1
ኢሳይያስ 40:29
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ንሱ ንድኹም ሓይሊ ይህብ፤ ሓይሊ ንዘይብሉ ኸዓ ብርትዐ ይውስኽ።
Compare
Explore ኢሳይያስ 40:29
2
ኢሳይያስ 40:30-31
ኣጕባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፤ መንእሰያት ድማ ፈፂሞም ይወድቁ። እቶም ንእግዚኣብሄር ተኣማሚኖም ዝፅበዩ ግና፥ ሓይሎም ይሕድሱ፤ ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፤ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፤ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
Explore ኢሳይያስ 40:30-31
3
ኢሳይያስ 40:28
ኣይፈለጥካን ዲኻ፥ ኣይሰማዕኻን ዲኻ? እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ፥ ፈጣሪ ወሰናት ምድሪ እዩ፤ ኣይደክምን፤ ኣይሕለልን፤ ምስትውዓሉውን ኣይምርመርን እዩ።
Explore ኢሳይያስ 40:28
4
ኢሳይያስ 40:3
ድምፂ ኣዋጅ ነጋሪ፥ ከምዙይ ይብል፦ “መንገዲ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ፅረጉ፤ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ኸዓ፥ ንኣምላኽና ፅርጊያ ፅረጉ።
Explore ኢሳይያስ 40:3
5
ኢሳይያስ 40:8
ሳዕሩ ይነቅፅ፤ ዕምበባኡውን ይረግፍ፤ ቃል ኣምላኽና ግና፥ ንዘለኣለም ፀኒዑ ይነብር።”
Explore ኢሳይያስ 40:8
6
ኢሳይያስ 40:5
ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ክግለፅ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኸዓ፥ ሓቢሩ ኽሪኦ እዩ።”
Explore ኢሳይያስ 40:5
7
ኢሳይያስ 40:4
ስንጭሮ ዝኾነ ልዕል ይበል፤ ኵሉ እምባታትን ኰረብታታትን ድማ፥ ትሕት ይበል፤ ቀይናን ይቕናዕ፤ ድንጕር ከዓ ሰጥ ዝበለ ሜዳ ይኹን።
Explore ኢሳይያስ 40:4
8
ኢሳይያስ 40:11
ንሱ ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ የውፍረን፤ ንመሓሲኡ ኣኪቡ ኣብ ሕቝፉ ይስከመን፤ ነተን ዘጥብዋ ድማ ብህድኣት ይመርሐን።
Explore ኢሳይያስ 40:11
9
ኢሳይያስ 40:26
ኣዒንትኹም ናብ ሰማይ ቈላሕ ኣቢልኩም ረአዩ፤ ነዚኣቶም ዝፈጠሮም መን እዩ? ንሰራዊቶም ብቝፅሮም ዘውፅኦም፥ ንዅሎምውን በብስሞም ዝፅውዖም ንሱ እዩ፤ ካብ ዕብየት ሓይሉን ካብ ብርትዐ ኽእለቱን ዝተልዓለ፥ ሓደ እኳ ኣይሰኣኖን።
Explore ኢሳይያስ 40:26
10
ኢሳይያስ 40:22
ንሱ እዩ ልዕሊ ኽቢ ምድሪ ዝቕመጥ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኸም ኣንበጣ እዮም፤ ንሰማያት ከም መጋረጃ ይዝርግሖ፤ ንመንበሪ ድማ ኸም ድንኳን ይዝርግሖ።
Explore ኢሳይያስ 40:22
11
ኢሳይያስ 40:2
ንልቢ ኢየሩሳሌም ተዛረቡ፤ ዝተቘፀረትሉ ወርሓት ከም ዝተፈፀመ፥ መከራኣ ከም ዝተወድአ፥ በደላ ኸም ዝተሓድገላ፥ ስለ ዅሉ ሓጢኣታ ድማ፥ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ዕፅፊ ኸም ዝተቐበለት ናብኣ ኣውጁ።
Explore ኢሳይያስ 40:2
12
ኢሳይያስ 40:6-7
ድምፂ፥ “ኣውጅ” በለኒ፤ “እንታይ ኢለ ኽእውጅ” በልኩ። “ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ሳዕሪ እዩ፤ ኵሉ ኽብሩ ኸዓ ኸም ዕምበባ ምድረ በዳ እዩ። እስትንፋስ እግዚኣብሄር ይነፍሶሞ፥ ሳዕሩ ይነቅፅ፤ ዕምበባኡውን ይረግፍ። ብሓቂ እቲ ህዝቢ ሳዕሪ እዩ።
Explore ኢሳይያስ 40:6-7
13
ኢሳይያስ 40:10
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ብሓይሊ ይመፅእ፤ ብቕልፅሙ ድማ ይገዝእ፤ እንሆ ዋጋኡ ምስኡ እዩ፤ ስራሑውን ኣብ ቅድሚኡ እዩ።
Explore ኢሳይያስ 40:10
14
ኢሳይያስ 40:1
“ኣፀናንዑ፤ ንህዝበይ ኣፀናንዑ” ይብል ኣምላኽኩም።
Explore ኢሳይያስ 40:1
15
ኢሳይያስ 40:12-14
ንማያት ብሕፍኑ ዝሰፈረ፥ ንሰማያት ከዓ ብስድሩ ዝለክዐ መን እዩ? ንሓመድ ምድሪ ብመስፈሪ ኣኪቡ ዝሓዘ፥ ንእምባታት ብሚዛን፥ ንዀረብታታት ድማ ብሚዛናት ዝመዘነኸ መን እዩ? ንመንፈስ እግዚኣብሄር “ዝኣዘዘ፥ ወይ መኻሪ ኾይኑ ዝመሃሮኸ መን እዩ? ምስ መን ተማኸረ? ወይ መን መኸሮ? ንመንገዲ ፍትሒኸ መን መሃሮ? ንፍልጠትከ መን መሃሮ? መንገዲ ምስትውዓል ዘርኣዮኸ መን እዩ?
Explore ኢሳይያስ 40:12-14
Home
Bible
Plans
Videos