እቲ ንጣዖታት ዝተሰውአ ምብላዕ ግና፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ጣዖታት ከንቱ ከም ዝኮኑ፥ እንትርፊ ሓደ እግዚኣብሄር ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ #8፡4 ጣዖታት ከንቱ ከም ዝኮኑ፥ እንትርፊ ሓደ እግዚኣብሄር ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ፦ ግእዝ “ኣማልኽቶም ብዙሓት እንተ ኾኑ፥ ኣጋንንቶም ድማ ብዙሓት እዮም” ይብል። ንፈልጥ ኢና።
5ብዙሓት ኣማልኽትን፥ ብዙሓት ጐይቶትን፥ ተብሂሎም ዝፅውዑ፥ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ኣለዉ እንተ ተብሃለኳ፥ 6#ዮሓ. 1፡3፥ ኤፌ. 2፡10፥ 4፡5-6። ንኣና ግና ዅሉ ኻብኡ ዝኾነ፥ ንሕናውን ንእኡ ዝኾንና፥ ሓደ እግዚኣብሄር ኣብ ኣለና፤ ከምኡውን፥ ኵሉ ብእኡ ዝተፈጥረን፥ ንሕናውን ብእኡ እንነብርን፥ ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣለና።
7 #
ሮሜ 14፡23። እዝ ፍልጠት እዙይ ግና፥ ኣብ ኵሉ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ገሊኣቶም ምምላኽ ጣዖት ከም ልማድ ገይሮምዎ፥ ክበልዑ እንተለዉ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ እዩ ኢሎም እዮም ዝበልዑ። ሕሊናኦም ድኹም ስለ ዝኾነ ድማ ይረክስ። 8#ሮሜ 14፡17። ብልዒ ናብ እግዚኣብሄር ኣየቕርበናን፤ እንተ በላዕና፥ ዝውስኸልና የብሉን፤ እንተ ዘይበላዕናውን፥ ዘጕድለልና የብሉን። 9#ሮሜ 14፡13፥20። ግናኸ እቲ ሓርነትኩም፥ ነቶም ብእምነቶም ዘይጠንከሩ መዐንቀፊ ኸይኾኖም ተጠንቀቑ። 10ሓደ ሰብ፥ ፍልጠት ንዘለካ ንኣኻ፥ ኣብ ቤት ጣዖት ተቐሚጥካ እንተ ረአየካ፥ እቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ ንምብላዕዶ ኣይምደፈረን? 11#ሮሜ 14፡15። ስለዙይ እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብእምነቱ ዘይጠንከረ ሓው፥ ብሰንኪ ፍልጠትካ ይጠፍእ ኣሎ። 12#ማቴ. 18፡6፥ 25፡45። እምበኣር ከምዙይ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፥ ነቲ ድኹም ሕሊናኦም እናቝሰልኩም፥ ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣለኹም። 13#ሮሜ 14፡21። እምበኣር ምግቢ ንሓወይ ዘዐንቅፎ እንተ ኾይኑስ፥ ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ፥ ንሓዋሩ ፈፂመ ስጋ ኣይበልዕን እየ።
Currently Selected:
1ይ ቆሮንቶስ 8: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in